Dehai

ገጽ-መጽሓፍ: **ኤርትራ-ብዘይ ግዳማዊ ምጽወታ ህዝባ እትምግብ ካብ መባእታ ስጋብ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርቲ ንዜጋታታ ብናጻ እተምህር ኣፍሪቃዊት ሃገር..................!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 27 April 2017

**ኤርትራ-ብዘይ ግዳማዊ ምጽወታ ህዝባ እትምግብ ካብ መባእታ ስጋብ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርቲ ንዜጋታታ ብናጻ እተምህር  ኣፍሪቃዊት ሃገር..................!
 
 
ማዝያ ዕለት 27, 2017 ዓም ፈረንጂ

ቅድሚ ብኤርትራ ምውርዛይኩም፣ እስከ ሓንቲ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ኣምጽኡለይ ረድኤት ከይተቀበለት ህዝባ ትምግብ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ፈለማ ስጋብ ዩንቨርስቲ ብነጻ ንደቃ ተምህር ንሱ ከይኣክል ከኣ ነጻ ሕክምና ንህዝባ ተቅርብ ንሱ ከይኣክል ንብብዝሒ ደምን ሽኮርያን ዝሳቀዮ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ምርመራ እንዳገበሩ ነጻ መድሃኒት ትዕድል፡ ንሱ ከይኣክል ንግዳያት ኤድስ ብማሕበር ብምጥርናፍ መናውሒ ዕድመ መድሃኒት ብጥርሑ ትዕድል። እዚ ጥራሕ ንኤርትራ ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ንዓመት ተውጽእ። ብጀክኡ እውን ንሰብ ታክሲ ካብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ 40 ሚኢታዊት ኣጉዲላ ብምሻጥ ንህዝቢ ከምዘገልግሉ ትገብር። ብሚልዮናት ናቅፋ ድጎማ እንዳገበረት ኣብ መላእ ሃገርን ከተማታትን ብስማዊ ዋጋ ዘብል መጎዓዝያ ተቅርብ። 120 ሚልዮን ናቅፋ ዓመታዊ ድጎማ እንዳገበረት ነፍሲወከፍ ሰፍ ኣርባዕተ ባኒ ብስማዊ ዋጋ ተቀርብ። ናይ ህዝቢ ዱካናት ምክፉት ንህዝቢ ኣድላዮ ዝበሃሉ ጥረ ነገራት ካብ ዕዳጋ 80 ሚእታዊት ኣጉዲላ ተቅርብ። ንኩሎም ተመሃሮ መባእታ ኣብ ሸሹድሽተ ወርሒ ብተንቀሳቀስቲ ክሊንክ ብምግባር ኣብ ኣብያተ ትምህርቶም ብምኻድ ነጻ ናይ ስንን ዓይንን ምምግባር ነቶም ሕክምና ዘድልዮም ብምሕካም ነቶም መነጽር ዘድልዮም ነጻ መነጽር ትዕድል። ኣብ ዓመት ሓንሳብ ንዑረት ዓይኒ ዝከታተል ኣሃዱ ሕክምና ናብ ኩሉ ዞባታት ብምውፉር ሕክምና ትህብ። ንዘኽታማት ቆልዑት ምስ ስድራቤት ብምውጋን ነታ ስድራቤት ከካይዳ ዝክእል ትካል ከም ድኳን ከምትከፍት ትገብር። ንሹጉራት ተመሃሮ ናይ ዓመት ናውቲ ትምህርቲ ብነጻ ትዕድል። እስከ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሓብሩኒ ንህዝባ ከምዚ ትገብር? ኤርትራ ጌና ኣብ ምምዕባል ከላ ከምዚ ዝገበረት ምስ ማዕበለት ደኣ እንታይ ክትቅርብ እያ? እሞ ከኣ ኩሉ ብዓቅማ ብዘይ ልቃሕን ረድኤትን! እሞ ኣየናይ መንግስቲ እዩ ብህዝቡ ዘይግደስ? እቶም ትነብሑ ንብሑ እምበር ኤርትራስ ደው ከብላ ዝክእል ሓይሊ የለን።

 
 
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events