Dehai

ገጽ-መጽሓፍ፡ ጽግዕተኛ ኣይከውንን’የ ስለዝበልካስ፡ ክንድ’ዚ ተጻብኦ?

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 09 April 2017

 
ጽግዕተኛ ኣይከውንን’የ ስለዝበልካስ፡ ክንድ’ዚ ተጻብኦ?
 
 
 
Image result for photos of aid politic cricature
***ጽዒረን ሰሪሔን ሓርኮትኮት ኢለን ካብ ተጸባይነትን ምጽወታን ንነብሰይ ሓራ ኣውጺኤ ብሰላም ህይወተይ ክመርሕ እየ ዝደሊ ንዝበለ ህዝቢ`ሲ፣ ኣይፋልካን ኣእዳውካ ንድሕሪት ኣጣሚርካ ተጸበ ብሽታ ትኳቦ ስርናይና ካዕቦ ምዕሮ ኣምቧህቕ፣ ንሕና ጥራሕ ከንኾልሰካ ዝብሉ ባእታታ`ሲ ሽጣራኦም ምስ ምንታይ ይቑጸር? ጽላለ`ዶ ዕብዳን ወይ`ሲ ጭው ዝበለ በለጽ?
 
***ብርሃነ ሃብተማርያምን (እዘን ክልተ ስእልታት ብኢደ ወነነይ እየ ኣብ`ዚ ጨሚረየን-ኣይትሓዙለይ!)
 
ማዝያ 9, 2017ዓም ፈረንጂImage result for photos of aid politic cricatureናይ’ዞም ምዕራባውያን ሓይልታት፡ ብቐንዱ ከኣ ናይ’ዞም ኣሜሪካ ትዕቢት፡ ጃህራን ሕማመ-ልዕልና’ሲ ዶብ እምበር ተሳኢንዎ። “ድኽነት ከምዘለና ንፈልጥ ኢና። ግን ንድኽነትና ባዕልና ሰሪሕና ኪንዮ ሓጹር ክንድርብዮ ዘጸግም የብልናን። ጻዕራም፡ ዘይናቱ ዘይደሊ፡ ሰለማዊን ውፉይን ህዝቢ ስለዘለና፡ ከም ህዝቢን ሃገርን ንዘለና ብድሆታት ክንገጥም ምሉእ ርእሰ-ምትእምማን ኣለና። ትኳቦኹም ኣይንደልን። ኣብ ርእሲ'ቲ ዘለኩም ጸገማት፡ ተወሳኺ ሰኸም ክንኰነኩም ኣይንደልን። ርእስና ክንክእል ኢና ንደሊ። እቲ ካብ ዜጋታትኩም ዝኣከብክሞ ግብሪ፡ እንተዀነ ንዘለኩም ጸገማትን ብስእነት ስራሕን ጕድለት ሰብኣዊ ድሕነትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታትኩም ንምሕጋዝ ተጠቕምሉ። እንተዘይኰነ ድማ፡ እቲ ‘ሰናይ-ግብርኹም’ ነቶም ረድኤትን ትኳቦን ክቕበሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ህዝብታት መጥውሎም። እንተ ንሕና ግን ብረሃጽናን ጻዕርናን ክንነብር ኢና ንደሊ።” ክንዲ ዝበልካስ፡ ዘየቋርጽ ተጻብኦታት የውሩዱልካ። መሳርሒ ልዕልናን ዕብለላን እትጥቀምሉ ምጽወታ ኣይንደልን ስለዝበልካስ፡ ነቲ ልዕሊ ኩሉ ሰብ ተሓለቕቲ መሲሎም ዝሰብክሉ ኣህጉራዊ ሕግታት ረጊጾም ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን ሃገራትን የዝንቡ። ምጽወታኦምን ዕብለላኦምን ተቐቢልካ፡ ኣገልጋሊ ረብሓታቶም እንተዄንካ፡ ንኹሉ ኣህጉራዊ ሕግታት ረጊጽካ፡ ገዛእ ህዝብኻ እንተጨፍጨፍካ፡ ዋላ ምስ ‘ጸላእትና’ ዝብልዎም ሃገራት ተመሓዚኻ ነቶም “ካብ ምጽወታኹም ሓርነትና ይሕሸና” ዝብሉ ሃገራት እንተዓመጽካ፡ "ሻምፓን" ከፊቶም ኣገናዕ ይብሉኻን ናይ ዓመጽ ምሉእ ፍቓድ ይህቡኻን። ካብ’ዚ ዝኸፍእ ምስሉይነት የለን። ካብ’ዚ ዝኸፍእ ግብረ-ሽበራ የለን። እዚ ኩሉ ከኣ፡ ልዕልና ዕብለላን ምዕራባዊ ዓለም ዓቂብካ፡ ካልኦት ህዝብታት ኣገልገልትኻ ከምዝዀኑ ብምግባር፡ ነቲ ዘይረዊ ሸውሃቶም ቀጻሊ ምቕላብ’ዩ ዕላምኡ። እቲ ዘሕዝነካ ግን፡ እዞም ምዕራባውያን፡ ነዚ እከይ ዕላማታት ንምትግባር፡ ንዕብለላን ልዕልናን ጸዓዱ ዝተምበርከኹ፡ ኣሜን ኢሎም ዝተቐበሉን ዝሰገዱን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት’ዮም ዝዕድጉ። እዞም “ሽዩጣት”፡ ነቲ ኪንዮ’ቲ ‘ምቁር ዘረባታትን ሓልዮትን’ ናይ’ዞም ብሕማም ዕብለላን ልዕልናን ዝሰኸሩ ምዕራባውያን ዘሎ እከይ ዕላማታት ከይተረድኡ፡ ብነጻ ኣእምሮኦምን ድሌቶምን ዝሰርሑ ዘለዉ’ዩ ዝመስሎም። ድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝወርድ ኩሉ መዳያዊ ስቓይን ዕንወትን ምስ ረኣዩ፡ “ከም’ዚ ኣይመሰለናን” ኢሎም ክዛረቡ፡ ክናስሑን ኣብ ዘልኣለዋዊ ጣዕሳ ክነብሩን ክንደይ ርኢና ኢና።

 

ብህዝባዊ መንግስትኣብ

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events