ፕረሲደንት ኢሳይያስ ንምሩቓት እዛ ዕለት ወረቐት ምስክርን ነቶም መሰረታዊ በይነ በረራ ዝወድኡ ኣብረርቲ ድማ ናይ ክንፊ ምልክት ኣብራሪ ዓዲሉ።
ኣዛዚ ሓይሊ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ “30 ግንቦት መዓልቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ንሓይሊ ኣየር ዕማማቱን እንዝክረላ መዓልቲ ኢያ። ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ስልጠናታት ብዓወት ድሕሪ ምዝዛም፡ ጽንዓቶምን ብቕዓቶምን ብወግዒ እንምስክረሉ ዕለት ኢዩ።
እዚ ዓወት እዚ ብዘይ ርሑቕ ዝጥምት ስትራተጅን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ደገፍ መንግስቲ ዕዉት እምበይ ምዀነን።” ድሕሪ ምባል፡ ሞያውነት ሓይሊ ኣየር ንምዕባል ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊጹ።