Dehai

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 9ይ ስጋብ መበል 13ስተ ክፋላት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 22 May 2017

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘

ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 9 ስጋብ መበል 13ስተ ክፋላት

ግምቦት 22, 2017 ዓም ፈረንጂ

Bild könnte enthalten: eine oder mehrere Personen, Text und im Freien
 
  • ጄነራል ተሾመ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ምዉድኡ ብቐጥታ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ኢዮም ኣምሪሖም። ነቲ ዓጃቢኦም ሓለቓ ሚእቲ፡ ንሓለፍቲ እቲ ዘማቲ ክፍለ ጦር ሰራዊቶም: ማለት ንሓላፊ ጎስጋጓስን ሓበሬታን ካድራት ፖለቲካዊ ምንቕቓሕን ንሓላፊ ክፍሊ መጎዓዓዝያ ንህጹጽ ኣኼባ ክጽዉዖም ኣዘዝዎ።እቲ ትእዛዘም ድማ ብቕጽበት ተፈጸመ። ኣብ ዉሽጢ ሒደት ደቓይቕ እቶም ንህጹጽ ኣኼባ ዝተጸውዑ ሓለፍቲ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት'ቶም ጄነራል ተረኸቡ።

መደረ መእተዊ ዘረባ እቲ ኣኼባ ጄነራል ተሾመ ኣዝዩ ሓጺር ኢዩ ኔሩ። እቶም ጄነራል ‘’ሕጂ ብህጹጽ ንኽንእከብ ዝኾነ መኽንያት፡ እቲ ኣብ ዙላ (ፎሮ) ዓሪዱ ምምጻእ ሻዕብያ ዝጽበ ዘሎ ናይ ‘’27 ሜካናይዝድ ብርጌድ’’ ቦታኡ ለቒቑ ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ እንተ ኣዝለቐ የድምዕ ዝብል ዉልቃዊ ርእይቶ ስለ ዘለኒ ኢየ፡ እቲ መኽንያተይ ካኣ ሻዕብያ ከም ቀንዲ ዕላማ ወደብ ምጽዋዕ ንክቆጻጸር፡ ነዚ መጥቃዕቲ ከፊትዎ ከም ዘሎ ብሩህ ከሎ፡ ኣብ ፎሮ ‘’መጺካለይ መጺካለይ ክጽበየ’’ እንዳ ደረፍና ከም መርዓዊ ክንቅበሎ ኣይግባእን ኢዩ።ስለዚ ድማ ኣብ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣዕሚቕና ንኽንዝቲ ኢየ ብህጹጽ ጸዊዔኩም ዘለኩ።’’ ዝብል ጥራሕ ኢዩ ዝነበረ።

 

እቲ ፈላማ ርእይቶ ዝለገሰ ካብቶም ኣኬበኛታት ሻለቃ ሮሪሳ ዳዲ ኢዩ ኔሩ። ‘’ጄነራል ተሾመ ኣነ ምስ ርእይቶኹም ግርም ጌረ ዝሰማማዕ።’’ ኢሉ ኢዩ ክዛረብ ዝጀመረ። ኣስዒቡ ድማ ‘’ እቶም ናይ ‘’27 ሜካናይዝድ ብርጌድ’’ ናብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ምስ ሙሉእ ዓቅሞም ምዝላቕ ወሳኒ ተራ ጸወታ ኣብዚ ኩናት ኣለዎ።መኽንያቱ ሻዕብያ ኣብዚ እዋን 40 ኪሎ ሜትር ጥራሕ ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ርሒቑ ዓሪዱ ዘሎ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዚ ሓሳብ ብህጹጽ ክትግበር ኣለዎ።’’ በለ።

 

ድሕሪ እቲ ሻለቃ ዋላ ሒደት ርእይቶ ዝሃቡ መኮንናት ደርጊ እንተ ነበሩ፡ ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግን ነቲ ናይ ሻለቓ ሓሳባት ብካልእ ቃላት ቀይሮም ዝደግሙ እንበር ሓደ እኳ ካብዞም ኩሎም ሓለፍቲ ሓድሽ ሓሳብ ዘምጽአ ኣይነበረን።

 

ጄነራል ተሾመ ድሕሪ እዚ ኹሉ ምዕዛቦም የዕንቶም ኣብቲ ኣዛዚ ሻድሻይ ክፍለ ጦር ሰራዊትሃይሉ ኣየለዓረፋ። ቀጺሎም ድማስማዕ ሃይሉ! እተን ኣብ ከተማ ዘለዋ ተሽከርከርቲ መካይን ናይ ዉልቀ-ሰባት ይኹና ናይ መንግስቲ ናብ ከተማ ምጽዋዕ፡ ብዝተካእለ ፍጥነት ናብቲ ‘’27 ሜካናይዝድ ብርጌድ’’ ልኣከን። እዚ ትእዛዝ እዚ እንተ ደንጎየ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ግብሪ ክዉዕል ኣለዎ።’’ ኢሎም ኣዘዙዎ።


እቶም ጄነራል ድሕሪ እዚ ኣስዒቦም ነቲ ኣዛዚ ዘማቲ ክፍለ ጦር ሰራዊት መኮነን ደርጊ ናይ ‘’27 ሜካናይዝድ ብርጌድ’’ ናብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ከዝልቕ ክዳለው ከም ዘለዎ ዝሕብር፡ ናይ ቴለ-ግራም መልእኽቲ ለኣኽሉ። እቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 08:00 ምሸት ዝጀመረ ኣኬባ ልክዕ ሰዓት 08:30 ተዛዘመ።.......................

 

  • ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኻትኩም።
ሰናይ ንባብ!
 
ብርሃነ ሃብተማርያም

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events