መንእሰይ ዓልያ ኢብራሂም ትበሃል። ኣብ ፓርት ሱዳን ተወሊዳ ኣብ ናቅፉ ዝዓበየት መንእሰይ እያ። ካብ ቀዳማይ ስጋብ 11 ኣብ ናቅፋ ተማሂራ ከተብቅዕ፣ ብድሕሪኡ ግን ስድርኣ ኣመርዕውዋ። ንሳ ግና ሓዳር ጌራ ኮፍ ክትብል ኣይመረጸትን፣ ሕጹነታ ከይወድአት ከኣ ናብ ሳዋ ወረደት። ነጥቢ ኣምጺኣ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ ኣተወት።
ምስቲ ብርቱዕ ትምህርቲ ሕክምና ጥንሲ ተወሰኾ። ሕጁውን ብኒሕ ቀጸለት። ስጋብ ምሕራሳ እውን ቀጸለት። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ትሓርሰሉ ዝነበረት ግዜ ፈተና ዝወሃበሉ ግዜን ተጋጠመ። ኣብ ማእከል ክፍሊ ከላ ግዜ ናይ ሕርሳ በጽሐ። ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ከየዕረፈት ክትሓርስ ሕክምና ኣተወት። ሕጂውን ወይ ክምህ።
ምስ ሓረሰት ኣብ ሳልሳይ መዓልታ ንትምህርታ ተመሊሳ ፈተና ክትፍተን ኮፍ በለት። ሓለፈት ከኣ፣ ትምህርቲ ይቅጽል እቲ ክብደት ትምህርትን ሓዳርን ከኣ ከምኡ። ንወላዲታ ካብ ናቅፉ ንኣስመራ ብምምጻእ ቆልዑት ከም ትሕዘላ ገበረት። መዓልታዊ ከኣ ኣዲኣ ነቲ ቆልዓ ሒዛ ኣብ ትምህርቲ ትመጻ ኣብ ዕረፍቲ ከኣ ነቲ ቆልዓ ተጥብቦ። ንባህላዊ ጸቅጥታት፡ መርዓ/ሓዳር፡ ሳዋ፡ትምህርቲ፡ቆልዓ፡ ጸቅጢ፡ ኩሉ ኣብ ቅድሚኣ ዝመጻ መሰናኽላት ሓሸምሸም ኣቢላ ብምስዓር ምስቶም ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ዝተመረቁ ሓካይም ክትከውን በቂዓ።
ዋዕሮ ኤርትራዊት ዶክተር ዓልያ ኢብራሂም!