Date: Thursday, 04 July 2019
መ ት ከ ል
ኣቶ ዮሱፍ ዝብሃሉ ሰራሕተኛ ናይ ሓደ
ካምፓኒ ነበሩ ። (ብግዜ ደርጊ ማለት‘ዩ)፡
ኣቶ ዮሱፍ በይኖም ኣብቲ መኻዚኖ
እንዳሰርሑ ከለው ፡ ሓደ ንኽንደይ
ኤርትራዉያን ዘደንዘዘ ወትሃደር ካብኡ
ትነዉሕ ብረት ተሓንጊጡ ነቲ ማዕጾ
መኻዚኖ ብዘሰንብድ ኣኳሓኵሓ ዘበጦ።
ኣቶ ዮሱፍ፡— ገሪምዎም «መን ኢኻ ?»
ወትሃደር፡—«ወትሃደር እየ መንግስቲ
እዩ ልኢኹኒ ንኽሕሉ፡»
ኣቶ ዮሱፍ፡— «ሐራይ ጽቡቕ»
ወትሃደር፡–(ድሕሪ ቁሩብ ምጽባይ እንዳ
ጨርሐ) «ክፈቶ‘ባ......?»
ኣቶ ዮሱፍ፡— «ኣብኡ ዅንካ ሓሉ!»
ወትሃደር፡— (እንዳጨርሐ)«እንታይ በልካ»
ኣቶ ዮሱፍ፡— «ኣብቲ ዘለኻዮ ሓሉ!»
ወዮ ወትሃደር ዓሰርተ ደቒቕ ዝኸወን ኣብቲ
ጽርግያ ሓልዩ ናበይ ከምዘበለ ብኡ
ገይሩ ተሰወረ።ብድሕሪኡ‘ዉን ፈጺሙ
ኣይተቐልቀለን።
ኣብ መትከልካ እንተ ጸኒዕካ
ዝመጸ ‘ንተመጸ ከይፈራህካ
ከይተወላወልካ ሃገር እንተዉሒስካ
መን‘ዩ ዝደፍረካ?
ይኣክል እንዳበልክን
መትከል እንተልዓልክን
ዉሕጅ ይወስደክን፡
ሓደ ሓደ እንስሳ ‘ለው ጎረርኦም ነቒጹ ከሎ
ኣይሰትዩን‘ዮም ዉሕጅ ክሓልፍ ከሎ ፡
ካብ ስድርኦም ዝወረስዎ መትከል
ኣየልዕልዎን‘ዮም እንዳበሉ ይኣክል፡
ንጠርነፍ መትከልና ከነደልድል
ንደቅና ከነዉርስ ጽቡቕ ዕድል፡
ዓወት ንሓፋሽ
ዉድቀት ንፈሽፋሽ
ተስፋይ ትኳቦ
ካርልስሩሀ / ጀርመን