Dehai

EriGazette.org: ሃገርን ሃገራዊ ድሕነት…እወ ቅዋም የድልየና፣ ባጀታዊ ምሕደራ ጉሉጽነት ይሃልዎ። ሕጂ? …..

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 19 March 2017

Mar 19, 2017

*ዝኸበርካ ሓው ግርማይ የማነ፣

ሃገራውን እዋናውን ሃናጽን ንቑሕ ስነ-ጽሑፋትካ ካብ ምክትታልን ምንባብን ዓዲ ውዒለ ኣይፈልጥን። ስለ`ቲ ለባምን ምቕሉልን ሃገራዊ ተወፋይነትካን ተባዕ ኤርትራዊ ሕላገትካን ሕውነታውን ብጻያውን ምስጋናይ የቕርበልካ። እዞም ኣብ በዓቲን ውሻጠን ወጻኢ ሃገራት ተሓቢኦምን ካብ ሃገራዊ ጉብኦም እጃሞም ምብርካት ሓንጊዶም ያኢ ብስም "ምሁራት" ግን ግደ ሓቂ ብሃማትን በሶሮታትን ባእታታት  ካብ`ቶም ደመኛታት ጸላእትና ካብ በዓል ዓሌታዊን ኣረሜናዊን ስርዓት ወያነ ትግራይ ብዘይፍለ ሕሱርን ሙሽሙሽን ቤላ ቤለው ሓሶታት ብምጉዋሕ ስጡም መሳርዕና ንምብትታንን ብኣማኢት ኣሽሓት መስዋእቲ ብሉጻት ዜጋታት ኤርትራ ዝተረኽበትን ዝተሃንጸትን ሃገርና ኣብ ምፍራስ ስጋብ ሕጂ ኣይተቘጠቡን። ለባማት ኣቦታትና "ካብ ምህሮ ኣኣምሮ" ኢሎም ይምስሉ። ሓቆም እዮም! ትምህርቲ ብሓላፍነትን ብስነ-ልቦናን ምስትውዓልን ንረብሓን ጥቅሚን ሓፋሽ ህዝብኻ እንተ`ዘይውዒልካዮ፣ ውጽኢቱ ብላሽ ኣዩ። ቀዳሞት ኣቦታትናን ኣቦ ኣቦ ሕጎታትናንን ዕድል ትምህርቲ ኣይነበሮምን፣ ግን ብስነ-ኣእምሮ ብጣዕሚ በላሕቲ እዮም ኔሮም። ስለ ዝኾነ ድማ ዳርጋ ቕድመ-ኤሮጳዊ ግዝኣተ ሕጊ በቢ ዞባኦም ብህዝባዊ ባይቶታት ተኣኪቦምን ተኻቲዖምን ተማይጦምን ዝመሓደሩሉ ውሕሉል ሕግታት ጽሒፎምን ኣጽዲቖምን ዝመሓደሩ ዝነበሩ። ስለዚ እቶም ሃውቲትኩምን ትህውትቱ ዘሎኹም ደቂ-ሃገር ኣብ ልብኹም ተመለሱ፣ እቲ ፍልጠትኩምን ክእለትኩምን ነቲ ጠምዩን ተሸጊሩን ዘምሃረኩም ቤተ ሰብን ሕብረተሰብን ሃገርን ጥቕምን ረብሓን ኣገልግሉ። እቶም ዘይንዓቕን ዓቢ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝኾንኩም ግን ከኣ ኣስቒጥኩምን ተዓዘብቲ ጥራሕ ዘሎኹም ድማ  ኣብ ቅሉዕ ኣደባባይ ብምውጻእ ነቲ ክቡርን ረዚንን ለዋህ ባህልኹምን ብባህሉ ፈታው ሰላምን ሕያዋይ ተቐባል ጋሻን ህዝብኹም ክብሪ ሃገርኩምን ብብርዕኹም ክትከልካኸሉን ጥራሕ ዘይኮነ ብተወፋይነት ክትሕልዉን ክትዕቅቡን በዚ ኣጋጣሚ ይላወበኩም።

ብርሃነ ሃብተማርያም

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥን ሃበሮን ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ዝእግድ መደብ ሚእቲ ካብ ሚኢቲ ከምዝተዓወተ፣ ወከልቲ ኣህጉራዊ ትካላትን ሚንስተራትን ላዕለዎት ሓለፍትን ብኣሽሓት ዝቁጸር ህዝቢ ዝተሳተፎ ዓቢ ጽንብል ተኻይዱ ነይሩ። ብፍላይ ንዓይ ዝመሰጠኒ ኣብ ንኡስ ዞባ ሃገሮ ዝተኻየደ ጽምብል ኣዴታትን ኣሓትን ኣብ ቅርዓት ወጺኤን ንዝተዓወታሉ መደብ ብተዋስኦን መደረን ክስምዓ እንከለዋ ኣዝዩ ሓበን ተሰሚዑኒ።

ሓደ ካብ ነበርቲ ሃበሮ ኣብ ዘስምዖ መደረ “ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ግዜ ሓራ ወጺኣ” ኢሉ። “እቲ ቀዳማይ ምስ ህዝባ ካብ መግዛእቲ ሓራ ወጺኣ” “እቲ ካልኣይ ሓርነት ጕል ኣንስተይቲ ማዕርነታ ኣብ ኩሉ ከተረጋግጽ ኪኢላ” “ሳልሳይ ድማ እዚ ሕጂ ዝተጓናጸፈቶ ካብ ምኽንሻብ ነጻ ምዃን” እዩ ብምባል ነቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ህዝቢ ዝፈጥሮ ዘሎ ስምብራት ብዓቢ ተመስጦ ገሊጽዎ።

መዓልታዊ ተሌቭዝዮን ኤርትራ ንዝከታተሉ ኣብ ሃገር ዝካየዱ ዘለዉ ምዕባሌታት ብዙሕ እዩ። ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ምምሕዳር ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ህዝቢ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ጹርይ ማይ ክሰቲ ከምዝበቕዐ ብተኣማማንነት ገሊጹ።

ኣብ ሃገርና ቡዙሕ ሕጽረታትን ጉድለታትን ከምዘሎ ርዱእ እዩ። ብማዕሪኡ ነቲ ዘሎ ጉድለታትን ሕጽረታትን ንምምላእን ንምእራምን ድማ መንግስቲ ሓያል ጻዕሪ የካይድ ምህላዉ ርዱእ እዩ።

ገለ ሰባት ንኩሉ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት ኤርትራ ብቅዋም ከምዝፍታሕ ብቀጻሊ ክዛረቡ ይስምዑ። ኣገዳስነት ቅዋም ዘካትዕ እይኮነን። ብሓቂ ግን ቅዋም ንበይኑ ንኩሉ ሽግራት መፍትሒ ክኸውን ይኽእል ዽዩ? ሉዕላውነት ሃገርና ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ? ካብ 1998 ክስብ ሕጂ ዝገጥሙና ዘለዉ ብድሆታት ቅዋም ስለዘይብልና ድዩ መፍትሒ ዘይተረኽበሉ?

እስከ ኣርሕቅ ኣቢልና ንሕሰብ ካብ 1994-2002 ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል ዝገበርናዮ ጻዕሪ እንታይ ኮይኑ ነቲ ኣንጻር ህዝብናን ሃገርናን ዝወረደ ተጻብኦታት ዘይዓገቶ? እዚኦም ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ይጓዓዙ ኣለዉ፣ ኩናት ደው ኣቢልና ዶቦም ሓንጺጽና ብሰላም ሃገሮም የማሓድሩ ኢሎም ኣሜርካን ምዕራባውያንን ብዓቢኡ ድማ ማሕበረ ሰብ ዓለም ስለምንታይ  ዘይሓገዙና?

ብኣንጻሩ ነቲ ቅዋም ዘውሓሶ ነጻ ርእይቶኻ ናይ ምግላጽን ምእካብን ተጠቂሞም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ብምስላኽ ክሳብ እቲ ዝዓበየ መሪሕነትና ኣብ ነንሕድሕዱ ምትእምማን ከምዝስእን ብምግባር ህላዌ ኤርትራ ንከይቅጽል ክሳብ ሕጂ ይሰርሑ የለዉን ድዮም? ስለ ሓቂ ስለ ህዝቢ እስከ ንፍረድ ንመሚ።

ካብ ሃገርና ወጻኢ እተን ኩለን ቁዋም ኣሎና ምርጫታት ነካይድ ኢና ዝብላ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዋ? ሰብ ብኻራን ጎዞሞን ጠያይትን ክሃልቕን ብዓለትን ወገንን ሃይማኖትን ነንሕድሕዱ ክፋለስ ዝረኣናዮ ጽቡቕ ነገር ኣለዎ ድዩ? ቅዋም ቁጠባዊ ምዕባሌን፣ ሰላምን ቅሳነትን ሂብወን ድዩ? ንስለ ሓቂ ካብ ጎረባብትና ጀሚርና ክሳብ እተን ዓቢ ባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደላ ባዓል ናይጀርያን ካልኦትን ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከባ ኣለዋ? እወ ገለ ሚልዮናት ዝውንኑ ሃብታማት ሃብቲ ሃገርን ህዝብን ጊሒጦም ዓበይቲ ዝወቀቡ ህንጻታት ሃኒጾም ክኾኑ ይኽእሉ። መራሕተን ኣብ ዝተፈላለያ ባንክታት ዓለም ሚልዮናት ዶላራት ኣቀሚጦም። ህዝቢ ግን ካብ ድኽነትን ሰላምን ምስኣንን ዓሪፉ ድዩ?

ኣብ ካልእ ቁዋም ስለዝተገብረ ንሕና ንስለ ቅዋም ክንገብር ዱዩ  ዝድለ ዘሎስ ወይስ ቁዋም ንቁጠባዊ ረብሓን ሰላምን ቅሳነትን። ልዕሊ ህ.ግ ንኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጥ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ልዕሊ ህ.ግ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓሊ ሰብ’ውን ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ሰብ ሰሪሑ ዝሃነጸልካ ሰብ ሰሪሑ ዘምጻኣልካ ትኳቦ ዝተለገሰልካ ኣነ ዜጋ ናይ እገለ ሃገር እንዳበልካ ነቲ ሃገር ዝሃንጽን ህዝቢ ዘገልግልን ምንእኣስ ትርጉም የብሉን። ጌጋ እንተሃልዩ ሃየ ኣብ ዓድና መጺእና ሃገርና ነገልግል፣ ዘሎ ጌጋታት ንኣርሞ።

እዚ ሕጂ ዝርኤ ዘሎ ተቃውሞ ኣብ ሰማንያታት ክሳብ መዓልቲ ነጻነት ዝነበረ ዘረባታት የዘኻኽረካ። ህ.ግንባር ነጻነት ከምጽእ ኣይኮነን፣ መንእሰያትና የህልቆም ኣሎ፣ ንደርግን ሶቨታውያንን ክንስዕሮም ኣይንኽእልን ኢና፣ ኣብ’ቲ ድሮ ነጻነት ከይተረፈ ድፍዓት ጸላኢ ኣብ ደቀምሓረ ታንክታትን ሰራዊት  ህ.ግንበር ክሰግርዎ ይትረፍ ኣናጹ ክሓልፍኦ ኣይክእላን እየን እንዳተባህለ ብዙሕ ምጾታት ሰሚዕና።

ሕጂ’ከ እዚ ዘይጻዓድ ህዝብን መንግስትን ካልእይ ጉዕዞ ነጻነት ኣካይዱ ኣብ ኣፋፈት ዓወት ይርከብ። ይዋእዮም! 25 ዓመታት ነጻነት እንዳበሉ ዝቆጽሩ ሙሁራት 25 ዓመታት ነጻነት ነይሩና ድዩ? ብ1998 ዝጀመረ ተጻብኦ ተወዲኡ ድዩ? ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ 19 ብሉጻት መንእሰያት ኣይከፈልናን ዲና? መደብ ጸላኢ ኣሽሓት መንእሰያ ከብርስ እዩ ተዓጢቁ ተበጊሱ። ሕጂ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ  ቀ.ሚ ሃይለማርያም ኣብ ሑመራ ዝሃቦ መግለጺ ይስቆረና’ዶ ወይስ ኣይምልከተናን እዩ።

እወ ቅዋም የድልየና፣ ባጀታዊ ምሕደራ ጉሉጽነት ይሃልዎ። ሕጂ? ንረብሓ መን? ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓደገኛ ተጻብኦ ኣብ ዘላቶ ኩሉ ጉዕዞና ንሃገራዊ ድሕነት ዝዓለመ ክኸውን ግድነት እዩ። ሕጂ ብስም ነጻነት ነንሕድሕድና ክንባላዕ፣ ኣታዊናን ወጻኢናን ንጸላእቲ ክንሕብር እንታይ ረብሓ ኣሎ? እወ ዋላ እንተዘይገለጽናዮ ጸላእትና ግምት ክህልዎም ይኽእል እዩ ክባሃል ይኽኣል ይኸውን። ስለያን ጸረ-ስለያን ኩሉ ግዜ ዘሎ እዩ። ጸላኢ

ብዙሕ ጺዒሩን ብዙሕ ወጻኢታት ኣፍሲሱ ክረኽቦ ዝግባእ ሓበሬታኻ ባዕልኻ እነሄልካ እዚ እዩ ኢልና ኣብ ጠረጰዛ ንጸላኢ ምቅራብ ኣንጻር ረብሓና ‘ዶ ኣይኮነን? ወያኔ ኩሉ ኤርትራ እትገብሮ ካብ ምቅዳሕን ምግባርን ኣየቋርጹን እዮም። ኣነ ብወገነይ እንገብሮ መደባት ልምዓትና ኣብ ማዕከናት ዜና ተለቭዝዮን ክመጽእ ኣይመርጽን። ባህልና፣ ዜማታትና፣ ናይ ቃልሲ ታሪኽና ናል ልምዓት መደባትና ከመይ ይሰርቅዎ ኣለዉ ንዕዘቦ’ዶ?

ምስ እዚ ኩሉ ግን፣

1ይ- መንግስቲ ሕግታት ኣብ ምንጻፍን ሓያልን ብቑዕን ፍርዳዊ ኣካል ምቋም ቅድመ ተደላይነት ንቁዋማዊ ስርዓት እዩ።

2ይ- ህዝቢ ብደረጃ ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን ምርጫታትን ምቋም ብህዝቢ ዝተመርጻ *ህዝባዊ ባይቶታትን ምምሕዳርን  ዘካይዶ ዘሎ ቅድመ-መሰረት ቅዋማዊ *ህዝባዊ መንግስቲ ስለዝኾነ ብዝለዓለ መልክዑ ክቅጽሎ ኣለዎ።

3ይ- ልዕሊ ኩሉ ድማ ትምህርትን ፍልጠትን ንቅሓት ህዝቢ ወሳኒ ስለዝኾነ ገዚፍ ወፍሪ ክቅጽል ኣለዎ።

ብ1648 ንመብዛሕተኤን ሃገራት ኤሮፓ ዘቆመ ውዕል ወስትፋልያ ብኡ ንብኡ ቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ኤሮፓ ኣይገበረን። ሃገራት ከከም ኩነታተን ልዕሊ 150-200 ......ዓመታት ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ክሰጋገራ ግዜ ወሲድለን። እሞ ንሕና 25 ዘይርጉእ ኩነታት ኣብ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ ምፍርራሕን እገዳን ተጻብኦን ዘለና ስለምንታይ ሕጂ ንስማዊ ቅዋም ንግዕር?

ግሉጽነት ባጀት ዘድሊ ምጥፍፋእ ሃብቲ ሃገር ከይህሉ እዩ። ኣብ ሃገርና ግን ዘሎና መሪሕነት ዉፉይን ሓላዪ ሃገሩን እዩ። ክሳብ ሕጂ ድማ ኮንጎ ጫምኡ ዘይቀየረ ናብርኡ ትሕቲ ህዝቡ’እምበር ልዕሊ ህዝቡ ዘይኮነ እዩ። ኣብተን ቅዋማዊ መንግስቲ ኣለወን ዝብሃላ ስርዓታት ከም መንግስቲ ወያነንን ካልኦትን መራሕቲ ከመይ ይነብሩ፣ እንታይ ይውኑኑ፣ ደቆምን ቤተሰቦምን ኣብ ምንታይ ኣለዉ፣ ብምልዮናት ዶላራት ኣብ ናይ ውጻኢ ባንክታት ተኾሚሩ ዘሎ ነዚ ኩሉ ምጥፍፋእ ቅዋም ዓጊትዎ ድዩ?

ልቦናና ንልዕልነት ሃገርን ድሕነት ሃገርን ክኸውን ልቦናዊ ሃገራዊ ድሕነት ሃገር ኣጠማምታ ይሃልወና። ድሑር ኣተሓሳስባን ቅርሕንትን ኔው ንበሎ።

ዓወት ንሓፋሽ!

ግርማይ የማነ
 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events