Dehai

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 19 ስጋብ መበል 23 ክፋላት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 24 May 2017

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 19 ስጋብ መበል 23 ክፋላት

ግምቦት 24, 2017 ዓም ፈረንጂ

https://encrypted-tbn0.gstatic.com/images?q=tbn:ANd9GcSMTf5WrTs2-aAnHQOk_wcfcqV5ltfj5K2UZfkW4hlx6j48ipVe

ትርጉም ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ

ጸሓፋይን ተሓታታይን ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ታሪኽ፡ ሓለቃ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ

፠፠፠፠፠፠፠

http://www.sbs.com.au/yourlanguage/sites/sbs.com.au.yourlanguage/files/podcasts//6538_tadesse-salvano.jpghttps://scontent-fra3-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-9/fr/cp0/e15/q65/13335766_1052725741501871_4370204538070871219_n.jpg?oh=cb06988f8894d754230a6219219bff0b&oe=5974F70A

****ስእሊታት ደራሲ` መጽሓፍ ወትሃደር *ሓለቓ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖን [ላዕለዋይ ስእሊ] ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን [ታሕተዋይ ስእሊ] ………………….

  • *** ሓጺር መብርሂ፡ ‘‘ኤርትራን ከኢትዮጵያ የነጠለ ጦርነት፣ ኣይ ምጽዋ‘‘ ብትግርኛ ድማ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለየ ኲናት፣ ኣየ ምጽዋዕ‘‘ ዝተባህለት መጽሓፍ ደራሲኣ ሓለቓ ሓምሳ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ይበሃል። እዚ ናይ ቀደም ኣባል ደርጋዊ ኢትዮጵያዊ ወትሃደር ነበር፣ ብጀጋኑ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ [...] ‘‘ስርሒት ፈንቕል‘‘ ዝብል ስም ኣንጻር ባዕዳዊን መግዛእታዊን ወራሪ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ፣ ክጅመር ኣትሒዙ ስጋብ ብዓወት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [...] ዝዛዘም፣ ካብቲ ውግእ ዝተረፉ ንሱ ደሚርካ ኣሽሓት ምሩኻትን ዝኾኑሉ ዝነበረ ኩነታት ብናቱ ትዕዝብቲ ኣብዛ ዝተጠቕሰት መጽሓፍ ሰኒዱዎ ኣሎ። እዛ ጽዋ [ዛንታ] መጽሓፍ እዚ‘` ኣብ ክሊ ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ውትሃደራቶምን ዝነበረ ናይ ኲናት ሃዋህውን ሕንፍሽፍሽን ብፍላይ ከምኡውን ብወገን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [...] ኣብ ብጽኑዕ ተሃዲሙ ዝነበረ ወትሃደራዊ ዕርድታት ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ ድማ ብሓፈሻ፣ ብዝርዝር ገሊጹዎ ኣሎ።

ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማ [የማናይ ስእሊ ኣብ ላዕሊ ተመልከት] እቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ባጽዕ ጅሆ ሒዙ ኣብ ሞንጉኦም ተሓቢኡ ስጋብ መጨረሽታ ዝተዋግኣን ጠንቂ ዘየድሊ መስዋእትን ህልቀት ህዝብን ወትሃደራትን ዕንወት ወደባዊት ባጽዕ ዝኾነን ኣብ መወዳእታ ድማ ብኻላሽኑ ነብሰ-ቅትለት ዝፈጸመን ኣረሜናዊ ሰብ እዩ። በወገን ኢትዮጵያውያን ከም ባህላዊ ርድኢቶም ከም ሃጸይ ተዎድሮስ [ናይ ቀደም ስሙ ራስ ካሳ] ጀግና ኢሎም ይሰምይዎ እዮም። ብወገነይ ክምኡ`ውን ብዓለማውን ብሰብኣዊን ትዕዝብቲ ግን፣ ለባማት ኣቦታትና ከምኡ ምስ ረኣዩ ``ኣድግሲ መሬት ብድሕረይ ዳንዴር ኣትብቘላ በለት‘‘ ክብሉ ዝመሰሉዎ፣ ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘይብሉ ጨካን ሰብ ኢለ ይገልጾ። በቲ ሓደ ወገን ብወትሃደራዊ ዓይኒ፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይነበሮ ቃልዕ ይኹን በረኻ ጎበታትን ከምኡውን ጎላጉል ኣንጻር ጸላኢኡ እናተዋግኤን ከም ሓላፊ እናዋግኤን ምስ ዘይሰልጦ ማለት ኣብ ኢድ ተጻይ ናይ ምውዳቕ ወይ ምምራኽ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ከምኡ እንተዝገብር ኔሩ፣ ኣነውን ብዘይቀልዓለም ካበየናይ ወገን ብዘየገድስ ጅግና ምበልኩዎ ኔረ። ከምኡ ግን ኣይነበረን።

ሓያሎይ ክፋላት ናይ`‘ ትረኻ ካብ ገጽ-መጽሓፍ ክዓቑሮ ቀንየ እየ። ኣብ ብዙሕ ኽቡር መስዋእትን መውጋእትን ዝተኸፍለሉ ከቢድ ሰብኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ነገራውን ዕንወት ዝተኸሰተሉን ብድምር ናቱ ድማ መበል 26 ዓመታት ክቡር ነጻነትና ከነኽብሮ እንዳለወሉ ኣብ ዘሎና ሃዋህው፣ ንመዘኻኸሪ ካብ` ዓቚረዮ ዘሎኹ ጽሑፋት ንኸተምብብዎ ምእንታን ብድምር ክፋላት መዓልታዊ ክሰደሉም እየ።ሰናይ ንባብ!!!

ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና፠፠፠፠፠፠፠፠፠ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና!!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና፣ ክብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ብጾትና!!!

ሞሳን ክብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

ዓወት ንሓፋሽ!!!

***ሓውኹም ብርሃነ ሃብተማርያም [ጸሓፊ-ናይ ሓጺር መብርሂ]

ተወሳኺ-ኣብ`ዛ ክፋል እዚ`ኣ ቁሩብ ናይ ፊደላትን ቃላትን ነጥብታትን መኣረምታ ጌረ ኣሎኹ።

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

https://scontent.xx.fbcdn.net/v/t1.0-9/12662570_1038072539582488_5481033404501542367_n.jpg?oh=d2f2e1feab18a90289af0f343a7b04cb&oe=59B0A729
 

  • ጄነራል ተሾመ ተሰማ ነቲ ኩነታት ክከታተሉ ኣብቲ ላዕለዋይ ደርቢ ናይቲ ርሻን ቤተ-መንግስቲ ከለዉ፡ ከቢድ-ብረት ሻዕብያ ካብ መዕርፎ-ነፈርቲ ምጽዋዕ ንቤተ-መንግስቲ ብከቢድ ብረት ምድብዳብ ጀመሩ።

ሓንቲ ካብቲ ብዙሕ መዳፍዕ ሻዕብያ ኣብ ጥቃ'ቶም ጀነራል ወደቀት'ሞ፡ ኣእዛንካ ዘገልድምን፡ኣእምሮካ ዘደንቁርን 'ሂምታ' ኸኣ ፈጠረት።

እቲ ቬትሮ ናይ`ቲ መሳኹቲ ቤተ-መንግስቲ ተሓማሺሹ፡ ትኪ ውን ዒግ በለ። ኣብ ካልኣይ ደርቢ መድፍዕ ዝበስዖ መንደቕ ምስቲ ቬትሮ ዝተሰብሮ መሳኹቲ ተመሳሲሉ፡ እቲ ዝዓበየ መስኮት ናይቲ ህንጻ መሰለ።

እቶም ጄነራል ካብ መዉጋእቲ ንእስክላ ኢዮም ድሒኖም ግን ዋላ-እኳ ካብቲ ቀንዲ መጥቃዕቲ ንእስክላ ይዉጽኡ'ምበር፡ ብፍንጭልጫል በራሪ ነታጉ (ስኩጆ) ቀሊል መዉጋእቲ ኣጋጢምዎም ኢዩ።

ኣብ ጸጋማይ እንግድዖ'ኦም እዮም ተሃሪሞም። እቲ መዉጋእቶም ፎኩስ ስለ ዝነበረ ግን ካብቲ ኣጋር ሓኪም ጉርሜሳ ቀዳማይ ረድኤት ሕክምና ዝገበረሎም ዝሓልፍ ኣይነበረን። ድሕሪ እዚ እቶም ጄነራል ኣብ ሓደ ክዉል ዝበለ ኮፍ ኢሎም፡ ብወተሃደራዊት ሬድዮ ርክብ ነቶም ኣዘዝቲ ኣብዮታዊ ጦር-ሰራዊትን፡ ከቢድ-ብረትን፥ ታንከኛታትን ኣወሃሂዶም ክመርሕዎም ይፍትኑ ነበሩ። ሓሓሊፎም'ዉን ምስ ሓለቓ ሚእቲ ታደሰ ይዝትዩ ነበሩ። ሓለቓ ሚእቲ ታደሰ እቲ ኩነታት ተስፋ ኣቁሪጽዎ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ግዜ፡ "ጎይታይ!!! ሻዕብያ ዘሎን ዘየሎን ዓቅሙ ኣሰሊፉ፡ ንወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ንክቆጻጻር ዓጢቁ ኢዩ መጺኡ ዘሎ። ስለዚ ንሕና ሕጂ ብቀይሕ-ባሕሪ ተከቢብና ምክልካልና ፋይዳ የብሉን። ዝከፈልና ከፊልና ካብዚ ክቢ ወጺእና፡ ኣብ ክፉት ምድሪ ክንዋጋእ እንተ ዘይክእልና፣ ኣብዚ ካልእ ይትረፍ ብጥሜት ክንሃልቕ ኢና'' በሎም።


ጄነራል ተሾመ "ኖኖእ ከሙኡ ኣይክከዉንን ኢዩ!!!" ኢሎም ተቃዎምዎ። ቀጺሎም "ንሕና መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ሻዕብያ ምጽዋዕ ከም ዘይቆጻጸራ ክንገብር እንተ ክኢልና፡ እቲ ናይ ወገንና ኣብዮታዊ ጦር-ሰራዊት ብጊንዳዕ ኣቢሉ ዶግዓሊ፥ ጋሕተላይ ... ጽርግርግ ኣቢሉ ናብቲ ትማል ዝነበሩሉ ኣኽራናት ሳሕል ክመልሶም ኢዩ!!!ኣጆካ ጎበዝ!!'' በልዎ ብልዑል ነብሰ-ተኣማማምነት። ''ስጋብ ሽዑ ግን በዚ ሒዚናዮ ዘለና ኣገባብ ስልቲ-ኩናት ክንከላኸል ክንጸንሕ ይግባእ። ሻዕብያ ኣብ ዉሽጢ ባጽዕ በታ ሓንቲ ናይ ሓደ ሽሕ ሜትር ጸሊም ጽርግያ እንኮ መገዲ፡ ብኽልቲኡ ሸነካ ብባሕሪ ዝተከበበት (ቐጣን ጥዋለት) ጥራሕ ኢዩ ክኣትዉ ዝክእል። ስለዚ ንሕና ዝተከፈለ ይከፈል ዋጋ ብዘየገድስ፡ሻዕብያ እዛ መገዲ ከም ዘይደፍራ ክንገብር ኣለና" በልዎ። እቲ ሓለቃ ሚእቲ ሸለል ኢሉ ክሓልፎ ኣይመረጸን ስለዚ ኣትሪሩ ሞጎተ፡፡

"ጎይታይ! ኣነ ምስ ሻዕብያ ክዋጋእ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣቁጺረ ኣለኹ። ስለዚ ኣእምሮ ሻዕብያ ሕሪ-ሕራይ ጌረ ከንብቦ ብቕዓት ኣሎኒ ሻዕብያ ኣብ ዉሽጢ-ባጽዕ ብባሕሪ ተከቢብና ኣብ ዘለናሉ ቦታ፡ ኣብ ርሑቅ ኮይኑ ብደብዳብ መዳፍዕ ከቢድ-ብረት ከህልቐና ኢዩ። ወይ ካኣ ዝኸፈለ ከፊሉ ፈንጺጉ ንዉሽጢ ኣትዩ ከህልቐና ኢዩ። ስለዚ ኩሉ ጦር-ሰራዊትና ካብ ኣብ' ዉሽጢ ባጽዕ ንጥርንፎ፡ ብኣንጻሩ ናይ`ዚ ካብ ዉሽጢ-ባጽዕ ወጺእና ኣብ ክፉት ምድሪ ንሻዕብያ ንፋለሞ (ንመክቶ)'' በለ። ጄነራል ተሾመ ዝን ኢሎም ቁሩብ ደቃይቅ ድሕሪ ምሕሳቦም: ብህድኣት....."እዚ ወደይ:ኣብ እዚ ኩናት እኮ ሻዕብያ ኢዩ ላዕለዋይ ኢድ ዘለዎ። ንሕና ካብ ዉሽጢ ባጽዕ ወጺእና ኣብ ርእሲ-ምድርሪ ንዋጋእ እንተበልና፡በይንና ብዘይ ናይ ወገን ኣብዮታዊ ጦር-ሰራዊት ካብ ኣስመራ ዝመጸ ሓገዝ፡ ንሻዕብያ ክንምክቶ ኣይንክእልን ኢና!!! ኣብ ዉሽጢ ባጽዕ እንተ ኮይና ግን ብየማን ጸጋምን፥ ቅድሚትን ድሕሪትን: ባሕሪ ስለ ዝኮነ: እቲ ዘለና ዓቅሚ ጠራኒፍና ነታ እንኮ ዝኮነት መእተዊት ናብ ዉሽጢ ባጽዕ በሪ (ቀጣን ገበይ ጥዋለት) ቀጥ ኣቢልና ክንሕዛ ክቀለልና ኢዩ" በልዎ።........................................

  • ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኻትኩም።
ሰናይ ንባብ!
 
ብርሃነ ሃብተማርያም

ኣብ ዝሓለፈ ዝተሓትሙ ቀዳሞት ክፋላት፣

‚ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት "ኣየ ምጽዋዕ"‘ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 1 ስጋብ 4ይ ክፋላት

http://dehai.org/dehai/world-news/156814

''ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት- ''ኣየ ምጽዋዕ''!-ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ!  5 ስጋብ 8 ክፋላት

http://dehai.org/dehai/world-news/157095

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 9 ስጋብ መበል 13ስተ ክፋላት

http://dehai.org/dehai/dehai/157629

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 14 ስጋብ መበል 18 ክፋላት

http://dehai.org/dehai/dehai-news/158182


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events