Dehai News

(ቢቢሲ) ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 06 May 2021

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ

6 ግንቦት 2021

ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን (ማእከል) ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ,YEMANE G. MESKEL/TWITTER

ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን፡ ነቲ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸጥታዊ ብሆታት ንምክትታል ብፕረዚደንት ባይደን ምምዛዙ ይፍለጥ

ፍሉይ ልኡኽ ፕረደዚንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሎሚ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን፡ ነቲ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸጥታዊ ብሆታት ንምክትታል ብፕረዚደንት ባይደን ምምዛዙ ይፍለጥ።

ኣብቲ 4 ሰዓት ዝወሰደ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ "ጸገማት" ከምዝተዘራረቡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ።

"ኣብቲ 4 ሰዓታት ዝወሰደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ምስ ኣመሪካ ክትተሓባበር ድልውቲ ምህላዋ ኣስሚሩሉ" ክብል ኣቶ የማነ ገሊጹ'ሎ።

ኣምባሳደር ፈልትማን ብወገኑ፡ ሃገሩ ብዛዕባ'ቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸገማት ዝምልከት ዝሓዘቶ መረዳእታ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብሪሁሉ'ሎ።

ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ግጭት ትግራይ ከተውጽእ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ክትጽውዕ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኤርትራ ብወገና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ምስ ኣመሪካ "ብንጡፍ ጽምዶ" ክትሰርሕ ምጽንሓ ብምብራህ፡ ፖሊሲታት ዝሓለፉ ምምሕዳራት ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ነይሩዎም ክትብል ከሲሳ ነይራ።


Image



7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events