Dehai News

ገምጋም መጽሓፍ “ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን፡ 1956-1962” ብኣለምሰገድ ተስፋይ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 11 January 2017

ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን፡ 1956-1962 ብኣለምሰገድ ተስፋይ 

ሳሙኤል እምሃ* On 11-Jan-2017 

ገምጋም መጽሓፍ “ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን፡ 1956-1962” ብኣለምሰገድ ተስፋይ 

መጽሓፍ ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን፡ 1956-1962 ሳልሰይቲን መወዳእታን ቅጺ ናይተን ንታሪኽ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣመልኪተን ዝተጻሕፋ ሰለስተ መጽሓፍቲ እያ። እተን ቀዳሞት ቅጽታት ኣይንፈላለ፡ ኤርትራ 1941-1950 (2001) ከምኡ’ውን ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፤ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ 1951-1955 (2005) እየን። ሰለስቲአን እዘን ብተመራማሪ ታሪኽ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝተዳለዋ መጽሓፍቲ ብኣሕተምቲ ሕድሪ’የን ተሓቲመን። 

ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን ብ18 ሕዳር 2016 ኣብ ኣዳራሽ ኤክስፖ ኣስመራ ድሕሪ ምምራቓ ንዕዳጋ ወሪዳ ኣላ።

እዛ ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ሰለስተ ክፋላት ዝተመደበ 26 ምዕራፋት፡ ድሕረ-ጽሑፍ፡ ጥብቆን መወከሲታትን ዝሓቘፈት ኰይና፡ ኣብቲ 741 ገጻት ዝዝርጋሕ ገጻታ፡ ኣስታት 160 ዝኸውን ስእልታትን ቅዳሕ ስእሊ ኣገደስቲ ሰነዳትን ዘካተተት እያ። እዛ መጽሓፍ፡ ከም ዝቐደማ ክልተ መሰልታ፡ ንፖለቲካዊ ምዕባላታት ናይ መወዳእታ ዘመን ናይቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ዝቘረነ ፈደራላዊ ተመኵሮ ብዝርዝር ኣቐሚጣ ኣላ። መጽሓፍ ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን ንከይዲ ናይቲ ንሓድሕዱ ተራጻሚ ዝዀነ ዲያለክቲካዊ ዝምድና ዝነበሮ ክልተ ታሪኻዊ ምዕባለታት፡ ማለት ብንጡፍ ድፍኢት ሃጸያዊ መንግስቲ ሃይለስላሴን ወለንታዊ ምትሕባባር ናይቲ ቢተወደድ ኣስፋሃ ወልደሚካኤል ዝመርሑዎ መንግስቲ ኤርትራን ንርእሰ ምምሕዳራዊ መሰላት ኤርትራ ንምዕናውን ጠቕሊልካ ከምተን ካልኦት ናይ ኢትዮጵያ ጠቅላይ ግዝኣታት ንምግባራን ዝካየድ ዝነበረ ፈተነ በቲ ሓደ ወገን፣ ነዚ ፈተነ’ዚ ንምብዳህ፡ ንፈደራላዊ ስርርዕን ንሱ ዘውሕሶ ሕገ-መንግስታዊ መሰላትን ሓርነታትን ንምክልኻል፡ ንሱ ኣብ ዘጸግመሉ ድማ ብሕቡእ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ብዝርዝር፡ ምስናይ ደቀቕቲ መርትዖታትን ኣቕሪባ ኣላ። 

ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን ኣብ ሰለስተ ክፋላት ዝተመደበት እያ። ኣብ ቀዳማይ ክፋል ንምስግጋር ስልጣን ካብ ተድላ ባይሩ ናብ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ዘሎ መሰጋገሪ መድረኽ እዋን ይሽፍን። ኣብዚ ክፋል’ዚ፡ ብሰንኪ ቢተወደድ ኣስፋሃ ወልደሚካኤል ዝነበሮም ሕሉፍ ናይ ሕብረት ናህሪ ንፈደራላዊ ስርዓት ንምዝርዛርን ንፍጹም ሕብረት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምክዋንን ዝተጸርጉ ፖለቲካዊን ሕጋዊን መገድታትን ንዕኡ ንምቅዋም ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ተግባራትን ተዘርዚሩ ኣሎ። ድሕሪ’ቲ ተድላ ባይሩ ንርእሰ-ምምሕዳራዊ ናጽነት ኤርትራ ብኸፊል ንምክልኻል ዘርኣዮ ፍኒሕንሕን ምስ ወኪል ሃጸይ ሃይለስላሴን ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ዝነበሮ ህልኽን ካብ ስልጣን ምውራዱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብበዓል ኣስፍሃ ወልደሚካኤልን ቀሺ ዲሜጥሮስ ገብረማርያምን ዝምርሑ ደገፍታ ኤርትራውያንን ሕግታት ምርጫ ብምምሕያሽ፡ ንናጽነት ላዕላዋይ ቤት-ፍርዲ ኤርትራ ንምሽርራፉ ብምፍታን፡ ብናይ ምሕባልን ምጕብዕባዕን ስልቲ፡ ሰፊሕ ናይ ስለያን ጸጥታን መርበባት ዘርጊሑ፡ ንተኸላኸልቲ ፈደራላዊ ስርዓትን ኤርትራዊ ርእሰ-ምምሕዳርን ዝነብሩ ኣባላት ባይቶ ብዝተፈላልዩ ፖለቲካዊ ሽርሕታትን ቃጻን ብምሱጓግ ንፈደርላዊ ስርርዕ ንምብታን ብቕልጡፍ ስራሖም ከም ዝጀመሩ ድማ ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ተዘርዚሩ ኣሎ። ንኣብነት፡ ብሌተና ጀነራል ተድላ ዕቚቢት ዝምራሕ ፖሊስ ኤርትራ ሰፊሕ ናይ ስለላን ክትትልን ኣገባብ ብምእትእትታው፡ ንእሽቶ ኣንፊ ተቓውሞስ ይትረፍ ምስቲ ናይ ሕብረት ሓሳባት ንዘይሰማምዑ’ውን ክሳብ ዝደቀቐ ዕለታዊ ምንቅስቓሳቶም ይምዝግብን ናብ መራሕ-መንግስቲ የሕልፍን ነይሩ። እዚ ኣብ ትሕቲ “ምንቅስቓስ ናይ ፖለቲካ ሰባት” ወይ Movimento Delle Persone Politicanti ዝብል ኣርእስቲ ዝቐርብ ስለያዊ ጸብጻብ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 50 ዝበጽሑ ውልቀ ሰባትን ጒጅለታትን ይከታተልን ጸብጻባት ምንቅስቃሳቶም ብደቂቕ ይምዝግብን ከከም ኣድላይነቱ ድማ ናብ መራሕ መንግስቲ የሕልፍን። እዚ ሰፊሕ ሰለያዊ መርበብ’ዚ፡ ኣብ ገለ እዋናት ብግህዶ’ውን ይገብሮ ስለ ዝነበረ ኣብ ዜጋታት ዘውርዶ ዝነበረ ስነ-ኣእሙራዊ ጸቕጢ ኣመና ዓቢ’ዩ ነይሩ። ስለዚ ከኣ ንገለ ብግልጺ ንርእሰ-ምምሕዳራዊ ናጽነትን ኤርትራ ዝማጐቱ ዝነበሩ ሰባት ሰገጥ ከብል ግድን ነበረ። 

ካብ 1956 ክሳብ 1958 ዝሽፍን 9 ምዕራፋት ዝሓዘ ካልኣይ ክፋል’ዛ መጽሓፍ ነቲ ብመንጽር’ቲ ንፈደራላዊ ስርርዕ ንምብታንን ርእሰ-ምምሕዳራዊ ናጽነት ኤርትራ ንምሽርራፍን ዝካየድ ዝነበረ ፈተነታት ስነ-ሓሳባዊን ውድባዊን—ዋላ’ኳ ዘገምታዊን ብዙሕ ዝረቀቀን ኣይንበር—መስመራቱ እናነጸረ ዝያዳ ብሓደሽቲ ፖለቲካውያን ተዋሳእቲ—ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን— እናተደፍአን በቶም ከም ኢብራሂም ሱልጣን፡ ብላታ ዑመር ቓዲን ወልደኣብ ወልደማርያምን ዝኣመሰሉ ህቡባት ፖለቲከኛታት እናተኣልየን ዝዓቢ ዝነበረ ኤርትራዊ ሃገራዊነት ዝርኢ እዩ። ኣብዚ ክፋል፡ ኣለምሰገድ፡ ነቲ ብገለ ተመራመርቲ ንኤርትራዊ ሃገራውነት ኣመልኪቱ ዝወሃብ መደምደምታት፡ ኣምራዊ (conceptual) ነቐፌታ ሂቡሉ ኣሎ። ንኤርትራዊ ሃገራውነት ኣመልኪቶም ዝካየዱ ክትዓት፡ ሰፊሕ ጭብጥታት ብምዝርዛር፡ ነቲ ዝጸንሐ ዘይሚዛናውነት ንምትዕርራይ ፈቲኑ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ምዕባለታት ብኸመይ በቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ዞባዊን ዓለማዊን ምዕባሌታት—ንኣብነት ብጀማል ዓብደልናስር ዝቕስቀስ ንቅልውላው-ስወጽ፣ ስዒቡ ዝተራእየ ናይ ዓረብ ሃገራውነት (Arab nationalism) ኣብ ሰፊሕ ክፋላት ዓለም ጽልዋኡ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ማሕበርነታዊ ሰውራን—ይጽሎ ከም ዝነበረ ኣርእዩ ኣሎ። ነቲ ንርእሰ-ምምሕዳራዊ ናጽነት ኤርትራን ፈደራላዊ ስርርዕን ንምሕላው ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲን ንኤርትራዊ ሃገራዊነትን ብዓይነት ዝቐየረ ናይ ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ምንቅስቃስ ንጥፈታቱ፡ ኣወዳድብኡን ጽልዋኡን ዝምልከት’ውን ብሰፊሕ ዘርዚሩ ኣሎ። ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዝነበረ ንፈደራላዊ ስርርዕ ናይ ምፍራስ መስርሕ ክሳብ እቲ ንባንዴራ ኤርትራ ዘውረደ ደረጃኡ’ውን ሸፊኑ ኣሎ። 

እቲ ካብ 1958 ክሳብ 1962 ዝሽፍን ሳልሳይ ክፋል ናይዚ መጽሓፍ ነቲ ሕቖ ፈደራላዊ ስርርዕ ዝሰበረ፣ ኪንዮ’ቲ ጸበብቲ ውዳበታትን ሓጹራትን ሰጊሩ ሃገራዊ መልክዕ እናሓዘ ዝመጸን ናብቲ ዝሰዓበ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘሰጋግርን ነጥበ-መቐይሮ ብዝርዝር ሰኒዱ ኣሎ። 

ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን ንብዙሕ ካብቲ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ዘይዓረፈ ኣዝዩ ኣካታዒ ምዕራፋት ታሪኽ ኤርትራ ሸፊናን ኣምራዊን መልሲ ክትህብ ፈቲናን ኣላ። ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣብዛ ዛዛሚት መጽሓፉ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ከም ኵላቶም ሃገራውያን ምንቕቓሕ ደረጃኡ ሓልዩ ዝመጸን ዝተወልደን ምዃኑ ብዘይወላውል መገዲ ኣርእዩ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ብዙሕ እዋን፡ እንተስ ሰኣን ኣፍልጦ ወይ ድማ ኰነ ኢልካ ዝዝረብ፡ ንኤርትራዊ ሃገራውነት ብድፍኢት ካልኦት ህዝብታትን ሓያላንን ዝተወልደን ሰረት ዘይብሉን ኣምሲልካ ዘርኢ ምጕት ብሰፊሕ ጭብጥታት ኣሰንዩ መጒቱዎ ኣሎ። 

ኣለምሰገድ ነቲ ተደጋጊሙ ዝቐርብ ንኤርትራ ብመንጽር ኢትዮጵያ ዝርኢ ኣጠማምታ ብኽልተ መገድታት እዩ ንምብድሁ ፈቲኑ። ፈለማ፡ ደራሲ፡ ሓድሽ ጠመተ ኵርናዕ ብምውሳድ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወግዓውያን ሰነዳትን ልሉያት ናይ ሕብረት ድምጺን ብምምርኳስ ዝቐርብ ዝነበረ ጥማዓዊ ምጕትን ጸብጻባትን ቀይሩዎ ኣሎ። ኣብ ክንድኡ ድማ ድምጺ ናይቶም ዝበዝሑ ተዓፊኖም ዝነበሩ ከም እኒ ተራ ሸቃሎ፡ ተመሃሮ፡ ጓሶትን ሓረስቶትን ሂቡ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ደራሲ፡ ብዘይካ’ቲ ሰፊሕ ምርምራዊ ሰነዳት፡ ነቶም ኣብ ወሳኒ እዋን መሪሕ ተራ ዝነበሮም ውልቀ-ሰባት ሰፊሕ ቃለ-መጠየቓት ብምግባር ነቲ ዝተረፈ ሃጓፍ ንምምላእ ክኢሉ ኣሎ። ደራሲ እዚ መደብ ካብ ነዊሕ እዋን ሒዙዎ ስለ ዝጸንሐ፡ ምስ ሞትን እርጋንን እናተቐዳደመ፡ ዳርጋ ንዅላቶም ወሰንቲ ውልቀ-ሰባት፡ ብቓላቶም ነቲ ኵነት ክገልጹ ዕድል ሂቡ ኣሎ።

እንተዀነ፡ ንታሪኽ ብመንጽር ህሉዊ ሓቅታት ጥራይ ኣይረኣየን። እንተስ ብመገዲ’ቲ ዝቐርብ ዝነበረ ጸብጻባት ወይ’ውን ብልሳን’ቶም ተዋሳእቲ ታሪኽ ኣቢሉ፡ ነቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ብግቡእ ኣንጸባሪቑ ኣሎ። ከከም ግዜኡን እዋኑን ድማ “ከምዚ’ኸ ነይሩ ድዩ?” ዘብል ክስተታን ኣጋጥሚታትን’ውን ብግቡእ ሰኒዱ ኣሎ። ንኣብነት እኳ ሕጂ ከም ሓድሽ ተርእዮን ብድፍኢት ህዝባዊ ግንባርን ጥራይ ዝሰረጸ ጌርካ ዝጥቀስ ጉዳት ኣውራጃውነት ገና ካብ ሽዑኡ ሰፊሕ ሱር ከም ዝነበሮ ሰኒዱ ኣሎ። 

ኣብዚ ብሰንኪ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ሓቂን ሓሶትን፣ ምስቲ ምልካዊ ስርዓት ብዝሰረጾም ቅርሕንቲ ናብ ነብሰ-ጽልኣት ዝሰገሩ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት፣ ኣብ መንጎ ሃገር፡ ህዝቢን መንግስቲን ምፍላይ ክሳብ ዝጽግሞም’ሞ መባእስቶም ዝሰሓቱ ዜጋታት፡ ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን ኣብ ልክዕ ግዜኣ ዝመጸት መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ ዓባይን ብቐንዱ ድማ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ምንባብ ንብዙሓት ኣሰልቻዊ ክኸውንን ደኣ ይኽኣል እምበር፡ ብሳላ ውሕለነት ደራሲ ግን ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን ሓንሳብ ምስ ጀመርካያ ንምቍራጻ እተጸግም መጽሓፍ’ያ። ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ በቲ ኣዝዩ ልዙብ ቋንቋኡ፡ ረቂቕ ግን ከኣ ፈኲስ ቅዲ ኣጸሓሕፋኡ፡ ናይ ታሪኽ ግርንቢጣት ናይ ምልላይ ትኲር ክእለቱ፡ ንነገርቲ ታሪኽ ብኣካል ትሰምዖም ከም ዘለኻ ኣምሲሉ ዘቕርብ ቅዲ ኣቀማምጣ ቃለ-መጠየቓቱን ነቲ ዓጺቕ ታሪኽ ማዕረ መሳጢ ዛንታ ትሰምዕ ከም ዘለኻ ገይሩ’ዩ ኣቕሪቡዎ። 

ህቡብ ተመራማሪ ሆሚ ባባ “ሃገራት ዛንታ’የን” (“nations are narrations”) ዝብሎ ኣምር እንተ ተቐቢልናዮ፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡ ድራማታትን መጽሓፍቲ ታሪኽን ኤርትራ ብዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ኣብዚ መዳይ ዛንታ ኤርትራ ኣበርክቶኡ ዘይወላውል’ዩ። 

-------


ምሩቕ ስነ-ታሪኽ ዝዀነ ሳሙኤል እምሃ፡ ካብ 2012-2015 ንኻልኣይ ደረጃ ተመሃሮ ዘገልግሉ መጽሓፍቲ ኣብ ምድላው ሰሪሑ። ካብ መስከረም 2012 ኣብ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ተሓጋጋዚ ኰይኑ ዘገልገለ ሳሙኤል ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዩኒቨርቲ ማካራረ ዩጋንዳ ናይ ዶክተረይት ትምህርቲ ይከታተል ኣሎ። ሳሙኤል samuelemaha@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events