Dehai

ገጽ-መጽሓፍ: ሕርሻ ከርከበት ገነት ኣብ ምድረበዳ!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 23 April 2017

ሕርሻ ከርከበት ገነት ኣብ ምድረበዳ! 


ብልዕሊ 700 ካብ ከበሳ ዝወረዱ ሓረስቶት ብዘመናዊ ኣገባብ ዝለምዕ ዘሎ ሕርሻ፡ ምስቲ ብብዝሒ መሬት ክወሃቦም ዝሓቱ ዘለው እቲ ቁጽሪ ሓረስቶት 4000 ሽሕ ክድይብ ትጽቢት ኣሎ። እቲ ካብ ሩባ ባርካ ዝመልእ ዓቢ ዲጋ ከርከበት ዝጥቀም ሕርሻ ስጋብ ሕጂ 15 ሽሕ ሄክታር መሬት ኣደላዲሉ ድልው ጌሩ ኣሎ። እቲ መደብ ግና ናብ 50 ሽሕ ሄክታር ንምስፉሕ እዩ። ነቲ ሕርሻ ነቶም ኣብ ዝገዓዙ ሓረስቶት ዘገልግል 16 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘመንጭዋ ጀኔተራት ድሮ ስርሓን ጀሚረን ኣለዋ። እቶም ሓረስቶት ኣብ ዓመት ስጋብ ሰለተ ግዜ እቶት ከእትው እዩ እቲ መደብ። ስጋብ ሕጂ ንኩሉ ወጻኢታቶም መንግስቲ እዩ ሸፊንሎም ካብ ሕጂ ንንዮው ግና ነብሶም ክኢሎም ንዕዳጋ ከውርዱ ኣብ ምድላዋት ኣለው።

 

 

 
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events