Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ *ሓቀኛ ምስሊ ወፍሪ ዕደና ኣብ ኤርትራ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 08 February 2017

*ሓቀኛ ምስሊ ወፍሪ ዕደና ኣብ ኤርትራ

ኣብ ኩሉ ማዕከናት ዜናታት ከምንከታተሎ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ዳርጋ ድላየን እየን ዝገብራ፡ ኣብ ማዕድን ኣውፊርና ብምባል እቲ 95 ሚኢታዊት መኽሰብ ብምግሓጥ ነታ ዋና ማዕድን ኣፍሪቃዊት ሃገር ካብ ዓዘቅቲ ድኽነት ከምዘይትወጽእ ይገብራኣ። ቀረጽ ካብ ዝከፍልኦ ዘይከፍልኦ ይበዝሕ፡ ነቶም ሰበስልጣን ጉቦ ብምልማድ ካብ ቀረጽ ይሃድማ፡ እዚ ገይረን ከይኣኽለን ነቶም ደቀባት ሰራሕተኛታት ካብ ጊላ ባርያነት ዘይፍለ ኣተሓሕዛ ይገብራ። ዝበዝሓ ናተን እስርቤት ከፊተን ድላየን ይገብራ፡ ብዚንጎ ዝተሰርሐ ዘይጥጡ ሻውላት ይነብሩ፡ ንሱ ከማን ወጻኢታቶም ዝሃነጽዎ። ብዛዕባ ናይ ከባቢ ብከላ ዘይምዝራብ ይሓይሽ፡ ኣብ ናይጀርያ ኡጋንዳ ኮንጎ ሰብ ዘህልቅ ምርኣይ ይኣክል፡ ናጻ ጥዑይ ምግብን ሕክምናን እሞ ዘሕሰብ እዮ፡ብሓጺሩ ካብ ኣውፈርቲ ንእሽተይ መንግስቲ ክትብሎም ይቀልል፡ኣብ ኤርትራ ከኣ ብኣንጻሩ፡ ነጻ ምዕቡል ሕክምና፡ ነጻ መግቢ፡ ጥጡሕ ዘመናዊ መንበሪ፡ ጂም፡ ካብ ሃገር ዝለዓለ ደሞዝ፡ ነጻ ትራንስፓርት ነቶም ደቂ እቲ ከባቢ፡ ሓደ ወርሒ ክፉል ናይ ዕረፍቲ ጊዜ፡ ምሉእ ናይ ስራሕ ቆቢዕን ክዳውንቲ ይወሃብ።

Image may contain: 1 person, standing and indoor
Image may contain: screen and indoor
Image may contain: 2 people, people standing, shoes, indoor and food
Image may contain: 1 person, indoor and food
 
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events