Dehai News

ቮልታ ቫለንስያና 2017- መርሃዊ ቅዱስ ዓቢ ዓወት ኣመዝጊቡ!!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 04 February 2017

ቮልታ ቫለንስያና   4 ለካቲት 2017 

4ይ መድረኽ 

መርሃዊ ቅዱስ ዓቢ ዓወት ኣመዝጊቡ!!!!! 

ካብ ሰጎርበ ተበጊሱ 180ኪሜ ብምስልሳል ኣብ ኣብ በሪኽ ጎቦ ናይ ሉለንሰና ዝተዛዘመ 4ይ መድረኽ ቮልታ ቫለንስያና ብሉጽ ናይ ምሕዃር ብቕዓት ዝለዎ ሓደ ካብቶም 5ከዋኽብቲ ዓለም ዝኸነ ናይሮ ኲንታና ዕዉት ኮይኑ። 

፨ኲንታና ጸወታ ኪዛዘም 3ኪሜ ኣብ ዝተረፈሉ ኢዩ ኣብቲ ብእግርኻ ንኽትድይቦ ውን ዘጸግም ጎቦ ሓያል ስካቶ ዝፈነወ ኩሎም ኣለዉ ዝበሃሉ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ዘለዉ ኣርሓታት ክሕዝዎ ኣይከኣሉን ፣ብዘይካ እቲ ውልዶ ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ። መርሃዊ ምስ ኲንታና ራስ ብራስ ገጢሙ ንናይ ዝሓለፈ ዓመት ፍሩም ምስ ኩንታና ኣብ ቮልታ ስጳኛ ዝገጠምዎ ግጥም ዘዘኻኽረካ ፍጻመ።ጸወታ 1ኪመ ኣብዝተረፈሉ ግን እቲ ኣብዚ ዓመት 2 ናይ ዎርልድ ግራንድ ቱር ኪዕወት ኣንቂዱ ዘሎ ኮሎምብያዊ ኮኾብ ኣይተኻእለን 40ሰከንድ ፈልይዎ ንመራ ኣትዩ። 

መርሃዊ ንኹሎም ነቶም ሰብ ዝና ስዒሩ 2ይ ደረጃ ብምሓዙ ንሃገሩን ንጋንትኡን ሓበን ኮይኑ። ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ኣብ 2016 ን መርሃዊ ኣብ ዝመጽእ 2 ወይ 3 ዓመት ናይ መድረኽ ዓወት ኣብ ግራንድ ቱር ከመዝግብ ምኻኑ ያ ወጢና ነይራ እንሆ ድማ ዝበጽሐ ይመስል ብራቮ መራ,,,,,, 
ዳን ኤል ተክለሃይማኖት ድማ ምስታ 11 ደቂቕ ደንጉያ ዛተወት ጉጅለ ኮይኑ መበል 54 ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ ። 

፠ ብሓፈሻ ውህሉል ግዜ ኣብ ብጫ ማላያ ማለት ዩ ኲንታና ን4ተ መድረኻት 
14:20:16 ብምዝዛም መሪሕነት ብጫ ማልያ ካብ በልጅማዊ ግረግ ቫን ኣቭመርመት ተረኪብዋ ኣሎ። መርሃዊ ውዱስ ድማ ካብ መበል 38 ናብ 8ይ ደረጃ 

ብምሕኳር ካብ ብሉጻት 10 ኮይኑ ካልእ ክብሪ ሒዙ ኣሎ። 

፠ ማልያ ኣንበሳ ዓቐብ ፈረንሳዊ ክይሪል ጓትየር ብ40 ነጥቢ ወኒንዋ ኣሎ። 

፨ ማልያ መንእሰያት ኢጣልያዊ ሰኒ ማኑል ካብ ክለብ ቢ ኤም ሲ ኪሜርሕ እንከሎ ። 

መርሃዊ ቅዱስ ድማ 2ይ ዝበለጸ መንእሰይ ኮይኑ ካልእ ተወሳኺ ብሉጽነት ሒዙ ኣሎ፠ 

፨ካብ ክለባት ድማ ከልብ ሞቪስታር 

--- 
4 February 2017 

Stage 4 of the Volta a la Comunitat Valenciana 2017, will probably be remembered as the turning point for the Young Eritrean climber riding for Team Dimension Data for Qhubeka, Merhawi Kudus. In a thrilling toe to toe battle with one of the best cyclist in the world right now, Nario Quintana of Team Moviestar, Merhawi showed the cycling world a glimpse of his potential by finishing in 2nd place, 40' behind Quintana on the queen stage of the Volta a la Comunitat Valenciana 2017. This is Merhawi's first race of the season, and its safe to say we'll see more from this young Eritrean climber, in the 2017 cycling season. 

https://www.youtube.com/watch?v=6kIYW1Nwm6A 

Credit: EriCyc.

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events