Dehai News

(ሚኒስትሪ ዜና) 250 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ተመሪቖም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 31 May 2019

250 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ተመሪቖም

ዓርቢ 31 ግንቦት 2019 


ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ብዝተፈላለየ ዓውዲ ንዘሰልጠኖም 250 ኣባላት ኣመሪቑ። 

ካብ ክልተ ወርሒ ክሳብ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ኣብ ዝቐጸለ ስልጠና፡ ተክኖሎጂ ነፋሪት፡ ምክልኻል ሚሳይል፡ ስርዓተ ራዳር፡ ክልሰ ሓሳብ በረራን ስነ በረራን፡ ምብራር ዝተፈላለያ ነፈርትን ካልእን ኣርእስታት ዘጠቓለለ ኢዩ ኔሩ። 



ፕረሲደንት ኢሳይያስ ንምሩቓት እዛ ዕለት ወረቐት ምስክርን ነቶም መሰረታዊ በይነ በረራ ዝወድኡ ኣብረርቲ ድማ ናይ ክንፊ ምልክት ኣብራሪ ዓዲሉ። 


ኣዛዚ ሓይሊ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ “30 ግንቦት መዓልቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ንሓይሊ ኣየር ዕማማቱን እንዝክረላ መዓልቲ ኢያ። ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ስልጠናታት ብዓወት ድሕሪ ምዝዛም፡ ጽንዓቶምን ብቕዓቶምን ብወግዒ እንምስክረሉ ዕለት ኢዩ። 

እዚ ዓወት እዚ ብዘይ ርሑቕ ዝጥምት ስትራተጅን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ደገፍ መንግስቲ ዕዉት እምበይ ምዀነን።” ድሕሪ ምባል፡ ሞያውነት ሓይሊ ኣየር ንምዕባል ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊጹ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events