Date: Sunday, 07 May 2017
ልk
ዕለት 07.05.2017
ንተንኮል ጸላእትና ይሓይል መከተና
ሰላም ብምቅዳም ኣንታ ከመይ ኣለኹም
ግዜ ነዊሕና ናፊቅና ድምጽኹም
ዓቕምና ክንፍትሽ ክንዝቲ ምሳኹም
ኩልና መጺና ደው ኢልና ኣብ ቅድሜኹም
በሉ ከመይ ኣሎ ጉዳይ ከባቢና
እንታይ ኣዩ ተገይሩ እንታይከ ሰሚዕና
ብድሕሪ ምስማዕናኸ እንታይ ይኹን መልስና
ብሕሉፍ ታሪኽናዶ እሞ ክንጅምሮ
ንኹሉ ዉዲታት ብጽንዓት ክንሰግሮ
ኩሉ ማሕለኻታት መኪትና ክንስዕሮ
እዚ ታሪኽና ዩ ኩሉ ዝምስክሮ
ዛንእሽቶይ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ
ብትብዓት ትልለ ኣምላኽ ዝመረቓ
ንራሕዋ ትቃለስ ናይ ሰላም ጠብቓ
ንጸልማት ተብረሆ ከም ጸሓይ በሪቓ
ኣብነት ኮይናላ ጽንዓት ትዓጢቓ
እዚ እንካብ ኮነ ናይ ሕሉፍ ታሪኻ
መቀጸልታ ሕሉፍ ተካኢ ንስኻ
ምዓንጣ ሸጥ ይብል ምንካስ.ዩ ስንኻ
መታን ካይ ይብረዝ ታሪኽ ወለድኻ
ጠጠው ኢልካ መክቶ ደው በል ምስ ህዝብኻ
ምርብራብ ኮይኑ ምስ ኩሎም ጸላእቲ
ክንሽገር ዝደልዩ ሓያላት በሃልቲ
ተንኮላት ዝኣልሙ ለይቲ ምስ መዓልቲ
ንጥፋትና ኢሎም ዝሕንጽጹ ስልቲ
ኣየለለዩናን ምኻን መከቲ
ድሕሪ.ዚ ኩሉ ውዲቶም ምፍሻልና
ባዕልና ክንመርሕ ሃገርና ተበልና
ኣበይ.ዩ ቲጌጋ እንታይ ኢና ጌርና
ልምድና ዘይ ኮነ ለሙኑ ዝብሉና
ሕጂ ውን እምቢ ሓገዞም ይትረፈና
ናይ ጛኖትስ ይትረፍ ናይ ከዳዕ ገደደ
ንትካቦ ኢሉ እግሪ ዝሰገደ
ብመልክዕ ጉዕዞና ቀልቡ ዝሰንበደ
ኣብ ክንዲ ንሰላም ህውከት ዘንበድበደ
ዝብጽሖ የብሉን ጥልመት ዝለመደ
ተሓታቲ እዩ ኣብ ዝኸደ ተኸደ
ብዙሕ ተጨደሩ ብዙሕ ተፈከሩ
ብምኽሪ ጸላኢ እና ተዋፈሩ
ብቁሩብ ትካቦ እንተጠብሩ
ሕፍረት ተመሲሖም ውርደት ዝድረሩ
ሃገርና ክብሉስ ቁሩብከ ዘይ ሓፍሩ
ፈተን ሆላንድ ናበዩ ኣንፈቱ
በዓል መን ኣለምቱ በዓል መን መከቱ
እንታይ ብልሓቱ እንታይ ውጺኢቱ
ንሱስ ሓሊፉ.ሎ በሊዑ መዓልቱ
ይመጽእ ይኸውን ክደግም ድልየቱ
ናይ ግድን እዩ ከምዚ ምግማቱ
መንገድና ንጽረግ መንገዲ ምማቱ
ሕጂ ነበግሶም ንዑኡ ዝምክቱ
መንእሰይ ንመልምል ዝኾኑ ወረስቱ
ዳግማይ ንባራበር ታሪኽና ነዘንቱ
ብ ተስፋይ ተወልደ
ሰማእታትና ዘለኣለምይ ዘከሩ
ዓወት ንሓፋሽ