Dehai

EriGazette.org: “ገ እንዳበሉኻ ዶ ትጋገ” 2ይ ክፋል

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 15 May 2017

“ገ እንዳበሉኻ ዶ ትጋገ” 2ይ ክፋል    

ግምቦት 15, 2017

 

ሎሚ ድማ ተጋሩ ኣሕዋትና ነቲ ቀደም ደም ከይፈሰሰን ንብረት ከይዓነወን ክብልዎ ዝነበሮም ሎሚ ድሕሪ ደም ምፍሳስን ዕንወትን ኲናትን፥ ኣብ ክንዲ ባዕልና ጎረባብትን ኣሕዋትን ዝኾንና ንዛተ ኣብ ክንዲ ምባልስ ምፍካርን ምዕናውን ድሕሪ ምክያድ ንዑ ባዕልና ንዛተ ምባል እሞ ኸኣ፥ ብመጎኝነት  ናይ ደገ ሓይልታት ብዘበናዊ ኣገባብ መተዓረቒ ካርታን ሓቀኛ ታሪኽን ኣምጺኤን ኣፈራሪመን ፈሪደን ከለዋ፥ ኣብ ፍርዲ ተበጺሑስ ተወሲኑስ ገሊኡ ተተግቢሩስ ኣብታ ሽኻል ግብር ኣቢልካ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ንቡር ንኽምልስ ብይን ኣብ ምሃብ ምስ ቀረበ ጠጠው ኣቢሎሞ።

ንናይ ኣልጀርስ ውዕላት ገዲፍና ባዕልና ንዛተ ብምባል፥ ጠጠው ኣቢሎሞ።ሳዕቤን ናይ’ዚ ኣይኲናት ኣይሰላም ኮይኑ። ሳዕበን ናይ ኣይኲናት ኣይሰላም ድማ እዚ ሎሚ ንኽልቲኡ ዝጎራበት ህዝብታት ኣብ ኩሉ መዳያት ክሳራ ኣምጺኡሉ። ሕጂ ኸ ኣሕዋት ተጋሩ እንታይ ትብሉ’ለኹም? ወይስ ካብ ጎይተትኩም ቀጠልያ መብራህቲ ኢኹም ክትጽበዩ?።

ካብቲ ውዕል ኣልጀርስ ወጻኢ ዝኾነ ናይ በይኑ ኣጀንዳ ኣውጺኡ ንራኸብ ንዛተ ዝበለ መን፡ዩ ትዝክሩ ዶ? እቲ ዘገርም ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ መተዓረቒ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ምብጽሑ ሓንቲ ካብዘን 2 ሃገራት ዕንቅፋት ዝገበረት እገዳ ክግበረላ ኣለዎ ዝብል ንጹር ዓንቀጽ ዘለዎ ውዕል ገይረን ከነሰን፥ ኢትዮጵያ ነዚ ከተኽብሮ ከምዝኾነት ፈሪማትሉ ከነሳ፥ ድሓር ግን ባዕልና ክንዛተ ኢና ዝብል ምኽኒት ኣምጺኣ ውዕል ብምጥሓሳ ኣይተቐጽዐትን። ኤርትራ እንተትኸውን ነይራ ግን ቀልጢፈን እገዳ ምገበራላ ነይረን።

ወዮ’ኳ ብዘይብኡ ይእግድኣ ኣለዋ። እቶም እዚ ዘሎ ኣይኲናት ኣይሰላም ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይሃስዮ ከምዘሎ እቲ ሽግር ድማ ኣንድሕሪ ፈሊጥኩም ናይቲ ሽግር ጠንቂ ምፍላጥ ድማ ጽቡቕ’ዩ  ናይ ሽግር ጠንቂ እንድሕሪ ፈሊጥካ መፍትሒኡ ንክትረኽቦ ድማ ቀሊል ይኸውን። እሱ ድማ ኣብ ናይ ዶብ ኮምሽን EEBC ተበጺሑ ዝነበረ ስራሕ ምምላስ’ዩ።

እሞ ኣባላት VOA ድምጺ ትግርኛ እስከ በጃኹም  ብጉዳይ ዶብን ሽግር ኤርትራን ኢትዮጵያን ከተዘራርቡ ንግዱሳትን ምሁራት ተጋሩን ኤርትራውያንን ከተራኽቡ ከለኹም፥ መጀመርታ ንባዕልኹም ውዕላት ኣለጀርስን ስራሕ ናይ EEBC ትሕዝቱኡን መንፈሱን ኣብ GOOGLE ኣቲኹም ተወከሱን ፍለጡን።

ኣባላት VOA ድምጺ ትግርኛ ክሳብ ሎሚ ነታ ናይ ሓቂ ዝኾነት ሕቶ ንደቂ ትግራይ ኣብ ክንዲ ተቕርብሎም፥ ኮለል ትብሉ’ለኹም። ኣብ መንጎ ናይ ኣልጀርስ ውዕል FINAL and BINDING ወሳኒን ቀያዲን ዝብል ኣንከሎ ብናይ ማሕበረሰብ ዓለም መንጎኝነት ዝተገብረ ውዕላት እዚ ፍሩስ’ዩ ኢልካ ነጺግካን ናይ በይንኻ ኣጀንዳ ኣውጺእካ ንዑ ንተዓረቕ ምባልስ፥ እንዲዒ ከምዚስ ኣሜሪካ ውን ንባዕላ ኣይምበለቶን ኣይምገበረቶን ውን። መኽንያቱ ዘንዕቕ’ዩ ንናይ ሃገር ክብረት ውን  ዘኽፍእ’ዩ። ከምቲ John Bolton ዝበሎ ክብረት ሃገር ውን ዘንዕቕ’ዩ። ወያነ’ሞ ናይ ኢትዮጵያ ክብረት እንታይ ገዲሱዎም ተልእኮኦምን ረብሓ ስልጣኖምን ጥራሕ’ዩ ዘገድሶም።

ናይ ኦባማ ድራማ ድማ ንርኤ፥ 2012 ኣብ ወርሒ 10 ኣቢሉ ከምዚ ክብል ገሊጹ “ንኤርትራ ምስ ሰሜን ኮርያ ኣታኣሳሲሩ (ይኹነልና ኣበይ’ሞ) ኣብዘን ሃገራት’ዚኤን ንኤርትራ እንኮላይ ማለቱ’ዩ፥ ካብ ኤርትራ ቆልዓ ሰበይቲ ዘውጽኡ (ዘህድሙ) ኣለውና ምስኦም ንተሓባበርን ኢና” ክብል ገሊጹ። እሞ እዚ ኩሉ መንእሰይ ሰግረዶብ ገጹ ዝፈልስ ዘሎ፥ ሓደ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣሜሪካ ዝወደበቶም ከምዘለዉ ዝስሓት ኣይኮነን።

እዚ ድማ ዘገርም ኣይኮነን እንኳር ኣብ ኤርትራ ኣብዛ ትሑት መነባብሮ ዘለዎ ህዝቢስ፥ ኣሜሪካ ኣሽሓት ዶላራት ኣውጺኣ ንባዓል ራሻ ጀርመን እንግሊዝ ከምትስልየን ውን ዝፍለጥ ሓቂ’ዩ። ካልኣይ ውን መንእስያት ካብ ኤርትራ ብቐሊል ንኽወጹ፥ ንመንእስያት ኤርትራውያን ግዜ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይነውሖም ስለ ዘሎ፥ መሰሎም ይግሃስ ስለ ዘሎ፥ ነቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣምሊጦም ዝመጹ ዘለዉ ብዘይ ሕቶን መርመራን ክንቅበሎም ኣለና ኢለን ኣውጀን ከምኡ ድማ ይገብራ’ለዋ ምዕራባውያን። እቶም ዘይነቓሕና ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ነማርር ኣለና። እሞ ኸኣ ኣንጻር ናይ ኩልና ጥቕሚ ከነሱ።

እንደገና ኣባማ ዓሚ ኣብ ኣዲስ መጺኡ ከሎ፥ ኢትዮጵያውያን ንፉዓት ታዋጋእቲ እዮም ክብል ውን ምጒሱዎም። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነሶም ኣብ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ክዋጉኡ ኣሜሪካ ድማ ዝኾነ ብደገ ንኢትዮጵያ ክጻባእ ዝመጽእ ንሕና ክንምክቶ ኢና ክብል ውን ኣስዒቡ ገሊጹ።

ንፈልጥ ዲና ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ደገፍቲ ንኹን ተቓቅውምቲ ናይ ዘለና ኤርትራውያን ገንዘብና ካብ ውሽጢ ኤርትራ ናስገርቲ ደላሎን ንጭወይትን ንደገ ይኸይድ ከምዘሎ? ኣብ ደገ ዘለና ድማ ገንዘብና ንደላሎን ንጨወይትን ንሲናይ ንሊብያን ንሱዳን ንኢትዮጵያን ገጹ ይኸይድ ከምዘሎ? እዚ ድማ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዝገብርኦ ዘለዋ ሕሱር ዝኾነ ናይ ተንኮል ዘይ ሞራላዊን ዘይሓላፍነታዊን ረሳሕ ናይ ፖለቲክ ጸወታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ደገፍቲ ንኹን ተቓወምቲ ኣብ ልዕሊ ኩልና ዝግበር ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ጸወታ’ዩ።

እዚ ኩሉ ተጻብኦታት’ስ ስለምንታይ’ዩ? ሎሚ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኢቲ ተጻብኦ  እንደገና ይሕይልን ይቕጽልን ኣሎ። ግን እቲ ዝደልዪኦ ዘለዋ ነዚ መንግስቲ ኣዳኺምካ ንናጽነት ንድሕሪት ምምላስ ወይ ድማ ድልየካን ፍቓድካን እንዳማልኡ ዝነብሩ ኣብ ስልጣን ኮፍ ምባል’ዩ። ነዚ ንምትግባር ዝተጠቕሞኦ ሜላ ገለ ብጋህዲ ገለ ብስዉር ገለ ውን ከምቲ ምስላ ዝብሎ “ንገረብ ብሓኽላ” ክሳብ ኣብ ውሽጢ ኣቲኻ ንሃገር ብቁጠባ ኣዳኺምካ ኣብ ድልየቶም ከም ንምብርከኽ ምግባር’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰባት ብምውዳብ ንመንግስቲን ንህዝቢን ኣብዘይ’ሳኒ ኩነታት ፈጢርካ ንህዝቢን መንግስቲን ምንቛት’ዩ።

እዚ መንግስቲ ግን እንዳ ተጸርፈን እንዳተጸልኤን ነዚ ኹሉ ብውሽጢን ብደገን ዝግበር ሓያል ተጻብኦታት እንዳተጻወረን እንዳ በድሀን ነዛ ሃገር፥ ከምቲ ጸላእቲ ዝደልዪዎ ከምዘይትኸውን ገጥ ኣቢሉ ክሳብ’ዚ ሎሚ ዘለናዮ ናይ ወጋሕታ ግዜ ሒዝዋ ጸኒሑን ኣሎን።

እቲ ናይ ደገ ተጻብኦ ድማ ንናይ ደገ ድልየትን ረብሓን ዘማልእ ድኣ’ምበር፥ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ክርስትያን ይኹን ኣስላማይ ደጋፋይ ይኹን ተቓዋማይ ረብሓ ዘማልእ ኣይኮነን። እሞ ኤርትራውያን ኣይንጋገ ኩሉ ክሓልፍ’ዩ ኤርትራ ግን ኣይክትሓልፍንያ ሎሚ ሃልያ ጽባሕ ውን ንኹሉ ክትጸንሖ ከምትኽእል ንስራሕ። ኣብ ግዝያዊ ረብሓን ቆጥዓን ኣቲና ኣብ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስራሕ ኣቲኻ ምንቅስቓስ ነወግድ። ካብ ናይ ሓባር ዝኾኑ ጸላእቲ ዘረባታትን ተግባራትን ንመሃር ንንቃሕ’ሞ ኣይንጋገ።

“ገ እንዳ በሉኻ ዶ ትጋገ ከይከውን።

                                          ዓወት ንሓፋሽ!!

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events