Dehai

ገጽ-መጽሓፍ፡ .......ግንቦት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 09 May 2017

09/05/2017
 
ንገርዮም ነቲ ዘይእመን

ከርፋሕ መዋእል ናይ ስቓይ ዘመን
ሕድሮ በረኻ ምስ ዕንቅርቢት ተመን
ድቕድቕ ጸላም ዘመነ ኪነምን


ኣይሂ ኪዘንበና ሞርታር ናፓል ጋዝ 
ወገን ስኢና ጸግዒ ጉዝጓዝ 
በይንና ዝመከትናሉ ብዘይ ሓገዝ
ዓድና ገድፍና ርሑቕ ክንጎዓዝ 
ስቕ ትብሊ ከምዚ ኢልክስ ክሳብ መዓዝ .

 

ንገርዮም እቲ ትፈልጥዮ
መሃርዮም ታሪኽ ገንጽልዮ


ብሉጻት ከም ዝወደቑ ንስሌኺ
ረዚን ከምዝኾነ ዋጋኺ


ሃሮሮማ ጽሓይ ጸድፊ ገደል
ሑሱም ቃንዛ መሪር ዓንዴል


እሾኽ ረጊጽና ጎኖቕ ቶኾርባ 
ጎላጉል ሰንጢቕና እምባ ኩርባ 


ኮለል ከምዝበልና ብዘይ ዕርፍቲ
ነዛ ህላወ ነዛ ርስቲ
ዋጋ ከምዝኸፈልና ኩቡር መስዋእቲ
ንገርዮም ግንቦት በብሓንቲ


ልግዐ ንእስነትና ተበሊዑ
ዕሸል ዕድመና ተወዲኡ


ናብራን ውላድን ከምዘይ ናትና ሪኢናዮ
ንራህዋ ህዝብና እንዲና ወፊናዮ
ምስክር ኢኺ ግንቦት ነቲ ዝረኣኽዮ


ዓይንና ብናፍቆት ክብድና ብጥሜት
ፈሪድናዮ ንሕልፈት ወፊናዮ ንነጻነት


እንዳ ረአናዮም ወለድና 
እንዳ ብሃግናዮም ክስዕሙና 
ከምዛ ዘይንፈልጦም ንሓልፍ ኔርና ስቕ ኢልና 
ንገርዮም ነዚ ኢና ኣሕሊፍና

ጉዳይ ሃገር ዕላማ ኮይኑና


ንገርዮም ነቶም ዝላገጹ ዘሽካዕልሉ
ነቶም ኣብ ጓል መንገዲ ኮለል ዝብሉ
ነቶም ኣብ ጸገምኪ ዘይወዓሉ
ነቶም ኣብ ሓጎስኪ ዘይዕልሉ 


ንገርዮም ነቶም ዝኸድዑ ዝጠለሙ
ነቶም ናብ ጸላኢ ዝሃደሙ 
ነቶም ንጥፍኣትኪ ዝኣለሙ
ኪንደየናይ ሓግዮም ከይኸርሙ


ግንቦተይ ጻማ ዉጹዓት ሓድጊ ዉፉያት
ሕድሪ ሰማእታት ቀንጣጢት ጸልማት
ጽላል ኣሽሓት ብርሃን ነጻነት
ፈስቲቫል እምነት ምድራዊት ገነት
ብኩቡር መስዋእቲ ዝተተኽለት
ረዚን ታሪኽ ዝሓዘለት
ዓባይ በዓል ኤሪትራዊት ንግደት
ግንቦት መጸት ዛ ወርቃዊት ዕለት!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events