Dehai

መጽሓፍ-ገጽ፡ እቲ ስሙ ዘይፈለጥኩዎ ጅግና....

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 25 May 2017

እቲ ስሙ ዘይፈለጥኩዎ ጅግና....

ወርሒ ግምቦት ዕለት 25, 2017ዓም ፈረንጂ

Bild könnte enthalten: eine oder mehrere Personen, Personen, die stehen und im FreienBild könnte enthalten: eine oder mehrere Personen

Bild könnte enthalten: eine oder mehrere Personen, im Freien und NaturBild könnte enthalten: eine oder mehrere Personen und im Freien

ድሕሪ 18 ዓመታት ኢና ተራኺብና። “ይዝከረካዶ?” እናተበሃሃልና ብዛዕባ ሰርሒት ፈንቅል፡ ስርሒት ኣውገት፡ ምድምሳስ እዚ ናደው፡ ዛዛሚ ኲናት. . . ኣዕሊልና። ዘኪርና፣ ዝኽሪ ሕሉፍ ተመኩሮ ገድሊ። ብፍላይ ከኣ ኣባላት ዜና ብዛዕባ ዝሰነዱዎ ስእልታት ኣስተንቲንና። ኣብ ቃልዕ ቦታ ኰይኖም፡ ዓይኒ ካሜራኦም ናብ ኣፈሙዝ ታንክ፡ ናብ ኣንፈት ተኹሲ እናኣቕንዑ፡ ነፍሲ- ወከፍ ካልኢት ከይሓለፈት ዘልኣለማዊት ንኽገብሩዋ ዝተሰውኡ ልዕሊ 20 ኣባላት እንዳ ስእሊን ድምጺ ሓፋሽን፡ ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ጀጋኑ ተቓለስቲ ኣብ ሕልናና ደበኽ ኢሎም። ፍጹም ገብራይ፡ ርእሱ ኣድኒኑ፡ ንውሽጢ ክስሕቦ ዝሓሰበ ንብዓት ስዒሩዎ። ዝኽሪን ምድፍናቕን ዝደረኾ ውዑይ ንብዓት ነቢዑ። ኣነ’ውን ስዒበዮ። ስቕታ ሰፊኑ። ካብ ዝኽሩ ክምለስ ተጸብየዮ፣ ኣዕሚቑ ኣስተንፊሱ። ክንዝክሮ እንኽእል ፍጻመታት ኣመና ብዙሕ እዩ። ፍሉይ መራኸቢና ግን፡ ተዘክሮኡ ብዛዕባ ምድምሳስ እዚ ናደው ከዕልለኒ እዩ ዝነበረ። ገለ ካብ’ቲ ብዙሕ ንምዝካር፡ ኣብ ሓሳብ ጠሓለ’ሞ፡ ወግዒ ክጅምር ቅንዕ በለ።

ስርሒት ምድምሳስ እዚ ናደው ንምስናድ፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ሰመረ ሰለሙን፡ ኪዳነ ጽገ፡ ሓሰን ሸሪፍ፡ ኣስመላሽ ኣብርሃ፡ ተኽልዝጊ ዑቕባሚካኤል (ወዲ ፈረጅ)፡ ስዩም ገብረማርያም፡ ስዩም ጸሃየ፡ ኣማኑኤል ሓድጉ፡ መሓሪ ስልጣንን ካልኦትን ብሓባር ተበጊስና። ሓላፊ ክፍሊ ዜና ኣሕመድ ኣልቀይሲ፡ “ኣብ ግንባር ናቕፋ ኣገዳሲ ስራሕ ክህሉ ስለ ዝዀነ፡ መሳርሒታትኩም ጠርኒፍኩም ንናቕፋ ተበገሱ!” ዝብል ተወሳኺ ሓበሬታ ዘይብሉ ሓጺር መግለጺ ገበረልና። እቲ ሓበሬታ ውሱን እንተ ነበረ’ኳ፡ ነቶም ካብ መጽሄት ሳግም፡ ሓርበኛ፡ ድምጺ ሓፋሽን እንዳ ስእሊን ዝብገሱ ዝነበሩ ዓይነት ሰባትን መሳርሒታቶምን ብምርኣይ ግን፡ እቲ ስራሕ ቀሊል ከም ዘይከውን ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኣይነበረን።

ነታ ሓመዳዊት ፒክ-ኣፕ ቶዮታ ዝመርሕ ዝነበረ መንእሰይ፡ ነቲ ተቐልቂልካ ክትጥምቶ ዘፍርሕን ዕውለት ዘኸትለልካን ጥውይዋይ ቁልቁለት ሸንኮለት፡ ከም ንፋስ እናንሃረ ስትይ ኣበሎ። “እምበርዶ እንታይ ጽዒኑ ከም ዘሎ ይርደኦ’ዩ!” በልኩ - ብኣካይዳኡ ስለ ዝተሰከፍኩ።

“ፈሪሕካ ዲኻ?” በለ - ኣብ ጎድነይ ዝነበረ ወዲ ፈረጅ።

“ኣይፈራሕኩን! ዝጽበየና ዘሎ ዕማምን መሳርሒታትናን ኣብ ግምት ኣእትየ እምበር” በልኩ ሓውሲ ግርጭ ኢለ። እታ “ፈሪሕካ ዲኻ?” ዝበላ ቃል ደስ ኣይበለትንን፣ ኣብ ሰውራ፡ ፈሪሕካ ካብ ዝብሉኻ ብኻራ ክሓርዱኻ ስለ ዝምረጽ።

ኣብ ናቕፋ፡ ምስ’ተን ክፍላተ-ሰራዊት ዝጸንሑ፡ ካብ ሰኣልቲ - ዓንደማርያም (ፈንጂ)፡ ሃብቶም በርሀን ኣፈወርቂ ረድኢን፡ ካብ ልኡኻት ድምጺ ሓፋሽ - ሕድሮም ርእሶም፡ ነጋሽ ኣስፋሃን ተኸስተ ገብረመድህንን ተጸንቢሮሙና። ኣባል ድምጺ ሓፋሽ ኪዳነ ጽገ - ጠርናፊ ናይ’ታ ጉጅለ፡ ንዓይ፡ ንሰመረ ሰለሙን፡ ኣስመላሽ ኣብርሃ፡ ኣፈወርቂ ረድኢን ዓንደማርያምን (ፈንጂ)፡ ብወገን ጸጋም ንምብራቕ ናብ ዘዋስን ጎላጉል፡ ምስ ክፍለ-ሰራዊት 85፡ ነቶም ካልኦት ከኣ ብየማን፡ ጸጋምን ማእከልን እናበለ ወዚዑና። ብመሰረት ዝተዋህበና ሓበሬታ፡ መሳርሒታትና ሒዝና፡ ናብ’ታ ዝተወዛዕናላ ክፍለ-ሰራዊት፡ ናብ ስንጭሮታት ኣምሪሕና።

16 መጋቢት፡ ጸሓይ ንጎቦታት ሮራ ሓባብ ገዲፋ ትንቈተሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ፡ ምስ’ታ ክፍለ-ሰራዊት ተጸንበርና። ካሜራይ ቅድሚ ናብ’ቶም ክዳለዉ ሸበድበድ ዝብሉ ዝነበሩ ተጋደልቲ፡ ናብ’ታ ደም ዝመስል ሰርቢ ገዲፋ ትዓርብ ዝነበረት ጸሓይ ኣቕኒዐያ። ‘ጸላኢ ከም’ዛ ትዓርብ ዘላ ጸሓይ ካብ’ዚ ከባቢ ክዓርብ’ዩ፡ ክጠፍእ’ዩ’ ዝብል ትርጉም እናሃብኩ’የ ዝስእል ነይረ። ጸሓይ ንኽትዓርብ ጉዕዞኣ ተቀላጥፍ ስለ ዝነበረት፡ ዓይኒ ካሜራይ ብቕጽበት ናብ’ቶም ዝዳለዉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ጠምዘዝኩ። ነጸላኦም ንዝጠውዩ፡ ዕጥቆም ንዘመዓራርዩ፡ ክልተ ዕንጸይቲ ቆሪጾም ኣብ ማእከሉ ዓለባ ብምግባር ቃሬዛ (ባሬላ) ንዝሰርሑ፡ ሓኽሊ ባዴላን ኣፍራዛን ንዘገጣጥሙ፡ ጫማታቶም ንዝልግቡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ክቐርጽ ጀመርኩ።

እቶም ኣብ ምድላው ዝነበሩ ተጋደልቲ፡ እታ ዝጠውዩዋ ዝነበሩ ነጸላ መግነዚቶም፡ እታ ቃሬዛ፡ እንተ ተሰዊኦም ወይ ተወጊኦም ጸዋሪቶም፡ እታ ኣፍራዛ፡ መኹዓቲት መቓብሮም፡ እታ ባዴላ ከኣ መድበዪቶም ምዃና እናፈለጡ፡ ዘርኣዩዎ ፈንጠዝያን ፍሽኽታን፡ ናብ መርዓ ዝወፍሩ ወፋሮ ይመስሉ ነበሩ። ካብ የማን ናብ ጸጋም እናሰኣልኩ ኣብ ዝመላለሰሉ ዝነበርኩ ግዜ፡ ሓንቲ ቃሬዛ እናሻዕ ኣብ መስኮት ካሜራይ ኣተወት። ስርሓ ስለ ዝፈልጦ፡ ብውሽጠይ “ከመይ ስራሕ ዘይብልኪ ወዓሊ!” እናበልኩ፡ ሸፈፍ ኣቢለ ክሓልፋ እፍትን’ሞ፡ ካልእ ቃሬዛ ኣብ መስኮት ካሜራይ (ፍሬም) እትው ትብለኒ።

ክሳዕ ሎሚ፡ ካብ ኣእምሮይ ዘይትኽወል፡ ምስ’ታ ቃሬዛ ተኣሳሲራ እትኸይድ ሓንቲ ስእሊ ኣላ። እታ ስእሊ፡ እዋን ተዳሎ እየ ቀሪጸያ። ኣብ ክልተ ምዕጉርቱ ሰለስተ ጥባሕ (ሸደሊ) ዝነበራኦ፡ ከደራይን ጎታን ጸጉሪ ርእሲን እዩ። እተን ስሙራት ጸዓዱ ኣስናኑ፡ ካብ ኣእምሮይ ኣይክወላን። ካላሽኑ ካብ መንኮቡ ኣየውረዳን፣ ሓንቲ ቃሬዛ ኣብ ጎድኑ ኣቐሚጡ ጫማኡ ይልግብ ነይሩ። እታ ጫማ ብታሕቲ ሓቒቓ - ለሚጻ - ተወዲኣ፡ ብላዕሊ ከኣ ዝተበጣጠሰት እያ። ገና ነቲ ዝጽበዮ ጉዕዞ ንኸተኺዶ ይለሓሕማ ነይሩ። ብካሜራይ እናቕረብኩን እናርሓቕኩን ስኢለዮ። እታ ሽዳ፡ ካብ ምሒር ምልግጋብ፡ ናይ ቅድም ምስላ ኣበይ ከም ዘሎ ኣሰሩ የለን። ሰናኒዑን ለጋጊቡን ግን፡ ንጽባሒቱ ኣብ ውግእ ክደራገመላ ክውዕል እዩ። እዚ ተዛንዩ ጫማኡ ዘልሕም ዝነበረ ወዲ 20 ዓመት ዝኸውን መንእሰይ፡ ብዛዕባ ሎሚ እምበር ብዛዕባ ጽባሕን ድሕሪኡን ዝጽበዮ ክፉእን ጽቡቕን ፋዕራ የብሉን። ካብ ዝረሰነ ሳንጃን መጋርያን ብዝወጽእ ዝነበረ ትኪ ገጹ ብንብዓት እንተ ተሓጽበ’ኳ፡ ገጹ ግን በርሃው ኢሉ ነይሩ። ብውሕልነት ዝተሰፍየ ዕጥቁ፡ ኣብ መዓንጣኡ ሰጢሙ፡ ጥርሞ ደናግኡ ከኣ ብጋምባሌ ተጠሚሩ ነይሩ። ካብ-ናብ የማን-ጸጋም ዝተወንዘፎ ሸሪጥ ብሬን ድማ፡ ንግርማኡ ግርማ ወሲኹሉ። እቲ መንእሰይ ምልሓም ጫማኡ ወዲኡ ናብ መስርዑ ንኽጽንበር፡ ኣብ ጎድኑ ዝነበረት ቃሬዛ ኣልዒሉ ኣብ መንኮቡ ተሓንጊጡዋ። ቀጥታ ሓፍ ኢሉ ብምብጋስ ከኣ ምስ’ቶም ከይረኸቦም ዝቐነየ ደቂ ቦጦሎኒኡ፡ “ህሌኩም፡ ህሌካ. . .” እናበለ፡ ይሰዓዓም ነይሩ። ምስ ብጾቱ ዘርእዮ ዝነበረ ፍሽኽታ፡ ልብኻ ዝሰልብ እዩ። ኣብ መጨረሽታ፡ ነታ ቃሬዛ ትኽል ኣቢሉ፡ ኣብ መስርዑ ሰሚሩ ገዲፈዮ። ወዮ ደኣ ሰፊሕ ዕማም ይጽበየኒ ነይሩ እምበር፡ ካሜራይ፡ ደድሕሪኡ እናተጓዕዘት ንውዕሎኡ እንተ ትቐርጾ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ታሪኽ ምሰነደት ነይራ።

17 መጋቢት ወጋሕታ፡ ኩሉ ተጋዳላይ ደቂሱሉ ካብ ዝሓደረ ቦታ፡ ናብ ሓንቲ ስንጭሮ ክተኣኻኸብ ጀመረ። መጀመርታ መሬት ኣይበርሀን። ቁሩብ ምስ ወግሐ ግን፡ ብዓይኒ ስእሊ ቅቡል እንተ ዘይኰነ’ኳ፡ ነቲ ህሞት ተመሊሰ ክረኽቦ ስለ ዘይክእል፡ ሓሓሊፈ ኣሳእል ክወስድ ጀሚረ። ስዉእ ዓንደማርያምን - (ፈንጂ) - ኣፈወቂ ረድኢን፡ ካብ ጎድነይ ከይተፈልዩ ብደረቕ ስእሊ፡ ኣገደስቲ ኣሳእል ወሰዱ። እቶም በብኹርናዑ ናብ’ቲ ኣኼባ ዝውሕዙ ዝነበሩ ተጋደልቲ፡ ገለ ይሰዓዓሙ፡ ገለ ይጨራረቑ ነይሮም። እቲ ምስዕዓሞም፡ ገሊኡ ናይ ‘ከመይ ኣለኻ?’ ክኸውን ከሎ፡ ናይ ገለ ግን ‘ናይ ደሓን ኩን’ ወይ ብልሙድ ኣዘራርባ ‘ኣብ ላዕላይ ሰማይ የራኽበና!’ እዩ ዝኸውን። ብኸም’ዚ ኣገባብ ስርሐይ እናሰላሰልኩ ከለኹ፡ ኣብ ሓንቲ ኩርናዕ ኣኼባ ናይ ዝካየደሉ ቦታ፡ ንዓይነይን ሓሳበይን ዝሰረቐ ትርኢት ኣጋጠመኒ። ሓንቲ ጓልን ሓደ ወዲን፡ ኣፍ-ንኣፍ ተወሃሂቦም የዕልሉ ነይሮም። እታ ጓል፡ ነቲ ወዲ ጸብለል ኢላቶ ነይራ። ኣብ ሽምጣ ዓጢቓቶ ዝነበረት ዕጥቂ ኮለይ፡ ንቕርጺ ኣካላታ ኣብ ክልተ ስለ ዝመቐሎ፡ እናሻዕ ንምጥማታ ተወናውን። እቲ በዓል ስራሕ እንግድዓ ጎምበለ’ውን ጥይት ትበስዖ ኣይመስልን። ደስ እንተ ዘይበሎም’ኳ፡ ደጋጊመ ስኢለዮም። ኣብ ምዉቕ ዕላል ከለዉ “ተበገስ!” ስለ ዝተባህለ፡ ነናብ መስርዖም ክኸዱ ከለዉ፡ ከብደይ በሊዖሙኒ። ጸጸኒሖም ግልብጥ ይብሉ’ሞ፡ ዓይኒ ንዓይኒ ይራኸቡ። ደጋጊሞም ብኣእዳዎም ቻው. . .ቻው ይበሃሃሉ። እዞም መንእሰያት፡ ፍቑራት፡ ሓውን ሓፍቲን ወይ’ውን ተረሓሒቖም እንተ ተባህሉ፡ ነዊሕ እዋን ከይተራኸቡ ዝጸንሑ ደቂ ሓትኖ ወይ ደቂ ኣኮ - ኣሞ፡ ወይ መተዓብይቲ፡ ደቂ ሓንቲ ካንቸሎ ወይ ደቂ ሓንቲ ካምቦ ክዀኑ ይኽእሉ። እዞም ተጋደልቲ ናብ ሓያል ውግእ ይብገሱ ብምህላዎም፡ ኣብ’ቲ ውግእ ሓደኦም ወይ ክልተኦም ክስውኡ ይኽእሉ። እቲ ቻው. . .ቻው ምብህሃሎም ከኣ፡ ንሓዋሩ ክኸውን ይኽእል። ስለ ዝዀነ እየ ኸኣ፡ እቶም ዝተረፉ ነቲ ታሪኽ ከዘንትዉ፡ ናይ’ቶም ዝተሰውኡ ከኣ ንታሪኽ ምእንቲ ክኸውን ተጠንቂቐ ዝሰኣልኩ። ስኽፍታ ግን ነይሩኑ - ኣሰኣእላይ ብቑጠባ እዩ። ምኽንያቱ፡ ገና ውግእ ኣይተጀመረን ጥራይ ዘይኰነ፡ ክንደይ ከም ዝወስድ’ውን ኣይፍለጥን’ዩ። ኣብ ውግእ፡ ጥይት፡ ቦምባን መግቢን እንተ ወዲእካ፡ ደድሕረኻ እናሰዓቡ ዝምልኡልካ ኣባላት ዕቃበ ብረትን መጋቦን ኣለዉ። ባትሪን ፊልምን እንተ ወዲእካ ግን፡ ካብ እትምልኦ የብልካን። ሒዘየን ዝነበርኩ ባትሪን ካሴትን፡ ካብ ኣርባዕተ ስለ ዘይበዝሓ፡ ብቑጠባ ሰኣልኩ።

ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 85 ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ)፡ ኣብ ብርኽ ዝበለት ቦታ ኰይኑ ናይ ተበገስ ቃል ንኸስምዕ ደየበ። ኣነ’ውን ካብ’ታ ዝነበራ ዝለዓለት ቦታ መሪጸ ተዳለኹ። እቲ ኣብ ርእሱ ቆቢዕ ዝወደየ፡ ኣጀንዳ ይኹን ወረቐት ዘይሓዘ ኣዛዚ፡ “ዕ. . .ሕ. . .ሕ. . .” ድሕሪ ምባል፡ “ኣጋጣሚ ማይክሮፎን ስለ ዘየለ፡ ንኹሉኹም ከስመዓኩም ኣይክእል’የ። ብዝተኻእለ መጠን ግን፡ ጽን ኢልኩም ክትሰምዑኒ ተስፋ እገብር” ብምባል መደረኡ ፈለመ። ፍጹም ጸጥታ ነገሰ። “ሎሚ ተኣኪብናሉ ዘለና ጉዳይ፡ ዓሰርተ ዓመት ክንረባረበሉ ንዝጸናሕና ግንባር ናቕፋ፡ ኣብ መወዳእታኡ ከነብጽሖ ኢና። ጽባሕ ሓመድ-ድበ ናደው ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኩልና ኣብ መቓብር ናደው ሓሓንቲ እምኒ ክንድርቢ ኢና። ዓወት ንሓፋሽ!” በለ - ብምሉእ ርእሰ-እምነት። ካሜራይ፡ ሓጺርን ገላጺን መልእኽቲ ንዘመሓላልፍ ዝነበረ ውጩን ኣብ ካሴት መደረ ዝቐርጽ ዝነበረ ጋዜጠኛ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣስመላሽ ኣብርሃን፡ ከምኡ’ውን ነቲ መደረ ሰሚዖም ‘ዓወት ንሓፋሽ’ እናበሉ ዝጭድሩ ዝነበሩ ተጋደልቲን ብሓንሳብ ቀሪጻ።

ድሕሪ መደረ፡ ኣብ ሓጹር ተዓጽዮም ዝጸንሑ ኣፍራስ ናብ ውድድር ከም ዝተፈነዉ፡ እቶም ተጋደልቲ ነናብ ዘጥቅዕዎ ድፋዓት ፋሕ በሉ። እቲ ምፍርሻሕ ናብ ውግእ፡ ናብ ሞት ክነሱ፡ ስምዒቶም ግን ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ጋንታኦም ዋንጫ ብምዕታራ ንዘንጸባርቑዎ ሓጎስን ተድላን’ዩ ዝመስል ነይሩ።

ናይ ጸላኢ ክፍለ-ጦራት 19፡ 21፡ 14 ምስ ተደረብቲ ሜካናይዝድ ኣሃዱታት፡ ኣብ ቅድመና ኣብ ዝነበረ ገያጽ ጎቦታት ነይሮም። ‘ናደው እዝ’ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሓይሊ ጸላኢ፡ ደርግ - ‘ሓራ መውጽኢ’ ኢሉ ናይ ዝምካሓሉ ሰራዊቱ ዓቢ ክፋል’ዩ። ዓሰርተታት ዝቑጸራ ተረሓሒቐን ዝተደብያ ታንክታትን መዳፍዕን፡ ከምኡ’ውን ብሰሜንቶን ሓዲድ መንገዲ ባቡርን ዘደልደሎ ዕርድታት ኣለዎ። ምሉእ ጸብለልታ ነፈርቲ’ውን ተወሳኺ ሓይሉ እዩ። ኣብ’ዚ ግንባር’ዚ፡ ኣዘዝቲ ናይ ክልቲኡ ሓይሊታት - ተጋደልቲን ወታሃደራት ደርጊን - ኮፍ ኢሎም ብሓንሳብ ሻሂ ዘይሰትዩ ደኣ ኰይኖም እምበር፡ ብማዕዶ-ማዕዶ ብራድዮ ርክብን ውግእን ጽቡቕ ገይሮም ይፋለጡ እዮም። ብየማናይ ወገን፡ ካብ ኣዘዝቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ‘ዓሊ ኢብሪሂም ኣሎ’ እንተ ድኣ ተባሂሉ፡ ብኣንጻሩ - ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ፡ ጀነራል ውበቱ ጸጋየ ኣሎ። ብጸጋም ‘ገረዝግሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ኣሎ’ እንተ ተባሂሉ፡ ብኣንጻሩ - ‘ጀነራል ታሪኩ ኣሎ’ እናተበሃሃሉ እዮም ንዓሰርተ ዓመት ተረባሪቦም።

ወተሃደራዊ ስነ-ፍልጠት፡ ሚእቲ ሰራዊት ንምጥቃዕ፡ ሰለስተ ሚእቲ ሰራዊት ከም ዘድሊ ይገልጽ። ህዝባዊ ግንባር ግን፡ ብብዝሒ ምስ ሰራዊት ጸላኢ ዝዳረግ ኣይኰነን። ኣብ ርእሲኡ’ውን፡ ጸላኢ ጸብለልታ ሓይሊ ኣየር ኣለዎ። እንተ ዀነ፡ ህ.ግ. ካብ ናይ ፊት-ንፊት መጥቃዕቲ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝፍኖ ናይ ሕቖ መጥቃዕቲ፡ ናይ ድብያን መሓንቖን መጥቃዕቲታት ዘድልዮ ብምንባሩ፡ ሞራል ተጋደልቲ ተወሲኹዎ፡ እቲ ኲናት ኣብ ረብሓ ህዝባዊ ግንባር ከም ዝውዕል ርጉጽ ነይሩ።

ናይ ዕለት 17 ውግእ ብንጉሆኡ እዩ ሰሊጡና። ከም’ቲ ንብጾትና ኣብ ውግእ ዝሰለጦም፡ ንዓይ እውን ብዙሓት ተኣምራታውያን ኣሳእል ክስንድ ኣኽኢሉኒ እዩ። ጉዕዞይ ምስ’ተን ጸረ- ነፈርቲ ዝጸዓና፡ ምስ’ተን ካብ ሰማይ ናብ መሬት እናተነቑታ ቦምባታትን ረሻሻትን ዝፍኑዋ ነፈርቲ ውግእ፡ ምስ’ተን ገጽ-ንገጽ ምስ ታንክታት ጸላኢ ገጢመን ብቦምባ ዝገጫጨባን ንድፋዓት ጸላኢ ዝሰብራን ዝነበራ ታንክታት እናቐያየርካ እዩ ነይሩ። ብማዕዶ ጽቡቕ ኣሳእል ንምውሳድ የኽእለኒ እዩ ዝበልኩዎ ቦታ ስለ ዘማዕደኹ፡ ተጻዒነያ ካብ ዝነበርኩ ረሻሽ ወሪደ ክስእል ጀመርኩ። እቲ ቦታ ስለ ዝመችኣኒ ድማ ግዜ ኣጥፋእኩሉ። ጽዒናትኒ ዝነበረት መኪና ግና፡ ዘታኹሳ ካልእ ምቹእ ቦታ ስለ ዝረኸበት ቦታ ቀየረት። ስእል ጸኒሐ እንተ ተመለስኩ፡ ኣብ ዝገደፍኩዋ ኣይጸንሓትንን። ንኽረኽባ ከኣ ብዙሕ ሃለኽኩ።

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ፡ ናብ ከተማ ኣፍዓበት ክንኣቱ እናተቐራረብና፡ ሓንቲ ብጸይቲ፡ 40 ሚ.ሜ. ጸረ-ነፈርቲ ኣብ ዝጸዓነት ኦራል ኰይና ብራድዮ ክትራኸብ ተዓዚበ። ኣብ ዓሚቝ ቦታ ስለ ዝነበርኩ፡ ምእንቲ ጽቡቕ ስእልታት ክቐርጽ፡ ንኽድይብ ነቲ መራሒ መኪና ፍቓድ ሓተትኩዎ።

“ስማዕ፡ እዘን ነፈርቲ ንዓና፡ ንሕና ኸኣ ንዐአን ኢና ንሸናጐግ ዘለና፣ በጃኻ ከይትልከም ውረድ” በለኒ ብሓልዮት።

“ኣነ’ውን ነታ ነፋሪት ሃሪምኩም ከተውድቑዋ ከለኹም ክስእል እየ ደልየ” በልኩዎ ካሜራይ እናመዓራረኹ። እናተኰሰት ከላ ከኣ ናብ ዝባና ሓዀርኩ። “ዋንጫ ትሰምዓኒዶ ኣለኻ?” እናበለት ብራድዮ ትራኸብ ምስ ዝነበረት ኣልማዝ በርሀ ዝተባህለት ጎርዞ ድማ ገጽ-ንገጽ ተራኸብና። ካሜራይ፡ ቅድሚ ናብ’ተን ዝንቈታን ዝድይባን ዝነበራ ነፈርቲ ውግእ፡ ናብ’ታ ብጸይቲ ኣቕኒዐያ። ምስ ጥይትን ባሩድን ዝውዕል ንእስነትን ጽባቐኣን።

ኣብ 18 መጋቢት፡ ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ናይ’ቲ ውግእ፡ ህዝባዊ ግንባር ብናህሪ ስለ ዝደፍአ፡ ነፈርቲ በብኽልተን በብኣርባዕተን ክዝንብያ ጀመራ። እቲ ጥምጥም፡ ንሰማይ ዝትኩስ ጸረ- ነፈርቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ምስ ንገስጋስ ህዝባዊ ሰራዊት ክዓግታ ዝንቈታን ዝድይባን ዝነበራ ተዋጋእቲ ነፈርቲን ሄሊኮፕተራትን እዩ። ኣብ ቅድመና፡ ድሕረናን ጎድኒናን፡ ከበድቲ ቦምባታት እናዕለባ ብደሮና ዓብለዃና። ንካሜራይ እናሻዕ ካብ ዝዓብጠና ዝነበረ ደሮና ብካምቻይ ክኸድንን ክውልውልን ትዕዘበኒ ዝነበረት ጓል በርሀ “ኣታ ብጻይ፡ እዘን ነፈርቲ ናብ’ዚ ብረትና እየን ኣድሂበን ዘለዋ፡ ዘይትእለ?” በለትኒ።

“ስቕ በሊ በጃኺ! ክሳዕ ሎሚ ነፋሪት ተሃሪማ እናወደቐት ኣብ ምስኣል ኣይተዓወትኩን። ሎሚ ግን፡ ዝሰልጠኒ እዩ ዝመስል. . “ በልኩዋ።

ዘረባይ ከይወዳእኩ ከለኹ ግን፡ ጸረ-ነፈርቲ ክትኩስን እታ ነፋሪት ነቲ ብረት ክትሃርም ትሒታ ክትንቈትን፡ ኣብ መስኮት ካሜራይ ስለ ዝኣተወት ረኸብኩዋ። ነቲ ክልተ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ሓደ ህሞት ብምስኣለይ፡ ካብ ኩሉ ሰብ ዝሓየልኩ ኰይኑ ተሰማዓኒ።

“ወዲ ሸርሙጣ፡ ተሳሒቱ!” በለት ኣልማዝ። ኣብ ዝባና ተሓንጊጣታ ዝነበረት ራድዮ ርክብ እናመዓራረየት። እታ ነፋሪት 50 ሜትሮ ካባና ርሒቓ ቦምባ ደርብያ ንሰማይ ዓረገት። እዚ ኩሉ ሕጭጭታ ነፋሪትን ብርቱዕ ድምጺ ቦምባን እናተሰምዐ ከሎ ግን፡ ኣነ ካብ ምስኣል፡ ኣልማዝ ድማ “ሃለው፡ ሃለው እሰምዓካ ኣለኹ. . .” ካብ ምባል ኣየቋረጽናን።

“ወለድ ከልብ ኣምሊጡ!” በለ እቲ መድፍዓጂ።

“ንሕና ስሒትናዮ፡ ንሱ ኸኣ ስሒቱና!” ወሰኸ እቲ ‘ኣይትድይብን ኢኻ’ ኢሉ ዝተኸራኸረኒ መራሒ ሓይሊ፡ ነታ ትዝንቢ ዝነበረት ሚግ 23 እናቋመተ። “እዚ ወዲ ርግምቲ፡ ንስድራኡ መወጽ ታህሰስ ክማላእ ደልዩ እዩ መስለኒ!” ኢሉ ተጫረቐ ትሒታ ብምዝንባያ ዝተገረመ ሓደ ተጋዳላይ።

እታ ተሰቒለያ ዝነበርኩ 40 ሚ.ሜ. ጸረ-ነፈርቲ ዝጸዓነት መኪና፡ ኣብ ዓሚቝ ቦታ ስለ ዝነበረት፡ ካብኣ ወሪደ ናብ’ተን ኣብ በሪኽ ቦታ ኰይነን፡ ነቲ ዝሃድም ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ዝድብድባ ዝነበራ ታንክታትና ኣምራሕኩ። ኣብ ጉዕዞይ፡ ሓያሎ ውጉኣት ብጾት ኣጓነፉኒ። ንምእላዮም ይኹን ንምስኣሎም ስጉምቲ ኣይወሰድኩን። ሬሳታት ጸላኢ እናጨፋለቐትን ድፋዓት ጸላኢ እናሰባበረትን ትውንጨፍ ዝነበረት ሓንቲ ካብ ታንክታትና ክስእል እናጐየኹ ከለኹ፡ ሓደ ብጻይ፡ ኣብ እግሪ ሓንቲ ቆጥቋጥ ተጸጊዑ፡ “ማይ. . .ማይ. . .” ይብል ነይሩ። ናይ ኲናት ሰኣላይ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ መንጎ ተልእኾኡን ሰብኣዊ ሕቶን ምስ ተቐርቀረ እዩ።

ናብ ከተማ ኣፍዓበት ክንኣቱ መንገዲ ርብዒ ሰዓት ምስ ተረፈና፡ ኣብ በሪኽ ቦታ ደዪበ፡ ይሃድም ንዝነበረ ሰራዊት ደርግ ኣልጊበ ክስእል ጀመርኩ። ግልጽ እንተ በልኩ፡ ሓሙሽተ ተጋደልቲ፡ ስዉእ ኣብ ልዕሊ ቃሬዛ ኣቐሚጦም፡ ጉድጓድ ክኹዕቱ ተዓዘብኩ። ክሳዕ’ዚ እዋን’ዚ፡ ሃንደፍ ኢልና ሬሳ ብጾትና ንስእል እንተ ዘይነበርና’ኳ፡ እቲ ዓወት ውጽኢት ከም’ዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ምዃኑ ንምስናድ ግን፡ ካብ ታንክ ወሪደ፡ ናብ’ቶም ጉድጓድ ዝኹዕቱ ዝነበሩ ብጾት ተጸንበርኩ። ካሜራይ፡ ናብ’ታ ጅግና ክትሓቁፍ ተዳሊያ ዝነበረት ጉድጓድ ኣቕናዕኩዋ። ካብ’ቲ ጉድጓድ፡ ቀስ እናበልኩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቃሬዛ ተጋዲሙ ዝነበረ ስዉእ ሰኣልኩ። ካብ ኣእጋሩ ተበጊሰ ክቐርጾ ጀመርኩ። ኣብ እግሩ ዝነበራ ጫማን ቃሬዛን ምስ ረኣኹ ግን፡ ኣዒንተይ ክጠልማኒ ደለያ። ክስእል ፈቲነ። እናሰኣልኩ ናብ ገጹ ኣቢለ ክድይብ ግን ዓቕሚ ኣይረኸብኩን። ግንባሩ ስለ ዝተሃርመ፡ ገጹ ብደም ተሓጺቡ እዩ። ክንብገስ ከለና፡ ደጋጊመ ዝሰኣልኩወን ዝተለሓሓማ ሽዳን ብኽልተ ዕንጸይቲ ጋባ ዝተሰርሐት ቃሬዛን፡ ድሕሪ 48 ሰዓት ዳግማይ ምስ ዓይኒ ካሜራይ ተራኺበን። እቲ ግሩም መንእሰይ “ሕጂ ኸኣ ተራኺብና!” ክብለኒ ተጸብየ። እቲ ልብኻ ዝሰልብ ፍሽኽታኡን ቁመናኡን ምስኡ ኣይነበረን። “ዲብ ዓውቴ ለትራክበና!” (ኣብ ዓወት የራኽበና) እናበለ ዘልዓለለይ ቀላጽሙ ኣዕሪፈን ነበራ። ድሕሪ መስዋእቲ ናይ’ዚ ለይለይ መንእሰይ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ እዚ ናደው ተደምሲሱ፣ ኣፍዓበት ሓራ ኰይና። ብድሕሪ’ዚ፡ ካሜራይ ነቶም ሰለስተ ኣብ’ቲ ኲናት ዝተማረኹ ሶቭየታውያን ኣማኸርቲን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብጾትና ዝወዓለ ከም በዓል 130 ሚ.ሜ. መድፍዕን ቢ.ኤም ፋሉላትን ዝኣመሰሉ ስትራተጂያውያን ኣጽዋርን ጥራይ እያ ቀሪጻ።

ምንጪ - መጽሓፍ ዝኽርታት ሓመድ-ድበ ናደዉ እዝ ፡

 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events