Dehai

ገጽ-መጽሓፍ: መቸም ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝነግረሉ'ዩ ሲኢኑ ዘሎ እምበር ዘይተገብረ ወይ ዘይተፈመ ፍጻመስ ዳርጋ የለን ክባሃል ይካኣል'ዩ፡፡

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 19 April 2017

https://encrypted-tbn0.gstatic.com/images?q=tbn:ANd9GcRDigLY0F7i-51U241xqSvlPGTCUERzjiNXcnPSEvU5_KQ_fsz6Mwመቸም ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝነግረሉ'ዩ ሲኢኑ ዘሎ እምበር ዘይተገብረ ወይ ዘይተፈመ ፍጻመስ ዳርጋ የለን ክባሃል ይካኣል'ዩ፡፡
============================

ዕለት 19 ማዝያ 2017 ዓም ፈረንጂ

ህዝባዊ ግንባር ከምቲ ኩላትና ንፈልጦ፣ እቶም ብዕድመ ናኣሽቱ ዝኾና ነቲ ቃልሲ ዘየርከብናሉ ከኣ ብታሪኽ ጥራይ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ወይ ሰውራ ኤርትራ ከም ንፈልጦ.... ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ እዋን ሰውራ ኤርትራ ንህዝቢ ናይተን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝነበራ ካብ መግዛእቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ሓራ ዝኾና ዓድታት ወይ ከተማታት እንዳኣከበ ብዛዕባ ዕላማታት ቃልሱ የንቅሕን ይውድብን ኔሩ'ዩ ፡፡ ነተን ካብቲ ንሱ ዝነበሮ ናይ ቃልሲ ቦታ ምሕድግ ኢለን ብወታሃደራት ጸላኢ ዝተኸርደና ንጎስጓስ ዕላማታት ህዝባዊ ግንባር ብሬድዮ ይኹን ብኣካል ክሰምዓ ዕድል ክረኽባ ንዘይካኣላ ዓድታት ወይ ከተማታት ከኣ ውዱባት ኣባላቱ ( ሰራዊቱ ) ብለይቲ ናብአን ኣስሊኹ ብምእታው ነቶም ንቅሓት ወይ ኣፍልጦ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ዘይነበሮም መንእሰያተን ብለይቲ ጸልማት ተኸዲኑ ካብ ሰራዊት ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ እንዳታሓብአ ገዛ ገዛ ኳሕኩሑ እንዳ ኣተወ ገፊፉ ብምውሳድ፡ዓሊሙ ፖሎቲካዊ ንቅሓቶም ሓፍ ኣቢሉ ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ብምስላፍ፡ መሳርዑ ኣደልዲሉ ንናጽነት ኤርትራ ሓርነት ህዝቦም ብኒሕን ሓቦን'ዩ ዘቃልሶም ኔሩ፡፡ " ከምዚ ከም ዝነበረ ድኣ እወ ጽቡቕ ጌርና ንፈልጥ! እንታይ'ዩ ክብለና ደልዩ እቲ ክብለና ዝደለየ ቀልጢፉ ዘይብለና!" ትብሉኒ ከምዘለኹም ካብ ቅልጣፈ ኣናብባኹም ክርዳእ ኪኢለ ኣለኹ፡፡ በሉ ንኺድ እዚ ኣብ ላዕሊ ከም መእተዊ ተጠቂመሉ ዘለኹ መግለጺ ዘይትፈልጥዎ ኬንኩኩም ዘይኮንኩምስ......

ኣብ ግዜ ካላኣይ ወራር ወያነ 1999 ዓ.ም ኣብ ግንባር ክሳድ ዒቃ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ምስ ሓደ ዓርከይ ካብ ድፋዕ ኣፍቂድና ወሪድና ናብ ሓንቲ ኣብ ድሕሪ ድፋዕና ቀረባ ናብ ዝነበረት ዓዲ ዓደባ-ርእሶም ትበሃል ዓዲ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን ፡ ናብታ ዝለመድናያ ቀጻሊ ኮካ ንሰትየላ ድኳን ገጽና ኢና ኣምሪሕና ፡ ኣብታ ድኳን ምስ ኣተና ምስታ ዋና ድኳን ድሮ ናይ ሓጺር ግዜ ሌላ ስለዝነበርና ፍሕሽው ዝኾነ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ኮፍ ኢልና ኮካና ኣዚዝና እንዳሰተና ከለና ክዕለል ዝሰማዕክዎ ኣገራሚ ዝኾነ ታሪኽ ምትእስሳር ስለዘለዎ'የ ከም መእተዊ ተጠቂመሉ፡፡ እዚ ምስ ዓርከይ ኮካይ እንዳሰተኹ ዋና'ዚ ታሪኽ ዝኾነት ሰበይቲ ነታ ካብ ቀረባ ጎዶቦ ዓድታት ዝመጸታ ቤተሰባ ድያ ዋላ ተራ ጋሻ ብኑጹር ዘይፈለጥክዋ ሽምግል ዝበለት ሰበይቲ ቡን እንዳስተየታ ከላ ተዕልላ ዝነበረት፡ ንፉዕ ጻሓፊ ከሺኑ ዝጻሓፎ ልበወለድ ኮይኑ ዝስማዓካ እምበር ሓቂ'ዩ ኢልካ ንኽትኣምኖ ኣዝዩ ዝኸብድ ግን ከኣ ካብቲ ቡዙሕ ዝተፈጸመ ዘይተነግረሉ ዘሎ ኣብ ግዜ ሰውራ ኤርትራ ዝተፈጸመ መስተንክራዊ ታሪኽ ሓቂ'ዩ!፡፡ በሉ ሕጅስ ይኣኽለና ንኺድ ናብቲ ዕላል ናይታ ነታ ጋሻ ተዕልላ ዝነበረት ዋና ድኳን ሰበይቲ.........

" እዋኑ ኣብ ግዜ መወዳእታ 80ታት ኣብ ወርሓት ሓምለ'ዩ ኔሩ ማይ ካሃርም ስለዝሓደረ ኣፍደገ ገዛና ማይ መሊኡ ጨፈቅፈቕ ኢሉ የማን ጸጋም እንዳበልካ ተንቀሳቒስካ ሓዳርካ ከተካውነሉ ዘሸግር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ግዜ ነበረ፡፡ መሬት ከይበሀ ከብዲ ኣድጊ ከይኮነ ከሎ ቁርስን ምሳሕን ደቀይ ሰራሪሐ ናብታ ትጽህየይ ግራተይ ክወፍር ስለዝነበረኒ ህድሞ-መረባዕ እንዳበልኩ ሓወይ ኣጓጉደ ሓዳረይ ከካውን ጀመርኩ፡ ኣብ ከም'ዚ ህሞት ከለኹ'ዮም እምበኣር ሰለስተ ነጸላ ዝተጎልበቡ ኣባጽሕ በቲ መንደቅ (ደጎል) ናይ ገዛና ናብ ኣፍደገ ገዛና ዘዘሊሎም ብምውራድ እቲ ዝነበረ ጨፈቕፈቕ ናይ ማይ ከይዓጠጦም "ከመይ ሓዲርኪ" ሓፍትና ዝበሉኒ: ኣነ ከኣ መጀመርያ ስምብድ ኢለ እኳ እንተነበርኩ ተጋደልቲ ምኳኖም ግን ቀልጢፈ ስለዘላለኽዎም ንስምባደይ ኣረጋጊአ.... እግዚኣብሄር ይመስገን ከመይ ኣለኹም'ከ ንስኹም ምስ በልክዎም፡ ንሕቶይ ግዲ ከይሃቡ......"ኣብዚ ገዛ እኹላት ኣጓብዝ ወይ ሰብኣይኪ ኣሎ'ዶ ? ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ሰውራዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝሕጉዝና መንእሰያት ንምውሳድ ኢና ናብዚ ዓዲ መጺና ዘለና" በሉኒ፡፡ ኣነ ከኣ.....ሰብኣየይ ድኣ ዘይምሳኹም'ዩ ዘሎ፡ ኣብዚ ገዛ ከኣ ደቁን ኣዲኡን ወዲ ሕድሪ ወዲ ምውቲ ሓፍቱን ጥራይ ኢና ዘለና ኢለ እንዳመለስኩሎም ከለኹ፡ ዘረባይ ከይወዳእኹ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ተጋደልቲ ናብቲ ደቀይ ደቂሶሙሉ ዝነበሩ መረባዕ ብምእታው ነዞም ኣርባዕተ ደቀይ ንኹሎም ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ከቦርታ እንዳቀልዐ ኣብ ግንባሮም ስዕም ሰዕም ከብሎም ምስ ጀመረ እዛ ዓባይ ጓለይ ተባራቢራ ግዲ ጸኒሓ ኮይና በቲ ምስኦም ንዛረቦ ዝነበርና ድምጺ ሰሚዓ፡ እቲ ተጋዳላይ ቅድሚ ናብኣ ምብጽሑ ብደድ ኢላ ኮፍ በለት፡ ንሱ ካካ ካብቲ ኮፍ ኢላትሉ ዝነበረት ንእዲ ሑቁፍ ኣቢሉ ብምልዓል ኣብ ጉምቦ ኢዱ ኣደቂሱ የማን ጸጋም ረርዩ እንዳሳዓመ....."ጓል ዲኺ ወዲ?" ኢሉ ክሓታ ጀመረ፡፡ እዛ ቦኽሪ ጓለይ ከኣ...." ወዲ ኣይኮንኩን ጓል'የ" እንዳበለት ትምልሰሉ ኔራ እንዳሳሓቀት፡፡ እቶም ኣብቲ ኣፍደገ ምሳይ ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ ብጾቱ ከኣ....."ኣታ ብጻይ ሰብኣይ የብለይን እንዳበለትካ ደቅኻ ዝረኸብካ ድዩ መሲሉካ ኣሸጊርካዮም'ኮ ነዞም ቆልዑት ኣብዛ ጥዕምቲ ናይ ድቃስ ግዚኦም ናዓናይ በጃኻ ግደፎም እንታይ ጌሮምኻ ኣይትረብሾም ኣደቅሶም ! ድሓር ከኣ ነዘን ተመዲብልና ዘለዋ ገዛውቲ ከይበርሀ ከሎ ብጽሕ ብጽሕ ኢልና ዘድሉዩና ሰባት ሒዝና ክንከይድ" ክብልዎን ኣብ ህድሞ ደቂሶም ዝነበሩ ሓማተይን ወዲ ምውቲ ጓላን ድምጺ ሰሚዖም ቅልቅል ክብሉናን ሓደ ኮነ:: ድሓር እቶም ምሳይ ኣብ ደገ ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ ተጋደልቲ ነቲ ወዲ ምውቲ ንዕልተይ ምስ ራኣዩ......" እንታይ ድኣ ሰብኣይ የለን ኣብዚ ገዛ ትብልና ካብዚ ንላዕሊ ሰብኣይ ድኣ እንታይ ደሊኺ" ንዓይ ብሓውሲ ምጉጣጥ እንዳተዛረቡ ናብቲ ወዲ ምውቲ ንዕልተይ ዝነበሮ ኣፍደገ ህድሞ ብምቅራብ....." ንዓናይ ኣታ ሕለፍ ናጽነት ሒዝካ ክትምለሳ ኢኻ ነዴኻ" ብምባል በታ ዝነበራ ሒዘሞ ንሱ ቀቅድሚኦም መሪሕዎም ናብቲ መአከቢ ባይቶ ዓዲ ወሰድዎ። ኣነን ሓማተይን ከኣ ጽሉላት ክንመስል ብዘይ ነጸላ ወዲ ሕድሪ (ወዲ ምውቲ ጓልና'ዩ ) ዓሻ ነብሲ ሂብዎ እምበር ገና ማዓንጣ ዘይቆጸረ ህጻን ቆልዓ'ዩ ሰለ ማርያም! ማርያም ሐራይ ትበልኩም'ዞም ደቀይ እንዳበልና ክሳብ'ቲ ባይቶ ዓዲ ንበጽሕ ለሚናዮም ግን መን ክሰማዓና።

ኣብቲ ከቢድ ጸላም ወጋሕታ ዋላ ነቲ ንደቀይ ዝሳዓመለይ ጨሓምን ጀብጀብን ተጋዳላይ ርህሩህ'ዩ ዝመስል ኢልና ኣጥቢቕና ቀሪብና እንተለመናዮ ወይ'ከ ብጭቕ መልሲ፡ እንታይ ኢሉ ክሰምዓና ዕጭ ሓንፊፉ ኣስቅጥ ከብል ጥራይ'ዩ መሪጹ፡፡ ብድሕሪ'ዚ ነቲ ወዲ ምውቲ ንዕልተይ ነቶም ኣብቲ ባይቶ ኮይኖም ክጽበይዎም ዝጸንሑ ካልኦት ብጾቶም ኣረክብ ኣቢሎም እንደገና ናብተን ዘይበጽሕወን ገዛውቲ ክበጽሑ ተመለሱ፡፡ ኣነን ሓማተይን ከኣ ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑና ተጋደልቲ ምልማና ቀጸልና። ግን ኩሎም ከምዛ ዝተማኸሩ'ዮም ዝመስሉ መን ክምልሰልና ዕጭ'ዮም ሓንፊፎም ንሕና ጥራይ ኢና ንዛረብ ኔርና፡፡ ብድሕሪ'ዚ ውን ወዮ በየ ቦትኡ ኣብ ዓድና ፋሕ ኢሎም ዝሓደሩ ተጋደልቲ በብሸነኾም ሒዘሞም ብዝመጹ መንእሰያትን ሽምግል ዝበሉ ሰብኡትን ነታ ባይቶ ምልእ ኣበልዋ፡፡ ድሕሪኡ ኣይደንጎዩን ነቶም ይኾኑና'ዮም ዝበልዎም መንእሰያት እቲ ሓላፊኦም ልልይ ልልይ ኣቢሉ ብምፍላይ ካባና ቁሩብ ኣርሕቅ ኣቢሉ ሰርዖም። ነቶም ሽምግል ዝበሉ ከኣ ፈልዩ "ንስኹም ሕጂ ኪዱ ኣይተድልዩናን ኢኹም ገዛኹም ተመለሱ ኣብ ተድልዩና ሰዓት ከኣ መጺና ክንወስደኩም ኢና" ብምባል ነቶም ዘድልይዎ ጥራይ ሒዙ ኣብ ሞንጎ ሰራዊቱ ሰሪዑ እቲ ወዲ ንዕልተይ ውን እንዳነብዐ ሕጂ ኾይኑ'ኳ ተራእየኒ! ሒዝዎም ከደ፡፡ ለሚንና ምኳን ዝኣበየና ኣነን ሓማተይን ክኣ ዝርንዛሕ እንዳነባዕና ንገዛና ተመለስና፡፡ ብድሕሪ'ዚ ወዮ ናብ ጻህያይ ክውፈረለይ ዝተሓስበ ተቋሪጹ ምስ ሓማተይ ተተጠማሚትና ጥራይ ክሳብ ጻሓይ ትዓርብ ብኽይይይይ ዋዓልና፡፡ ሓቂ ይሓይሽ ክሳብ ወጊሑ ዝዓርብ ኣብ ብርሃን ምስራኣይዎ ንእሸተይ ውልዶ ቆልዓ ምኳኑ ስለዘስተብህሉሉ "ኪድ ገዛኻ ተመለስ" ኢሎም ክሰዱልና'ዮም ዝብል ተስፋ ኔርና። ግን ተስፋና በንጻሩ'ዩ ኔሩ ማይ ሓቁኑ ተሪፉ፡፡

ማዓልታት ሰሙናት፡ ሰሙናት ኣዋርሕ፡ ኣዋርሕ ውን ዓመታት እንዳቆጸሩ ግዜ ተዓዝረ፡፡ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ ውን ግዚኡ ኣኺሉ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ተበሰረ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ከሎም እቶም ውጻእ ማዓት ዝኾኑ ብሰላም ናጽነት ሒዞም ዝኣተው ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነናይ ሰለስተ ማዓልቲ ዕረፍቲ ስድርኦም ርእዮም ክምለሱ ፍቓድ ይዋሃቦም ስለዝነበረ፡ ኣነ ውን ምስ ሓማተይ ኮይነ ባዓል ቤተይን ወዲ ምውቲ ንዕልተይን ብሰላም ክመጹለይ ፍጭም ኢለ ክጽበ ጀመርኩ፡ ትጽቢተይ ድሕሪ ናጽነት ድሮ ሓደ ወርሒ ኣቁጺሩ ነበረ ወይ'ከ ካብ ሓዲኦም ድሃዮም ህጥም ኢሉኒ፡ ነቶም ናብ ስድርኦም ዝመጹ ዝነበሩ ደቂ ዓድና ተጋደልቲ ብዛዕባ ባዓል ቤተይን ወዲ ንዕልተይ እንተሓተትክዎም ከኣ ከምዛ ዝተማኸሩ ኩሎም....."ዘይበብሪጋ ኢና ንመጽእ ዘለና ንሕና ንቦታና ምስ ተመለስና ንሶም ከኣ ክመጹ'ዮም ኣይትሻቐሊ ድሓን" ዝብል ጥራይ'ዩ ኔሩ፡፡

ግዜ ከምዚ ኡሉ እንዳ ቀጸለ ካብ ማዓልቲ ናጽነት ድሕሪ 40 ማዓልቲ ኣቢሉ ይኸውን ኣነን ሓማተይን ወዮ ቆልዓ'ዩ በጃኹም ግደፍዎ ሓንቲ ኣይጠቅመኩምን'ዩ እንደበልና ዘፋነናዮ ከመይ ዝበለ ተጋዳልይ ኮይኑ ዕጥቁ ዓጢቑ ከላሽኑ ተሓንጊጡ ናይ ኣጋ ምሸት ኣብቲ ጻሓይ ምዕራባ ....."ሰብ ገዛ ድሓን'ዶ ዊዒልኩም" ኢሉ ንኽፉት ማዕጾና ገው ገው ኣቢሉ ህሩግ ኢሉ ምስ ኣተወና ምስ ሓማተይ ንኣእሙሮና ምስ ደንጎዩ ከምቶም ንስለ ናጽነት ኤርትራ ዝተሰውኡ ተሰዊኦም'ዮም ኢልና የእሚናዮ ስለዝጸናሕና፡ ዓይንና ዝራኣዮ ክኣምን ኣይከኣለን! ኣይሓጎስ ኣይጓሂ ተፋራሪቕና ከኣ ዕልልል እንዳበልና ካብ ኮፍ ኢልናሉ ዝነበርና ተሲእና ሕንቕ ኣቢልና እንቋዕ ድሓን ኣቶኻ ዝወደይ ኢልና ስዕም ኣበልናዮ፡፡ መቸም ኣብቲ እዋን ናጽነት፡ ዕልልታ እንተተሰሚዑ ኩሉ ዓዲ'ዩ ናብቲ ዕልል ዝተባህሎ ገዛ ግልብጥ ዝብል ኔሩ ፡ ንመጻኢ እንቋዕ ድሓን ኣተኻን ንስድራ መጻኢ ከኣ እንቋዕ ሓጎሰኩም ክብል፡፡ እንታይ ኢልክዮ'ኺ ሕልምልም ክትብል ዝቀነየት ገዛና ሓጎስ ብሓጎስ ኮይና ቡና ቆሊና ምስ ጋሻናን ዓድናን ተኣኪብና ወጃዕ ክንብል ማሚቕና ኣምሲና፡፡ እዋን ሓሊፉ ኩሉ ሰብ ጸሪሩ ነናብ ገዝኡ ምስ ከደ ሓማተይን ደቀይን ውን ነናብ መደቀሲኦም ከይዶም ደቀሱ፡ ኣነን ተጋዳላይ ወዲ ምውቲ ንዕልተይን ካኣ በይንና ከነዕልል ኣምሰና ፡ ብፍላይ ኣነ ክዛረብ ከለኹ ኣብ ገጽ ወዲ ምውቲ ንዕልተይ ዘይንቡር ናይ ሻቕሎት መንፈስ ክዕዘብ ስለዝጀመርኩ ነብሰይ ስክፍክፍ ክብለኒ ጀመረ ወዳን ጓላን ናይ ኣኩኡ ከየፍለጥኩ ኣይድቅስን'የ ኢለ ብምውሳን ከኣ እንቋዕ እኮ ኣምላኽ ንዓኻ ምቅሊ ሃበና። እንቋዕ ኩላትኩም ኣይጠፋእኩም፡ እስከ በል የዕልለኒ ከመይ ኣበይ'ዩ ኔሩ ኣሰዋውኣ ኣኮኻ ብዛዕብኡ ኣፍልጦ እንተለካ ምስ በልክዎ፣ ወዲ ንዕልተይ ስምብድ ኢሉ......"መን ድኣ ነጊሩኪ ኣኮይ ከም ዝተሰውአ" ኢሉ ንሕቶይ ብሕቶ መለሰለይ፡፡

ከም ዝተሰውአ ድኣ!!! ሓድሽ መርድእ ዝሰምዕ ዘለኹ ከይመስል ስሚዒተይ እንዳተቋጻጸርኩ እዞም ቅድሜኻ ንዕረፍቲ ዝመጹ ደቂ ዓድና ነጊሮምኒ፡ ምስ ነገሩኒ ከኣ ልበይ ስለዝጠፍኣኒ ኩነታት መስዋእቱ ከመይን ኣበይን ከምዝነበረ ከይሓተትክዎም ዕረፍቶም ወዲኦም ተመሊሶም ምስ በልክዎ:......." እዋእ ካብ ደቂ ዓድና ድኣ መን'ዶ ኔሩ'ዩ ምሳና ኣብቲ ኣሃዱና ብዛዕባ መስዋእቲ ኣኮይ ዝፈልጥ መን ድኣ ኮይኑ ?" ኢሉ ብሕቶ ጀሚሩ ንመልሰይ ከይተጸበየ ከምዚ ኢሉ ከዘንትወለይ ጀመረ......" እቲ ካብዚ ገዛና ለይቲ መጺኦም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ገፊፎም ክወስዱና ለይትን ቀትርን ብእግርና: ኣብቲ ሓራ መሬት ኤርትራ ምስ በጻሕና ውን ብመኪና እንዳጓዓዙ ንብዝሕ ዝበለ ማዓልታት ድሕሪ ምጉዓዝ'ዮም ናብቲ ሳሕል ዝበሃል መደበር ታዓሊም ቦታ ወሲዶምና፡ ኣብቲ መደበር ታዓሊም ድሕሪ ወታሃደራውን ፖሎቲካውን ትምህርቲ ምቅሳምና ከኣ ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት መዲቦምና፡፡ ምስ ተመደብና ሓደ ካብቶም ገፊፎም ዝወሰዱናን ዘጓዓዙና ተጋደልቲ ኣብታ ዝተመደብኩላ ጋንታ መራሕ ጋንታ ኮይኑ ጸንሒኑ። ምስቶም ምሳይ ዝመጹ ሓደሽቲ መታዓልምተይ ምስ ራኣየኒ ከኣ ኢሂ'ታ በኻዪ ብኽያት ገዲፍካዮ'ዶ ሒጂ'ኸ ሰብኣይ'ዶ ኬንካ ከኣ በለኒ ተቀቢሉ እንዳሳዓመ፡ ኣነ ከኣ.....እወ ሕጂ ድኣ ኮይነን ፈረቓን ጸገም የለን ብምባል መሊሰሉ፡፡ ብድሕሪ'ዚ ኦርኒክ ጋንታ መሊኡ መመሳርዕና ባዕሉ ኣፍሊጡና፡፡ ከምዚ እንዳበልና ከኣ ንሱ ከም መራሕ ጋንታይ ኣነ ከም ተራ ኣባል'ታ ጋንታ ኬንና ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ዝኸውን ኣብ ተዛማዲ ሰላም ጸኒሕና። ብድሕሪ'ዚ ግዜ እዚ ግን ንወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ንምሕራር ንስርሒት ፈንቅል ክንዳሎ መግለጺ ስለዝተዋህበና እቲ ከም መራሕ ጋንታይን መቃልስቲ ብጻየይን ጥራይ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ሓላፊየይ ቅድሚ ናብቲ ኩናት ገጽና ምብጋስና ......ንዓስኪ ወዲ ሓፍቲ ኢሉ ካብቶም ምሳይ ዝነበሩ ብጾት ንበይነይ ኣግልል ኣቢሉ፣ ኣነ ህጻን ከለኻ ገዲፈካ ንሜዳ ዝወጻኹ ኣኮኻ እየ ንስኻ ኣይትፈልጠንን ኢኻ፡: ቅድሚ ሕጂ ምሳይ ዝነበረካ ሌላ ምስቶም ኣብ ማሙቕ ገዛኻ ምስ ዓባይካ ከለኻ መጺኦም ዝገፈፉኻ ተጋደልቲ ስለዝነበርኩ ጥራይ'ዩ፡፡ ካብ ሕጂ ንንየው ግን ካብዚ ንኣትዎ ዘለና ዓቢ ውራይ ስርሒት ፈንቅል ክልቴና ዕማምና ብግቡእ ፈጺምና ብሰላም እንተወጻና ጽቡቅ። ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣነ ተሰዊአ ንስኻ ብሰላም ካብዚ ስርሒት ወጺኻ ካብ ብድሕሪኡ ዘሎ ውግኣት ውን ብሰላም ወጺኻ ንናጽነት ክትርኢ እንተበቒዕኻ እቲ በለይቲ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ምስ ክልተ ዘይፈልጡ ብጾቱ ንገዝኡ መጺኡ ንዓኻን ካልኦትን ገፊፉ ዘጋደለካን ንኣሚኑን ኣዲኡን ሰለም ከይበለ ንደቁ ብዱቁሶም ከለው ዝሳዓመን ኣነ ኣኮኻ ምኳነይ ንደቀይን ኣደይን ኣሚነይን ኣዘንትዎሎም ኢኻ። ሕጂ ንዓናይ ኣይትሕመቅ ካብዚ ንላዕሊ ክዛረበካ ኣይክእልን'የ ግዜ የለን ኣጆኻ ኣይትሕመቕ ኢሉኒ፣ ናብቶም ደቂ ጋንታይ ገጹ ሒዙኒ ተመልሰ። ኣይደንጎናን ውን ብድሕሪኡ ምስ ኩለን ኣሃዱታትንና ናብቲ ዓወደ ውግእ ገጽና ብኣጋር ተሰሪዕና ክንጓዓዝ ጀመርና። ኣይ ደንጎናን ከኣ ኣብ ቦታ ኩናት ቀልጢፍና ስለዝበጻሕና ነነጥቅዖ ቦታታት ብሓለፍትና ተሓቢሩና ንጸላኢ ብገርሁ ከሎ ድቦላ ወዲቕና ሲቲናይ ኣበልናዮ ግርም ሰሊጥና ከኣ ኣብ ሓጺር ማዓልታት ጽርግርግ ኣቢልና ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ከም ዝስብሰብ ገበርናዮ፡ ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ንኸተማ ባጽዕ ተቆጻጺርናያ ኢና ሕጂስ እንዳበልና ከለና፡ ሰራዊት ደርጊ ዓቅሎም ጸቢብዎም ገሊኦም ኢዶም ብሰላም ናባና ይህቡ፡ ገሊኦም ዕድል ዝረኸቡ ብባሕሪ ይሃድሙ፡ ገሊኦም ከኣ ኢድና ኣይንህብን ንሻዕብያ ካብ ዝብል ተካል ኒሕ ተበጊሶም ሓሓሊፎም ምሳና ይታኾሱ ስለዝነበሩ፡ ኣብዚ ሰዓት'ዚ እዩ እምባኣር ኣኮይ ካብቲ ናይ ሕነቕ ታሓናነቕ ዝጸንከረ ኩናት ባጽዕ ብሰላም ወጺኡ ከብቅዕ፡ ካብ ብዘይጠቅማ ኢድና ኣይንህብን ብዝበላ ተረፍ መረፍ ሰራዊት ደርጊ ዝተተኮሰ ጥይት ኣብ የማናይ መትልሕ ግንባሩ ተሃሪሙ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ወዲቁ ዝተሰውአ" ምስ በለኒ ሕጂ'ዶ ባዕለይ ተኳቲኸ ኣዛሪበ ኡይ ክብል መስሓቕ ሸራፋት ሓጎስን ሓዘንን ኣብ ሓደ ማዓልቲ ኣብ ገዛይ ክርአ ኢለ፡ "ኣጥቢቁ ዝሓትት'ሲ ሞት ኣቡኡ ይርዳእ" ኮይንኒ ሓዘነይ ቁርጥም ኣቢለ፡ በል ሰማዕ ነኮኻ ኣነ ገድሊ ኢሉ ምስ ከደ ቀደም'የ ቀቢጸዮ። ቁሩብ እታ ሕጂ ሓዳሽ መርድእ ዝኾነትንን ምውሓጥ ዝኣበየትንን ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብጥበቡ ኣምጺእለይ ከሎስ እንታይ ኮይኑ'ዩ ካብቶም ብጾቱ ኣፍቅድ ኣቢሉ ትርፍ ኢሉ ክልተ ሰለስተ ማዓልቲ ምሳና እንዳታሓብአ የዕሪፉ ዘይከደ እያ፣ ኣዝያ የሕሚማትኒ እምበር ድሓን ከም ሰቡ መስዋእቲ ከይከፈልካ'ዶ ናጽነት ኣሎ ኮይኑ ኢለ ንወዲ ንዕልተይ ዝኾነ ናይ ሓዳሽ ተረዳኢት ምልክት ከየርኣኹ.....ቀጺለ ውን ኣደይን ደቀይን ብዛዕባ መስዋእቲ ኣኮኻ ኣይፈለጡን ዘለው ኣብዚ ገዛና ኣነን ንስኻን ጥራይ ኢና ብዛዕባ መስዋእቱ ፈሊጥና ዘለና ስለዚ ሓደራኻ ክሳብ መንግስቲ ባዕሉ መስዋእቲ ኣኮኻ ዝነግረና ኣነ ኣይነግሮምን'የ፡ ንስኻ ከኣ ተጠንቀቕ ከይሞልቆካ ምስ በልክዎ......" ቅሰኒ ድሓን ንዓኺ ዘዕለልኩኺ ከማን እኮ ብዛዕባ መስዋእቲ ኣኮይ ፈሊጠ'የ ጥራይ ኩነታት ኣሰዋውኡኡ የዕልለኒ ስለዝበልክኒ'የ ኣጋጣም ብሓንሳብ ኣብ ዕለተ መስዋእቱ ምስኡ ሰለዝነበርኩ የዕሊለኪ እምበር እዚ'ዶ ይዕለል'ዩ ከተእስርኒ ድኺ ደለኺ" ምስ በለኒ በል ሕጅስ ንዓ የዕርፍ ይኣኽለካ ተካል ዊዒልካስ ተካል ከኣ ኣምስየካ ኢለ ኣነጻጺፈ ክድቅስ ሓበርክዎ፡፡ ኣነ ከኣ ናብቲ ደቀይ ደቂሶሙሉ ዝነበሩ ንእዲ ብምኻድ ኮቦርታይ ተሸፊነ ዝርንዛሕ እንዳነባዕኩ ወዲ ንዕልተይ ከይሰምዓኒ እንዳተጠንቀቕኩ ብኽይ ሓዲረልኪ። ብድሕሪ'ዚ ጓለይ ወዲ ንዕለተይ ሰለስተ ማዓልቲ የዕሪፉ ዕረፍቱ ወዲኡ ንኣሃዱ ምስ ተመልሰ ኣይደንጎየን ከኣ መንግስትና ምስ ሰብና መስዋእቲ ባዓል ቤተይ ኣርዲእና እብለኪ::"

ምስ በለታ እታ ክትሰምዕ ዝጸንሐት ሰበይቲ ንብዓታ ጀረብረብ ኣበለት ሓቂ ይሓይሽ ኣነ ውን ነቲ ናይ መወዳእታ ታሪኽ ናይቲ ፍጻመ ምስ ሰማዕኹስ ኣነ ውን ነቢዐ፡፡ "ነዛ የሕዋትናን ኣያታትናን ከምዚ ጌሮም ኣምጺኦም ዘረከቡና ሃገር ደዩ ሕጂ ወያነ ክወራ ዝመጣጠር ዘሎ! ዋይ ክልተ ሞት" ከኣ በልኩ ብውሽጢ ልበይ፡፡ ምስቲ ዓርከይ ክሳብ እቲ ዕላል ዝውዳእ ኢና ተመሲጥና ኮፍ ኢልና ኔርና እምበር ማይ ጸሚእና ስለዝነበርና ነቲ ኮካና (ሉስሱስ መስተ) ቀልጢፍና ኢና ወዲእናዮ ኔርና። እቲ ዕላል ምስተወድአ ግን ቀልጢፍና ኢና ሕሳብ ናይ ኮካና ከፊልና ንድፋዕና ገጽና ተመሊስና፡፡ ድፋዕና ምስ ተመለስና ኣሃዱና ቦታ ክቅይሩ ምኳኖም ስለዝተሓበሮም፡ ኣቁሑቶም ክጠራንፉ ሸበድበድ እንዳበሉ የማን ጸጋም ክብሉ'ዮም ጸኒሖምና። ናይ ነገር ወታሃደር ከኣ ንሕና ንኹሉ ዝጸንሓካ ሓድሽ ነገር ከም ቅቡል ወሲድካ ናብቲ ዝጸንሓካ ንጥፈታት ስለትሕወስ ንሕና ከኣ ከም ደቂ ኣሃዱና ኣቁሑትና ንምጥርናፍ የማን ጸጋም ክንብል ጀመርና፡፡ ኣይደንጎዩን ከኣ ንድፋዕና ዝርከቡና ሰራዊት መካይን ተጻዒኖም ስለዝመጹና፡ ድፋዕና ንዕኦም ኣረኪብና፡ በተን ንዕኦም ዘምጽኣ መካይን ናብቲ ርሱን ኩናት ምስ ወያነ ዝግበረሉ ዝነበረ ግንባር መረብ ሰቲት ( ገዛ ገረህላሰ፡ ግርመ፡ እላላ ) ገጽና ኣምራሕና፡፡ እቲ ዝነበረ ርሱን ኩናት ግን ንሕና ኣብቲ ግንባር ክንበጽሕ ከለና ስለዝዛሓለ፡ ከም ሪዘርቭ ( ተቀያሪ ኣሃዱ ) ኬንና ንኸባቢ ሓደ ወርሒ ዝኸውን ኣብቲ ድሕሪ ድፋዕ ብጾትና ኣብ እግሪ ዓበይቲ ኣግራብ ስቅ ኢልና ብዘይ ስራሕ ቀነና፡፡

ድሕሪ ሓደ ወርሒ ዝኸውን ምጽናሕና ግን ብሸነኽ ሃዳሙ ተከዘ ማይ ቆቋሕ ዝባሃል ቦታ ድፋዕ ክንሕዝ ስለዝተሓበረና፡ ብመካይን ናብዚ ዝተሓበረና ቦታ ገጽና ኣምራሕና፡ ድፋዕና በጺሕና ከኣ ድፋዕና እንዳኳዓትና ከነደላድል ጀመርና፡ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ከኣ ብዕለት 12/05/2000 ዓ.ም ከኣ ወያነ ንሳልሳይ ወራር በቲ ንሕና ዓሪድናሉ ዝነበርና ወፈረ ኣብዚ ናይ ምምካት ህሞት ከለና'ዩ እምበኣር ነዚ ኣብ ላዕሊ ከዕልለኩም ዝጸናሕኩ ኣብታ ድኳን ኮይኑ ምሳይ ነዚ ታሪኽ ዝሰምዕ ዝነበረ ዓርከይ ንሉኡላውነት ሃገሩ ምስቶም ዝሓለፉ ቅድሚኡ የሕዋትና ዝተሰውአ፡፡

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ኣነ ነዛ ልበወለድ ትመስል ግን ከኣ ሓቀኛ ዛንታ ቅድሚ 18 ዓመት ከም ተራ ዕላል ኣብዚ ልዕል ኢለ ዘዕለልኩኹም ኣጋጣሚ ዝሰማዕክዋ ክሳብ ሕጂ ከይጻሓፍክዋ ምጽንሐይ ይቅሬታ ይሓትት። እቲ መደንጎይየይ ምኽንያት ግን ክገልጽ ነቲ ኣጸሓሕፋ ታሪኽ ከየባላሽዎ ካብ ዝብል ስክፍታ'የ ስቕ ኢለ ዓቁረያ ምስ ነብሰይ ክበኣስ ግዜ ወሲደ ጸኒሐ፡ ሕጂ ግን ስቅ ኢለ'ኸ እንታይ ፍታሕ ከምጽእ'የ፡ ዘይሕንጥጦ ፡ ብድሕሪኡ እቶም ግዱሳት ሰነድቲ ታሪኽ ነዚ ጹሑፍ ምስ ረኸብዎ ዘይ ባዕሎም የዕርዮም ክስንድዎ ኢዮም ኢለ ስለዝወሰንኩ'የ ሕጂ ናባኹም ሼር ጌረዮ ዘለኹ'ሞ ምስናድ ኣይትሕመቑ፡፡

ዕባይ ሳሕል


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events