Dehai News

--- ተመስገን --- ብገዲም ተጋዳላይ ብጻይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 18 August 2019

****  ተመስገን ***
ኣቱም ሰባት ፥ተርር ኣቢለ ጎሲዐ
ደበኽ ምስ በለ ፥እቲ ሞት ዝተተዐ
ከይተረድኣኒ ጸረር  ፥ንብዓት ሓበን ነቢዐ
ደሃይ ኣርካን ገድሊ ፥ብስራት ሰሚዐ
   
     በሊሕ ኣኣምርኡ ፣ብልሒ ዓረር ዘጉዲሙ
ጠበሽ ኢሉና ፥ ፋርስ ዝቀለዉ ይቀለዉ ይሕመሙ
እቲ ውጻእ መዓት ትማሊ ፣ ሎሚ ውን ኣሰኒፍዋ ንሞት
ኣርሓ ኣርሓታት ኣያ መትከለይ ፣ ተመስገን ኢለ ብኡነት

      ደንበ ሙሉእ እንበር ኢኻ ፥መሕደር  ኣስሓት
መርሕ ስልቲ ውግእ ፥ዘስገድካ ሓያላት ምኩሓት
ኣብ ሳሕል ተሳሒልካ፥ቅዲ ዋይት ሃውስ እተምክን
ጀነራላት ዘድነንካ ፥ውጥን ሶቬት  ስልቲ ክረምሊን

     ተመስገን ኢለ ፥ኣፍ ልበይ ነፊሐ ተሓቢነ
ጥዑም ብስራትካ ፥ሰሚዐ መግለጺ ሲኢነ
ቁጽርጽር ኢለን የዒንተይ፥ ካብ ክቱር ታሕጓስ
ጸሎት ዝተበጀኻሉ ህዝቢ ፥ኣይተረፈን ብላሽ

     ኣንታ ምቕሉል ኣቦ ኹሉ ፥ኩሉ ሰቡ ሕዉስ
ኣንታ ትጉህ ብሱል ፥መምህር ጽንዓት ዕጉስ
ኣንታ መዝገብ ብራና ፥ቅርሲ ሃገር ማህደር
ተመስገን ኢለ ፥ድሃይካ ሰሚዐ ኣንታ ፈጣሪ ሃገር

        ያኢ ሞት ፥ብርቂ ነገር ኮይኑ ንዓኻ
ትማሊ ሞት ናብ ዘላቶ ፥ዓዲ ሞት ዝገሽካ
ቅዲ ብስለት ካርታኻ ፥ጥራይ ይመስለኒ ነይሩ
ለካ እቲ በሊሕ ኣኣምሮኻ ፥ዓረር ውን ኣንጢሩ

        ብስታፍ ስሪሒት ፥ሑቖ ኣባይ ትጎዝዝ
ዕስለ ነፈርቶም ሃንኩትካ ፥ምኩሓት ተናዝዝ
ግንባራት ቀርሲምካ ፥ ጠራሮ ተቑሽምድ
ሓያላት በሃልቲ ፥ኣብ እግርኻ ተስግድ

       ተመስገን ኢለ ፥ጥርዚ ወጺኡ ኩርዓተይ
ደለይቲ ሕሰም ሃገር ፣ ክልተሳዕ ኣዛሪብካለይ
ድፍን ትበል ዓይኖም ፥ጉም ከብሉና ዝሓሰቡ
ኣለኹ ኢልካዮም ፥ፋርሰይ ደም ክሕለቡ

      ሞት ደኣ ንዓኻ ፥ገዚሚ ሃገር እንደኣሉ
ዘይ ከምቶም፥ ብሓለዋን ዓጀብንት ዝማእከሉ
መሲልዎም ይኸውን ፥ክልፍ ከብልኻ 
ገና ምዕራፉ ከይዛዘምካ ፥ናይ ትማሊ ንቕሎኻ

      ሃልወልና ደኣ ኣያ መትከል፥ሃገር ክትሕፈር ከም ትማሊ 
ንበረልና ኣንታ ውጻእ መዓት ፥ኣንታ ጎይታ ዓቕሊ
ንዓና ክሕሸና ክንድሽሕ ፥ሃልወልና ወዲ ኤፍረም
ዓይኒ ኣባይ ይግሃም ፥ግብ ኢሉ ይገሰም

      ዝዘራእካዮ ምህርቲ ፥ኣብ ትዓጽደሉ
ብዋርሳይ ማሚቕካ ፤ደረትካ ኣብ ትነፍሓሉ
ዝሰሓልካዮ ወለዶ፥ ጾርካ ኣብ ዘብርየሉ
ኩልፍ ከብልኻ ፥በጃኻ ዕዝር ይበሉ 
    
        ተመስገን ኢለ እየ ፥ብስራት ሰሚዐን  የእዛነይ
ዓይኒ ኣባይካ ይደፈን ፣ ክቡር ጀነራል ንስኻስ ሃልወለይ
ዝመለስካዮ ክብሪ ሃገር ፥ዘውሓስካዮ ደረት ሪም
ዘንትእለት ክኽበር እዩ ፥ተኪእካ ኣውሪስካ ኢኻ ሃበርም

     ተመስገን 
      ዓወት ንሓፋሽ
     ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
       12/08/2019

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events