Dehai News

(Haddas Ertra) ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣካዪዶም

Posted by: Yemane Abselom

Date: Friday, 20 January 2017

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣካዪዶም



ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ 
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 
ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት፡ ኣብ ከተማ 
ፊላደልፊያ ንዝነብሩ ኤርትራውያን፡ 
ብ15 ጥሪ 2017 ህዝባዊ ሰሚናር 
ኣካዪዱ።

ኣቶ ብርሃነ፡ ኣብ 2016 ኣብ 
ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ንዝተሳላሰሉ 
ዓበይቲ ንጥፈታት መኸተን ልምዓትን 
ብኣብነታት ኣሰንዩ ድሕሪ ምግላጽ፡ 
ኣብ 2017 ንዝጽበዩና ሃገራዊ መደባት 
ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ፡ እገዳ ንምስዓርን 
ቊጠባዊ ልምዓት ንምርግጋጽን ዝካየድ 
መደባት ንምዕዋት ቅሩብነቶም ድሕሪ 
ምርግጋጽ፡ ንመዐደጊ ኤሌክትሮኒካዊ 
መንበቢ ዝውዕል ሽውዓተ ሽሕ ዶላር 
ኣዋጺኦም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ 3ይ 
ዓመታዊ ዋዕላ ውዳቤታት ንኡስ 
ጨንፈር ሰሜናዊ ምብራቕ ሕቡራት 
መንግስታት ኣመሪካ፡ ብ13ን 14ን 
ጥሪ ኣብ ላንካስተር - ፐንሲልቫንያ 
ተቓኒዑ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ውዳበታት ህግደፍ፡ 
ሃማደኤን መንእሰያት ህግደፍን 
ዓመታዊ ጸብጻባተን ብምቕራብ፡ 
ንመጻኢ መደባተን ዘሐይል ውሳነታት 
ኣሕሊፈን።

ሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት ኣብ 
ምብራቓዊ ሕቡራት መንግስታት 
ኣመሪካ፡ ኣቶ ዳዊት ሃይለ፡ ምሕያል 
ውዳቤ፡ ምስሳን ኣባልነት፡ ውድባዊ 
መምርሒን ዲስፕሊንን ኣብ ዝብሉ 
ኣርእስትታት መብርሂ ሂቡ።
  
ኣብ መወዳእታ ዋዕለኛታት፡ 
መኸተኦም ንምሕያል ዘለዎም 
ቅሩብነት ብምርግጋጽ፡ ናብ ምዕዛዝ 
ህዝባዊ ተሳትፎ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትን 
ምሕያል ሃገራዊ ሽማግለን ዝቐንዑ 
ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፎም።

ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-
ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ኮፐንሃገን 
- ዴንማርክ ድማ፡ ብ7 ጥሪ ካልኣይ 
ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ካልኦት ሃገራውያን 
ውዳቤታት’ውን ዝተረኽቡሉ ጉባኤ፡ 
ኣበርክቶ ጨንፈር ኣብ ሃገራዊ 
መደባት ንምድንፋዕ ብኣባላት ክግበር 
ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ውህደት ስራሕ ምስ 
ሃገራውያን ማሕበራትን ውዳቤታትን 
ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ዛዕባታት ዘተ 
ተኻዪዱ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events