Dehai News

EriGazette.org: “ኣታ እዞም ዓድና ዞም ዓያሹ፡ ተኣኪቦም እንድኦም ዘፍርሱ፡ ዘይ እንዳና እሞ እንዳ መን ፈሪሱ፧” ኣተወብርሃን ሰጊድ…

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 22 January 2017

Jan 152017

habtomyouannesኤርትራውያን ኤርትራውያን ስለዝኾኑ እዮም ንመሰል ወዲሰብን ንዴሞክራስን ዝቓለሱ። እዚ ከኣ ብኤርትራዊ ዝኾነ መንግስቲ ክነኣድ ዘለዎ ጉዳይ ኣዩ። እቲ ዘሰደምም ግን ገሊኦም “ተቓለስቲ መሰል-ወዲሰብ በሃልቲ” ነቲ እንታይነቶምን (ኤርትራውያን) መንነቶምን ብኽቡር መስዋእቲ ዘረጋገጸ ገድሊን ኣርማኡን ከናሽውን ከኽፍኡን ከፍርሱን ከንድዱን ምዕጣቖም እዩ ዝገርመካን ዘሕዝነካን። ከመዮ ባራክ ኦባማ ኣብ ናይ መፋነዊ መደርኡ ኣብ ከተማ ቺካኮ ዝበሎ፡ እዚ ኣሰራርሓ እዚ፡ “ንርእሲኡ ዘፍሽል” ዕሽነት ዝመልኦ፡ ናብ ውድቐት እምበር ናብ ዓወት ዘየብጽሕ ቕርሕንቲን ሕርቃንን እዩ። ከምኡ ምዃኑ ከኣ ዛጊት ተዓዚብናዮን ተገንዚብናዮን ኢና።

ኤርትራውነት በዘይ ገድሊ የለን። እቲ ገድሊ እዩ ንነጻነት ኤርትራ ዘረጋገጸ። ኤርትራ ከም ሃገር ጠጠው ክትብል ዝኸኣለት ሳላ እቲ ክቡር መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ -ኣስላማዩ ክስታናዩ፡ መታሕት ከበሳ፡ ኣማኒ ዘይኣማኒ – እዩ።

እቶም መዋእሎም ንገድሊ ዘናሽውን ዝረግሙን፡ ካልእ ለውጢ ከቕርቡ ዘይምኽኣሎም እዩ። ሓደ ሰብሲ እታ ሓንቲ ኽዳኑ ተኸዲንዋ ዘሎ ብበለቕ ትበላሸዎ። ተበላሻትካ ኣውጻኣያ፡ ደርብያ ትብሎ። ንኻብ ቑርን ኣስሓይታን ዝከላኸለሉ መተካእታ ግን ፍጹም ኣይቀረብካሉን። እዚ ሰብ’ዚ ነታ ሓንቲን ምስ በለቓ ኣማ`ሙቓቶን ዘላ ክዳንን እንተደርብዩ እሞ መስሓቒ ቑሩን ኣስሓይታን እንተኾይኑ፡ ንሱ እዩ እቲ ዓሻ ዝኸውን ዘሎ።

ብዛዕባ መሰል ወዲሰብ መሲሉና እምበር፡ ነዚ ናይ ፍትሕን ዴሞክራስን ቃልሲ ክንደይ ናይ ወጻኢን ውሽጥን ትንኩልና ተሓናጊሮምሉ ከምዘለው፡ ኣብ ዝሓለፈ 16 ዓመት ሃብታም ተሞክሮ ደሊብና ኣሎና። ምስቲ ኹሉ ጉድለቱ፡ እቲ ገድሊ ኤርትራ፡ ብፍላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ንዝተፈላለየ ፍሕሶን ተንኮልን እናኣፍሸለ ጠጠው ምባሉ ኣዝየ እየ ዘድንቖ።

ሓደ ዕላማ ንገድሊን ኣርማኡን ምንኣስን ምጽራፍን ምንዳድን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ጸግዕን ጽላልን ዘይብሉ ኣትርፊካ ከምድላይካ ንኽትጓዘዮ እዩ። እቲ ህዝቢ ንገድሊ እንተኣፍሪስካሉ፣ ንስውኣቱን ኣካለ ስንኩላቱን፣ መበለታቱን ዘኽታማቱን ማእመናቱን ኣናሺኻ ትርጉመ ኣልቦ ጌርካዮ፡ ኣብ ዋላ ሓደ ዝሕበነሉ የብሉን። ከምድላይካ ከኣ ተድክሞ።

እዚ እንተዘይከውን፡ ከመይ እዩ እቲ ገድሊ ኤርትራስ ካብ ካልኦት ገድሊ ኣብ ኣፍሪቃ ይኩን ኣብ ዓለም ዝጸየፈ ኾይኑ ተረኺቡ፧ ህወሓት ንገዛእ ርእሳ ንኽልተ ሰለስተ ካልኦት ገድሊ ናይ ትግራይን ናይ ኢትዮጵያን ኣሕቒቓ እያ ኣብ ስልጣን መጺኣ። ኣብ ናይ ትግራይ ገድሊ ከምዛ ሓንቲ ደም ዘይፈሰሰት ኣብ ናይ ኤርትራ ገድሊ ግን ኩሉ መሬት ኤርትራ ብደም ኤርትራውያን ከምዝጨቀወ ጌርካ ምቕራብ.። ናይ ኤርትራ ገድሊ ብፍላይ ከኣ ህዝባዊ ግንባር ግን ክዋረድን ክበላሾን ኣለዎ። ብዝገብሮ ብዘይገበሮ። እዚ ዕብዳን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነዚ ትንኩልና እዚ ስለዝለበመሉ እነሆ ስጋብ ሕጂ ብሓይሊ ኣምላኽ ጠጠው ኢሉ ኣሎ። እምበር ብደገን ብወጻእን’ሲ፡ “ገድሊ ኤርትራ ፈሺሉ እዩ። ሽፍታ እዩ። ነውራም እዩ። ቀታሊ እዩ። ረስዕዎ። ገድሊ ኤርትራ ፈሺሉ እዩ” እናተባህለ ካብ ዝድገም ምዋእል ሓሊፉ። ነቲ ክዕገት ዘይከኣለ ነጻነት ኤርትራ ብኻልእ መገዲ ጌርካ ምፍራሱ እዩ እቲ ትልሚ።

እሱራት ይፈትሑ። መሰል ወዲሰብ ይትሓሎ። ዓንዲ-ሕጊ ይተኸል። ፓርላማ ኤርትራ ነጻ ኾይኑ ይዕየ። መሰል ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ይተሓሎ። መሰል ሃይማኖት ይትሓሎ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሕጋዊ መገዲ ይቐጽል። መሰለ ርእይቶኻ ምሃብን፡ መሰል ጋዜጠኝነትን ይትሓሎ። ኣብዚ ኣብ ኩሉ ከም ቀደመይ ጠጠው ክብል እየ። ን ንሃገርን ንህዝብን ንኣርማኡን ንገድሊን ምንሻው ግን ኣይፋልን።

ተስፋ ይገብር ስፍሕ ዝበለ ርእትዮ ብዛዕባ እዚ ክጽሕፍ።

Facebook Comments

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events