Dehai

YPFDJ - ሰፊሕ ቃለ መሕተት ምስ ብጸይቲ ሰምሃር ገብርኣብ

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 28 April 2017




YPFDJ - ሰፊሕ ቃለ መሕተት ምስ ብጸይቲ ሰምሃር ገብርኣብ
ኣብ ዓለምና ካብ ዝተርእዩን ዝትዓወቱን ሰውራታት እቲ እንኮ ንግዜ ብጉቡእ ተጠቂሙ ኣንፈቱ ከይስሓተን ከይተምበርከከን ከይሰድዖን ኣብ ክብርታት መትከላቱ ጸኒዑ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሓደ ዘተኣማምን ተረካቢ ሕድሪን ተካእን ወለዶ ዝሃነጸ እንተሎ መሪሒነት ህዝባዊ ግንባር ህግደፍ'ዩ።
እዚ ንዜናውን ፖለቲካዊ ሃልኪ ዝብሃል ዘይኮነ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘረጋግጾ'ዩ።
እንምብኣር ብዝኣተናልኩም ቃል መሰረት ብምክኒያት መበል13 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ሰፊሕ ቃለ ምሕተት ምስ ብጸይቲ ሰምሃር ገብርኣብ ጽሓፊት ማእከላይ ኮሚቴ መንእስያት ህግደፍ ኤሮፓ ኣካይድና ኣሎና።
"መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኤሮፓ" ንተጻብኦታት ከም ሉሙድ ብምምካት ካብ 13 ስጋብ 17 ሚያዝያ 2017 መበል 13 ዋዕልኦም ብዓወት ኣቃኒዖምን ዛዚሞምን ኣለው።
ብጸይቲ ሰምሃር ንመበል 13 ዋዕላ መንእሰያትን ንዝተራእየ ፉሹል ሸርሒን ካልእን ኣመልኪታ ንዘቅረብናላ ሕቶታት ሰፊሕ መግለጺ ሂባትናላ።
ብጸይቲ ሰምሃር ሓንቲ ካብቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ካብ ዝትሃንጹ ሓደሽቲ ተረከብቲ ወለዶ'ያ።
ብጸይቲ ሰምሃር ኣብ ወጻኢ ተወሊዳ ዝዓበየት ናይ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርታ ተከታቲላ ብዓወት ዝዛዘመትን ኮይና ኣብ'ዚ እዋን እዚ ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪማ ከም "ጽሓፊት ማእከላይ ኮሚቴ መንእስያት ህግደፍ ኤሮፓ" ብሙኳን ድማ ተገልግል ዘላ'ያ።








Virenfrei. www.avast.com

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events