ኣታ ቀዳመይቲ ብዘይታ ፋይል ኢያ መጺእትኩም።
ኣብዚ ዓመት ተውዲኡ ናብ ሓድሽ ዓመት ክንሰጋገር ንቀራረበሉ ዘሎና ግዜ፡ ከመይ ኣሎና? ክብል ከለኹ፡ እንታይ መልሱ ብዘየገድስ እቶም ምሉእ ጥዓና ዘለኩም ከይጎድለልኩም፡ እቶም ዝጎደለኩም ክምልኣልኩም ይምነየሉኩም። ኣብ ሓድሽ ዓመት ተመነ እኳድኣ ኣዛይድ ኣቢልካ እዩ፡ ዝብለና። መቸም ኩላትና ናይ ፓርት'ታይም ተዋሳእቲ ፖለቲካ እናሞ፡ ኣብቲ መዳይ'ውን ወርቂ ክትብሉኒ እኳ እንተዘይተጸበኹ፡ ካብኡ ዝኸፍእውን ነይሩ እዩ። ሕጂ ድኣ ዘይባዕልና ንኽእሎን ሰለይ ከነብሎን ኢና፡ ክትብሉኒ እዩ ትጽቢተይ።