Dehai

ገጽ-መጽሓፍ: ተውለ!!!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 15 May 2017

 
ተውለ!!!
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡
***ጀጋኑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ`ቲ ንባጽዕ ሓራ ንምውጻእ ዝተገብረ ደማዊ ከቢድ ኲናት ንኣባላት ደርጋዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክማርኹ ዘርኢ ስእላውን ታሪኻውን ሰነድ።
***ብርሃነ ሃብተማያም
 

ተበግሶኻ ብኣልጌን ሰሜናዊ ሳሕል
ጉዕዞኻ ገንፊሉ ይዛሪ ይፍልፍል
ሞራል ትሰንቕ ብይኣክል ትዓግብ
ገዛኻ ንድሕሪት ወፊርካ ንዓራርብ።

 

ኣብቲ ደቕድቕ ድነ ዘይትቖርጽ ተስፋ
ዘራኢ ዓጻዲ ኣብ ጎቦታት ናቕፋ 
ጽሓይ ዕራብ ደጀንካ ቃሩራ 
ኣሻቡ ትሓልፍ ዝባን ኣምባ ሶይራ።

 

ጎላጉል ሃዘሞ ዓንዲርካሉ ተውለ
ብየማን ጸኒሕኻ ንጸጋም ትእለ
ደምበላስ ወሪድካ ኣሻቡ ሰሚዐ 
ማይ ጋይላ ከምዝወዓልካ እነኹ ሰሚዐ።

 

ትንፋስ ከይመለስካ ወርድካ ባረንቱ 
ትምርሽ ትጋዓዝ መሬት ብጊሓቱ
ኣቃምትካ ውቃው ቅያኻ ኣብ ኣውገት
ዓነው ኣቢልካዮ ደፍዲፍካያ ዓወት።

 

ድፍዓትካ ይመስክር ዝባን ታባ ወኪ
ፍጥረትካ ዘገርም ገጢምካ ምስ ታንኪ
ኣርክብ ምስኮነ ኩናት ዓዲ ሹማ 
ረኺብካ ጋይላ ጥሪ ድዩ ማዜማ።

 

ትሕሉፍ ትዝታ ዕርድታት ናይ ደንደን
ካብ ሰማይ ስሒብካ ተፈርቲ ተውርደን
ዕዉት ስልቲ ህጁም ናይ ኣፍዓበት
ዓጋቲ ዘይብልካ ንኸረን ተቃምት።

 

ሓሊፍካ ኢሎምኒ ረግረግ ናይ ሰሊና
ደርዕም ጎብለ ኣርሓ ናይ ዘመና
ደኺመ ዘይትብል ትጻወር መስገደል
ርሃዋ ንኽትረክብ መዋል ትጋደል።

 

ደሃይካ መጺኒ ብቐይሕ ባሕርኻ 
ፍጥረትካ ዘገርም ስኢነ ኸማኻ
ኣብ ስርሒት ፈንቅል ልብኻ ረጊኡ 
ሽሾ ጸልእትኻ ከብደን ማይ መሊኡ።

 

ድምጽኻ እምባ ፈጢሩ መቓልሕ
ጉዕዞ ሰሓሊኻ እናሳዕ ትበልሕ
ንስኻ ቁልዒ ንሳቶም ሃልሃልታ 
ፍጹም ዘይዓጅበካ ሃብሮማይ ኩዕታ።

 

ቃልስኻ ንኽትዛዝም ደበኽ ንኸበሳ
ንወያ ጥኑሳት ኣትሓዝካየን ሕርሳ
ብድሓን ክገላገላ ጸልየን ተደፊኤን
ዓጀብ ጥኑስ ቃልዓስ ኮይኑ ለካሚኤን።

 

ነጸብራቕ ናይ ዓወት ኣቲኻ ብዕሰል
ብሳላኻ ነጊሱ ሓበራዊ መሰል
ዓደን ሰጊረን ምስሓለፈ ጥምቀት
ደበናኻ ዘኒቡ ኣስቲኻና ሓሬት።

 

ሃልወለይ ድኣ ኣነ ውን ክንህሉ 
ዋጋ የብላን ሂወት ታሪካ ዘይብሉ
ውዕለትካ ዘይድገም ብድሕሪኡ ኣኸለ
ናጽነት ኣላትኒ ዘምጽኣለይ ተውለ።(2)


ብዳንኤል ወልዳይ

     

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events