Dehai News

ECSS-Online.com: ደጀን-መቕድም

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 24 January 2017

ደጀን

ወርሒ ጥሪ 2017

መቕድም

ህዝብታት ብመጠን ዝገጠሞም ብድሆን ንዕኡ ንምስጋር ዝሓለፍዎ ተመዂሮን ነናቶም ፍሉይ ታሪኽ ኣለዎም። ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ንጂኦ-ፓለቲካዊ ረብሓ ርእሰ-ሓያላን ተባሂሉ፡ መሰል ርእሰ-ውሳነኡ ንናጽነት ዝተነፍጎ፡ ብቚጽሪ ኣዝዩ ውሑድ ህዝቢ፡ ብዘይ ዝዀነ ግዳማዊ ደገፍ፡ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ተመርኩሱን ተኣማሚኑን፡ ብዂሉ መዳይ ርእሱ ክኢሉ፡ ነዊሕን መሪርን ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምክያድ፡ ዘይተኣደነ ደገፍ ሓያላን ዝነበሮም ተኸታተልቲ ሰርዓታት ሰዒሩ፡ ኣንጸባራቒ ዓወት ዝዓተረሉ ታሪኽ ብምዃኑ ፍሉይነት ኣለዎ።

እዚ ኣገራሚ ታሪኽ`ዚ፡ ብቐንዱ ቃልሲ ህዝቢ ንናጽነት መሪሑ ኣብ ዓወት ዘብጽሐ ውድብ ህዝባዊ ገንባር፡ ብውሽጣዊ ዓቕሙ፡ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ብዝተኸተሎ ናይ “ርእሰ-ምርኮሳ“ ስትራተጂ ዝተሃንጸ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ብዂሉ መዳይ ርእሱ ንምኽኣል፡ ጠለባት ተጋዳላይን ህዝብን ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንምምላእ፡ ኩለንተናዊ ብቕዓት ናይቲ ውድብ ንምሕያል ክፈጥሮ ዝኸኣለ ምዕቡል ደጀን፡ ኣብ ብዙሓት ሓርነታዊ ምንቅስቕሳት ዘይተራእየ ብርቂ ተርእዩ እዩ ነይሩ።..........................

ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ።

ብርሃነ

ደጀን-መቕድም.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events