Dehai News

ጸይቂ ዕላሎም

Posted by: Solomon Goitom

Date: Tuesday, 21 May 2019

ጸይቂ ዕላሎም

ኣብ ኤርትራና ካብ ዘመናት ኣብ ኩሉ ኲርናዕ ዝነብር ህዝብና ብሰላም ብምክብባር ይናበር ነይሩን ኣሎን። ንመጀመርታ ግዜ እንግሊዛውያን ንኤርትራ ከመሓድርዋ ምስ ጀመሩ እቲ እከይ ተንኰል ናይታ ኣብ ካልአይ ኲናት ዓለም ሲዒራ ዓብላሊ ሓይሊ ኰይና ዝወጸት ኣመሪካ ምንጭታት ሃብቲ ንምግባት ብዘውጽእዎ ሜላ ዑቑር ሃብቲ ነዳዲ ኦጋዴን ኣብ ትሕቲ ዕሱብ ዘርኢ ይሁዳ እየ ዝብል ንጉስ ሃይለስላሰ ክኸውን እሞ መታን ብወደብ ዓሰብ ክስደድ ኤርትራ ናይ ግድን አብ ትሕቲ እዚ ዕሱቦም ክትቊረን ኣለዋ ተሓንጺጹ ነዚ ንምትግባር ስሙረት ህዝቢ ኤርትራ ክዝረግ ሜላ ወጺኡሉ ነዚ መሳርሒ ዝዀኑ ገረብ ብሓኽላ ተጀሚሩ። ቀዳማይ ዕሱብ አቡነ ማሪቆስ መራሒ ተዋህዶ ኤርትራ ንህዝቢ ተዋህዶ ሕብረት ምስ ኣትዮጵያ ንዘይብል ፍትሓት ከይግበረሉን ምስ ክርስትያን ከይቅበርን ብምእዋጅ ንህዝቢ ብምርዓድ። ኣፍን ሓሳባትን ህዝቢ ዓጽዩ። ከም በዓል ተድላ ባይሩን ቀሺ ድሜጥስን አስፍሃ ወልደሚካኤን ተወሲኾምዎ ነቲ ቅልል ዝበለ ቃልሲ መልክዑ ዝቐየረ ናይ ፋሕ ብትን ግዜ ኰይኑ አል ራቢጣ ኢስላምያ ተመስሪቱን ኣብ ምትፍናን ኣብጺሖሙናን። ዝነበረና ዕድል ምስ ከሰርናዮ ኣብ ምስትንታንን ምሕሳብን ኣቲና ካልእ ምርጫ ስለዘይነበረ ነቲ መሪር ብረታዊ ጐነጽ ደጋፊ ዘይብልና ብዘይ ብቑዕን ብዘይ እኹልን ዕጥቂ ኣንጻር ብኣሜሪካን ሰዓብታን ዝድገፍ ገጢምና። እቲ ገረብ ብሓኽላ ሜላ ቅድም ስለ ዝሰርሓሎም ሕጂ እውን ብኽልተ መገዲ ኣቲኣታትዮሞ። ብሐደ ወገን ናብ ቃልሲ ዝጽንበሩ ኣምሲካ ብምሕዋስ እኹል ሓቤሬታ ሒዞም ዝምለሱ(ዝስልሙ) እሞ ንሓበርትን መራሕቲ መገዲ ዝዀኑ። በቲ ካልእ ድማ መንእሰያት ዓስኪርካ ንገድልና ዘይስሙ ሂብካ ተሃንዲም ከም ዝዋግኡሎም ፈቲኖም ኣብ ዝተናወሐ ህዝብና ነቒሑሉ ሳላ ዝሰመርናን ዝተጸመምናን ተዓዊትና ናጽነትና ብቕልጽምና ኣምጺእናያ። እቶም ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ጸላእትና ተንኰላቶም ኣይገደፉን ወዮም ከሓድያን ' ውን ኣብ ደገ ዓዲ ኣባይ ዓስኪሮም ብያቲ እንዳማቶም ምልማጽ መሪጾም ተላኣኣኽቲ ንውድቀት ሃገሮም ፈቲኖም ኣብ ወጻኢ ሃገራት' ውን ከምኦም። እዚ ኩሉ ሽርሕን ውግእን። እገዳን ሃሱሳትን ሲዒርና ኣብ ትስፉው መድረኽ ምስ ደየብናስ ወዮም ንጥፍኣት ሃገር ከጣቕዑ ዝጸንሑስ ይኣክል ክብሉና። ኣየናይ እዩ እቲ ዝኣክል ጌና ጌና ተሃንና ኣየውጻእናን ጌና ኣብ ኮለጃት ዘለዉ ዕስራ ሽሕ። ኣብ ሳዋ ዘለዉ ዓስርተ ሓሙሽተ ሽሕ ኣብ ተግባረ ኢድን መሰልጠኒ ማእከላትን ዘለዉ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ብዕጽፊ ከነባዝሖ ኢና። ቀለቦምን መዳቕሶምን እቲ ዝበለጸ ክንገብሮ ኢና ልብኹም ጽቡቕ ስለዘይሓስብ ሕርር ክትብሉ ኢኹም ጌና። ፈለግ ባርካ ዓጺና ሰለስተ ሚእቲ ሚልን ክዩብ ሜተር ማይ ዓቂብና ኣሎና። ኣብ ፋንኮታትን ገርሰትን ባዳሚትን ዓሊ ጊድርን ሰለስተ ሚልዮን ክዩብ ሜተር። ኣብ ከበሳ ዲጋ ገርገራን ዲጋ ዓዲ ሃሎ(ዲጋ ጠቐራ) ጥራሕ ዘዋህለሎካብ ስለስተ ሚልዮን ክዩብ ንላዕሊ። ኣብ መላእ ከበሳ ካብ ኣርባዓ ንላዕሊ ዝቑጽረን ማእከሎት ዲጋታት ሰሪሕና ሕጂ'ውን ብርክና ኣይንዓጽፍን ክንውስኽ ኢና ድሮ 'ውን ንምብራቕ ወሪድና ዲጋ ጋሕቴላይ ሚልናት ክዩብ ሜትር ዝሕዝ ኣብ ምዝዛም ኣሎና። ኣብ ከባቢ እዘን ዲጋታት ብዙሕ ዝተጀመረ ልምዓት ኣሎ። ኣብ ከባቢ ተራ እምኒ ምሩጻት ከብቲ መጺኤን ልዕሊ ሽሕ በዚሔን ኣለዋ። ኣብ ገርሰትን ኣብ ኣለቡን ኣብከርከበትን ልዕሊ ሽሕ ከብቲ ንስጋን ንጸባን ውጺኢት ጸባን። ሃገርና ምጽዋት ከም ገሊኣቶም ከይተጸቤና ዓዲ ኣሕምልትን ፍሩታታትን ዓዲ ጠስሚን ጸባን ክትኰውን እያ። ንዓና ኣኺሉ ተረፍና ብብዝሒ ንሰደድ ክንበቅዕ። ኣባጊዕና ፉርየን ተባዚሔን ኣሽሓት ኰይነን ባርካ ውረዱ ርኣዩወን። ነዚ ኩሉ ማዕድናትና ተወሲኹዎ ዓይኒ ኣባይ ይድፈነልና እመስገን ፈጣሪ ብዙሕ ዩ ሽሻይና ኢድና ሓዊስናሉ እንተ ሰሪሕና። ርኡይ ሃብቲ ባሕርና ብዙሕ ዘይንደኽመሉ ኣንታ 'ቶም ጸላእቲ ሰናይ ሕርር ይበሉ ሕርርርር ብሰለሙን ጐይትኦም ካብ ቭርጅንያ

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events