Dehai

ብደም ዝጨቀውት ጥውያ ነጸላን

Posted by: Hagos Tesfamariam

Date: Tuesday, 20 June 2017

ብደም ዝጨቀውት ጥውያ ነጸላን

 ሒዛቶ ዝኣተወት ሕድሪ ሰማእታትን               

 

ብተስፋማርያም ሓጎስ

 

እቶም ለባማት ወለድና ክምስሉ ፣ ተዋዛያይ እየ ሕቖ ሰበይተይ እናደረዘ ዝዋዘየለይ ግን ኣይፈቱን እየ ይብሉ።

እቲ ሓለንጊ ሰውራ ተመጣጢ እዩ፣ ዘየርክበሉ ኵርናዕ ናይዛ ዘለናያ ዓለም  የለን። ኤርትራውያን ኮይንና ብመንነትና ኮሪዕና ክንነብር ነጻነት ኤርትራ ካብ ጻት ንጻት ዓለምና ክቃላሕ ባንዴራና ኣብ መላእ ዓለም ማዕረ ዓለማ ከተንበልብል ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ( 100,000) ብሉጻት መንእሰያት ኣሕዋትና ኣሓትናን ደሞምን ኣዕጽምቶምን ከስኪሶሙላ እዮም ። ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት በዓል መን ተሳቲፎም ካበየናይ ክሊ ዕድመ ካበየናይ ጾታን ሃይማኖትን ኢልና ንሕተት ወይ ወይ ድማ ነቲ ህያው ታሪኽ ንበርብር እቲ መልሲ ብንጹር ኣብኡ ክጸንሓና እዩ። ነፍሲ ወከፍ ትርብዒት መሬት ኤርትራ ወይ ብሕልናና ወይ ድማ ብኣካል ንብጽሓዮ እሞ ኣብ ፈቐደኡ ዝተጨርሐ ኣእማን ክንርኢ ኢና፣ እንታይ ኮን ይኸውን  ? እቲ መልሱ መቓብር  ጅግና እዩ። ኣብቲ መቓብሩ ወይ ኣብቲ ጭሩሕ ኣእማን ስሙ ስም ኣቦኡ ዕድሜኡ ጾትኡ ዓዱ ብሄሩ ኣውራጅኡ ኣይተጻሕፈን ። ስዉእ ኤርትራዊ/ኤርትራዊት ምዃኑ ጥራይ እዩ ዝሕብረና። ገድሊ እንታይ እዩ ? ዝብላዕ መግቢ ዝባንካ ዝኸድን ክዳን ለይትን ቀትርን ዘይርከቦ ከርፋሕ ናብራ መቝሰልትን መውጋእትን መስዋእትን እትስለመሉ ብጸሓይ ህሮርማ እትልብለበሉ ብቐዝሒ እትሕለበሉ መንብሮ እዩ። ነዚ ዝምነዮ ፍጡር ኣሎ ድዩ ? ንሻን ትረኽበሉ መዓርግ እትወሃበሉ መነባብሮኻ እተመሓይሸሉ ዕስክርና ኣይኮነን። ቦታ ሓሳረ መከራ እዩ። ጀጋኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ግን ሰዊት ዕድሜኦም ንሰውራ ወፍዮም እናቖሰሉን ኣካሎም እና በጀዉን ህይወቶም እናኸፈሉን ፣ ጎሮሮም ብንቑጹ ከብዶም ብጥሙዩ ዝባኖም ብዕሩቑ ምስ ሽሾ ሰራዊት ምስ ሽሾ ዓንገልቱ ስኖም ነኺሶም ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ተሰዊኦም ሃገር ዘረከቡና። ጀጋኑና እንትርፎ ሽሞም ሽም ኣቦኦም ከይሓወሱ እናተጸውዑ ወይ ውን ብሳጓ እናተጸውዑ ኣበይ እዩ ዓድኻ ካበየናይ ኣውራጃ ኢኻ ከይተበሃሃሉ በጃ እዛ ሃገር ሓሊፎም። ታሪኽ ሰውራና ዝሓለፍናዮ መሪር ቃልሲ ዝኸፈልናዮ ረዚን መስዋእቲ ገና ብውዑዩ  እንከሎ ዝፈሰሰ ደም ኣብ ዘይነቐጸሉ ግዜ እኳ ኢና ዘለና ! ሓደ ትውልዲ እኮ ኣይሓለፈን ! ኣብ ዝረገጽናዮ መሬት ኤርትራ እቲ ኣሰር ብድሙቑ እዩ ዘሎ። ኣብ ታሪኽ ዓለምና እኮ ንኽልተ ርእሰ ሓያላን ኣጣሚሩ ስዒሩ ብዓወት መሰስ ዝበለን ህዝባዊ ግንባር ጥራይ እዩ። ኣብ ዘዝረገጽናዮ መሬት ኤርትራ ዝተጨርሐ ኣእማን ንረክብ፣ መቓብር ጅግና እኮዩ

! ኤርትራዊ ስዉእ እምበር ወድዚ ኣውራጃ ወይ ቀቢላ ወድዚ ብሄር ወይ ወዲዚ ሃይማኖት ዝብል ጽሑፍ የብሉን፣ ኤርትራዊ ሰማእት ጥራይ እዩ ዝብል። ይርድኣና ድዩ ? ርዝነቱን ክብሩን ይስቆረና ድዩ ? ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ቃሮራን  ኣብ ሰንዓፈ ዘሎን ኣብ ጎሊጅ ዘሎን ኣብ ባዳ ዘሎን ኤርትራዊ ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ናይ ትምህርትን ሕክምናን ዝስተ ጽሩይ ማይን ክረክብ  እኮዩ ኔሩ! እቲ ናይ ትማል ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ደይኮነን ድሰርሕ ዘሎ። ከምቶም ድሑራትን ብኩላትን መራሕቲ ኣፍሪቃ ዕዳን ዕንዲዳን ኣትዮም ከተማታት ጥራይ ክሃንጹን ዝውዕሉ ዘለዉ ንኸተማ ኣስመራ ማሕ ማሕ ከም እትብል ምግባር ጠፊእዎ ድዩ ? ኣይጠፍኦን ግንከ ዕላምኡ ኣይኮነን። ሎሚ ፋሽን ተቖጺሩ ብወያነን ኣሳሰይቱን ንኸብዶም ዝተዓስቡ ከዳዓት ደቂ ሃገርን ኣብ ፈቐዶ ኵርናዕ ዓለምና ኮይኖም ህግደፍ ከምዚ ገበረ ህግደፍ ቀታሊ ሓራዲ ጎማዲ ዓለም በጃኩም ኣጥፍኡልና፣ ወያነ በጃኹም ሓግዙና ክብሉ ይውዕሉ ኣለዉ። እዚኣቶም መንዮም ? ህግደፍ ማለት እንታይ ምዃኑ ይፈልጡ ድዮም ? ህግደፍ ማለት እኮ ህዝቢ ኤርትራ ማለት እዩ፣ ናይ መን ንዕቀት እዩ ክንድዚ ዓዘፍዘፍ! ኣይፋልኩም ኣይፋልኩም ! ህዝቢ ኤርትራ ዋዛ ከይመስለኩም !  መሬት ሎሚ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝጸንከረቶ እንተመሰለኩም ጽባሕ ከኣ ብቓልሱ መሬት ከውግሓ ምዃኑ ክትርድኡ ኔርኩም። ኣንታ መንእሰይ ንስኻ ደይ ኮንካን ትማል ልኡላውነት ሃገር ኣብ ምዕቃብ ኣብ ጎድኒ ኣያታትካን ኣቦታትካን ጎድኒ ብምስላፍ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ተራእዩ ዘይፈልጥ ጅግንነት ዝፈጽምካ መዘና ኣልቦ ጅግና ብኸመይ ኣብ መጻወድያ ከዳዓት መጋበርያ ጸላኢ ኣቲኻ ነቲ ጅግንነትካ ክትብርዞን ከተበላሽዎን ህዝብኻን መንግስትኻን ከተጸልምን ሃገር ከተዕኑን ኣብ ጎድኒ ጸላኢ ኮይንካ መዝሙር ጸላኢ ክትዝምር ትውዕል ! ነቶም ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዝወደቑ ጀጋኑ መዛኑኻ እንታይ እዋን ረሲዕካዮም ! እስኪ ብዓይነ ሕልናኻ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ዋላ ንሓንቲ ደቒቕ ረኣዮም ! ዝፈሰሰ ደሞም ከይነቐጸ ፍሕት ከይበልካ ክትርስዖምን ክትጠልሞምን ምስ ምንታይ ይቝጸር !

ሕሉፍ ሓሊፍኩም ኣብ መላእ ዓለም ማሕበር ደቂ ሰራየ ማሕበር ደቂ ኣከለጉዛይ እናበልኩም ንህዝቢ ፋሕ ብትን ከተእትውሉ ላዕልን ታሕትን ትብሉ ከም ዘለኹም ንዓና ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። እዚኦም ብወያነን ኣሳሰይቱ ናይ ምዕራብ ሃገራትን ተዓሲቦም ኣጀንዳ ወያነን ዓንገልቱን ንምትግባር ተኸፊልዎም ዝሰርሑ  ዘለዉ ዕሱባት እዮም። እዞም ዕሱባት ኣብ ጥላም ሳእኒ ወያነ ዝተምበርከኹን ዝተዓስቡን ወይለኦም ! እዛ ቅድስቲ ሃገር፣ ሃገር ሰማእት እያ ፣ ነዛ ሃገር እዚኣ ምትንካፍ ማለት ንሰማእታት ኣብቲ ኣዕሪፎሙሉ ዘለዉ ቅዱስ መሬት ምትንካፍ ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ። ንሰማእታትና ምትንካፍ ማለት ንህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ዘይጽወር ብምዃኑ ሴፉን ጉራዴኡን ክመዝዝ ክግደድ እዩ፣ ሽዑ ግን ወይለኡ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሕ ከዳዕ ሸያጥ ሃገር ! ሓንጎልኩም ምሳኹም ኣሎዶ? ህዝቢ ኤርትራ፣ ተጋዳላይ ፣ ዓሌት ሃይማኖት ቀቢላ ከይፈለዩ ስለ ዝተቓለሱ እዮም ኣብዚ ናይ ነጻነት  ዘመን ክንበጽሕ ዝኸኣልና ነጻነትናን ህላውነትናን ክንዕቅብ ዝኸኣልና። ኣበየናይ ክፍለ ዘመን ኢኹም ዘለኹም ? ኣብቲ ዝሓለፍናዮ መሪርን ነዊሕን ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ኣውራጃ ድዩ ዘቃልሰና ኔሩ? ሃይማኖት ድዩ ዘቃልሰና ኔሩ ! ብሄር ድዩ ዘቃልሰና ኔሩ ? ወይሲ ኣብ መሬት ኣከለጉዛይ ደቂ ኣከለጉዛይ ኣብ ሰራየ ደቂ ሰራየ ኣብ ሓማሴን ደቂ ሓማሴን ኣብ ሰምሃር፣ ሰንሒት፣ ሳሕል ፣ ደንካልያ ብተናጸል ዲና ንቃለስ ኔርና ? ሓማሴን ፣ ሰራየ ፣ ኣከለጉዛይ ፣ ሰምሃር ፣ ሰንሒት . . . . .   ወዘተ እኮ ናይ ምምሕዳር ስም እዩ እምበር መንነት ኣይኮነን ! መንነትና ኤርትራዊ እዩ ! ሓማሴን ኣከለጉዛይ ሰራየ. . . . .  ወዘተ ዝብል መንነት ኣብ ኤርትራ የለን ።

ህዝባዊ ግንባር ኣውራጃ ቀቢላ ዓሌት ሃይማኖት ከይፈለየ ኣብ ሓደ  ጥሒኑ ብዝኾነ ይኹን ተጻባኢ ክንቕነቕ ዘይክእል ፍሉይ ዓርሞሽሻዊ ሰባት እኮዩ ፈጢሩ ! እዚ ፍሉይ ፍጥረት  እዚ ሽሙ ተጋዳላይ ስም ኣቦኡ ከኣ ኤርትራ እዩ፣ ካልእ መጸውዒ ኣይነበሮን ። እዚ ፍሉይ ፍጥረት ከኣ እዩ ንናይ ዓለምና ርእሰ  ሓያላን ዝተሓወስዎ ወራራት ደምሲሱ ብኽልተ እግሩ ረጊጹ ሃገር ቀጥ ኣቢሉ ሒዝዋ ዘሎ። ነዚ ነቕ ዘይብል ሓድነትናን ጽንዓትናን ንምስባር ርእሰ ሓያላን ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ተቓሊሶሙና ፣ ንዓንዲ ጽንዓትና ግን ከፍርስዎስ ይትረፍ ክንቕንቕዎ ውን ኣይከኣሉን። ወይጦታት ደኣ ነዚ ከይፈለጥኩም ክሳብ ሎሚ ኣበይ ኔርኩም ? ምስ ወያነ ኮይንኩም ፣ተኸፊልኩም ኣብ ደገ ህዝቢ ፋሕብትን ንምባልን  ሃገር ንምዕናውን  ላዕልን ታሕትን ትብሉ ዘለኹም ከዳዓት ደቂ ሃገር ወይለኹም ! ርእሰ ሓያላን ዓለምና ከጥፍኡና ዘይከኣሉስ በዓል ግለት ያኢ ደለይቲ ፍትሒዶ ተቓወምቲ ዝብል ስም ተጠሚቕኩም  ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ከተፍርሱ ዘይሕለም እዩ ። በዓል ከንቱ መንቶ ንሕና ኤርትራውነትና ክብርናን ሓበንናን እዩ። ኪኖ ኤርትራ ንሓስቦን ንሓልሞን ንሰርሓሉን የሎን። ኤርትራውነትና መንነትናን ክብረትናን እዩ ።

ኣብ ስደት እንጌራ ልማኖ /ምጽወታ እናበላዕካ ስም መንግስቲ ኤርትራ ከተጸልም ምውዓል ጽባሕ ዘሕትት ምዃኑ ፍለጡ ! እቲ ትበልዕዎ ዘለኹም እንጌራ ምጽወታ ናይቲ ዘለኹሞ ሃገር ህዝቢ 16 ሰዓት ለይትን መዓልትን ቅልጽሙ ኣስሚሩ ረሃጹ ኣንጠብጢቡ ዝሃነጾ ሃገርን ቍጠባ ሃገርን እዩ ። እቲ ንሱ ዝኸፍሎ ቀረጽ ድማ ንስኻትኩም ትበልዕዎ ኣለኹም። ኣብ ስደት መጺእኩም ዘይትፈልጥዎ ምስ ፈለጥኩም ሰማይ ዝጨበትኩም ኮይኑ ተሰሚዕኩም ህግደፍ እናበልኩም ከተህተፍትፉ ትውዕሉ ኣለኹም። ስም ተጋዳላይ ምጽላም ብሕጊ ዘሕትት ገበን ምዃኑ ትፈልጡዶ ? ጎይታኹም ወያነ ዝሃበኩም ዕዮ ገዛ ክትፍጽሙ ኣብ ፈቐዶ ኩርናዕ ዓለምና ኮይንኩም ዓንገረር ትብሉ ኣለኹም ፣  ስረ  ኤርትራ ደርቢኹም ስረ ወያነ ተኸዲንኩም ተውቅይዎ እንተልዩ ዘገም እንዳልና ንርኢ ። ሃየ ብግስ በላ እሞ  ጅግና ኤርትራዊ ይጽበየክን እዩ ዘሎ ፣ እንታይ ከም ዝገብረክን ከኣ ክትርእይኣ ኢኽን።

ሎሚ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ሽምዓ ወሊዕና ክንዝክር እንከሎና ኣብ ኣእምሮና ሰማእታትና ጓሎም ወዶም ድቅን  ይብሉና እሞ ባሕሪ ከብድና ከም ማዕበል ውቅያኖስ ይገላበጥ እሞ ማይ ገዲፍና ደም ንነብዕ ፣ኣካላትና ከም ዓሶ ዝሓዘና የንቀጥቅጥ ፣ ኣዒንትና ከም ዛራ ማይ ጃሕጃሕ ይብሉ ገጽና ብንብዓት ይሕጸብ። እቲ ምንታይሲ ኣሕዋትና ኣሓትና ኣዕሩኽትና መሓዙትና ኣያታትና ኣብቲ ዕሸል ዕድሚኦም ህይወቶም ንሃገር ወፍዮም በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ብጅግንነት ዝተሰውኡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ቅጅል ስለ ዝብሉና እዩ። ብናቶም መውጋእትን ስንክልናን መስዋእትን እነሆ ንሕና ሎሚ ነጻ ሃገር ወኒንና ብኤርትራውነትና ኮሪዕና ንነብር ኣለና። እዚ ነቶም ደመኛ ጸላእትናን ዓንገልቶምን ዓንዴል ስለ ዝጠዓሞም ንምጥፋእና ኣይደቀሱን ኣይክድቅሱን ውን እዮም። ጀጋኑና ነዚ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ ሓንቲ ሓደራ ኔራቶም ፣ ሓፋሽ ህዝብና ባሕሪ ንሕና ዓሳ ኮይንና ኢና ንሽሾ ጸላእትና ክንስዕሮም ዝኸኣልና። ንሕና ትሽዓተ ብሄራት ክልተ ሃይማኖት ኣብ ሓደ ተጠርኒፍናን ሰሚርናን ናብ ዓርሞሽሻዊ ሓይሊ ተቐይርና ንጸላእትና ደምሲስና መሬት ከነውግሓን ንኤርትራ ነጻ ከም እነውጽኣን እናኣመንና ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈልናን።  ሓድነትና ሓይልና ምዃኑ ጸላእትና ውን ነዚ ኣዳዕዲዖም ስለ ዝፈልጡ ሓድነትና ንምዝራግ ቅድሚ ሎሚ ተቓሊሶም ፣ሎሚ ይቃለሱ ኣለዉ ንዘንት ዕለት ውን ክቃለሱ ምዃኖም ፈሊጥኩም ሓደራ ሓድነትኩም ኣትርሩ ኢሎሙና እዮም። እዛ ሃገር ብዝረብሑን ዘይረብሑን ከይትድፈር ሓደራ ! ኣለኹልኪ ሃገረይ ዝብል ከም ሓዊ ዝባላዕ ምዑት ጀግና መንእሰይ ፍጠሩ !  ስዉኣትና ኣብቲ ኣዕሪፎሙሉ ዘለዉ ቅዱስ መሬት ከይጉህዩን ዝተረፈ ደሞም ከይጸርርን ነቲ ሕድሮም ከነኽብር ሕድሪ ኣለና ! ዕስራ ሰነ ሽምዓ ወሊዕና ከነኽብራን ክንዝክራን ከለና ፣ ከምቲ እታ ሽምዓ ንርእሳ እናመኸከት ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ብርሃን እትህበና ፣ ጀጋኑ ሰማእታትና ድማ ከም ሽምዓ መኺኾም ንዓና ናይ ነጻነት ብርሃን ከም ዘጎናጸፉና ምዝካር ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ኣብታ ብደም ዝጨቀወት ጥውያ ነጸላ ጌሮም ዘረከቡና ሕድሪ  ከነኽብርን ኣብ ግብሪ ከነውዕልን እንዝክረላን ማሕላና እነሐድሰላን ዕለት እያ።

ነዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ ዘየኽብሩን ሰማእታትና ደይዝክሩን ሕድሪ ሰማእታትና ዘየተግብሩን ናትና ኣይኮኑን ! ብቝልናን ደምናን ኣይኮኑን ! እዚኦም ስጋ ሰማእታት ፍሒሮም ዝበልዑ ብመስዋእቲ ጀጋኑና ዝተረኽበት ሃገር ዳግማይ ናብ ጸላእትና ከረክቡ ዝጓየዩ ረሲኣን እዮም !

ኦ መንእሰይ ኤርትራ ዓይንኻ ኣብ ገንዘብን ኣብ ንዋትን ጥራይ ኣይትጠምት ! ገንዘብ ሒዙ ናብ መቓብር ዝኸደ ሰብ የለን ! ብገንዘብ ካብ ሞት ዘምለጠ የለን ! ሃገረይ በል ! ሃገርካ ማለት ንስኻ ማለት ምዃኑ ኣይትዘንግዕ ! ንዓይነ ሕልኻ ኣይተዕውሮ ! ብህልናኻ ጠምት !  ብሕልናኻ ሕሰብ ! ኣብ ልዕሊ ነብስኻ ኲናት ኣይታኣውጅ ! ንነፍሲ ወከፍ ትርብዒት መሬት ኤርትራ ብዓይነ ሕልናኻ ኩለላ እሞ እቲ መዘና ኣልቦ ጅግንነት ኣሓትካን ኣዴታትካን ኣሕዋትካን  ኣያታትካን ኣቦታትካን  ሰማእታት ዝሓለፍዎ ገድልን መስገድልን  ሰሪሔሞ ዝሓለፉ ጅግነት ኣብቲ መሬት ክጸንሓካ እዩ ! ነዚ ጅግንነታዊ ታሪኽ ንስኻ ኢኻ  ወራሲኡ ! እታ ዝተረከብካያ ብደም ዝጨቀወት ጥውያ ነጸላ ሓጺብካ ኣብ ኣርማድዮ ከተቐምጣ ዝተረከብካያ ከይመስለካ ! ፍትሓያ እሞ ብዓይነ ሕልናኻ ኣተኲርካ ብምራኣይ ኣንብባ ዘርዚርካ ንኽትጽሕፎ ውቅያኖሳት ቀለም ሰማይ ድማ ወረቐት እንተዝኸውን ውን ዘይኣኽሎ ታሪኽ ኣብኣ ኣሎ ። ከመይ ጌርካ ነዚ ረሲዕካ መዝሙር ጸላኢ እናዘመርካ ሃገርካ ከተዕኑን መንግስትኻ ከተጸልምን ትውዕል ! ቅድሚ ኣርባዓ ዓመት ማዕበል ሰውራ ገሊፉ ንደገ ዝሰንደዎም ጎሓፋት ሎሚ ንዓኻ መጋበርያን መሳፍርቲ ዕሲ ክገብሩኻ ብምንታይ መዕቀኒ  ብምንታይ ርድኢት ተፍቅደሎም ! ብምንታይ መዐቀኒ መዝሙር ወያነ ክትዝምር ትውዕል ? እቲ ናይቶም ጀጋኑ ሰራሕቲ ቅያ ኣያታትካን ኣዴታትካንከ  እንታይ ምስ ኮነካ እዩ።

ኦ መንእሰይ ! ሰማእታትና ዝሞቱ ድዩ መሲሉካ ! ኣለዉ ምሸት ብሕልፊ ወርሓት ግንቦተ ሰነ ናብ ሰማይ እሞ ጠምት ! እቶም እትርእዮም ከዋኽብቲ ኣብ ጎድኒ ነፍሲ ወከፍ ኮኸብ ሓደ ስዉእ/ስውእቲ ኣለዉ። እዚኦም ለይቲ ምስ መዓልቲ እንታይ ንገብር ኣለና ብኣንክሮ ዝርእዩን ሃገር ጸላኢ ከይኣትዋ ዝሕልዉን ሰማእታትና እዮም። እቲ ኣብ ከርሲ መሬት ናይ ሃገር ሰማእታት ዘሎ ኣስከሬኖም ድማ ጸላእትና ናባና ገጾም ትኒዕ ምስ ዝብሉ ከም ካብ መሬት ናብ መሬት ዝውንጨፍ ሚሳል ኮይኑ ዕምሪ ጸላእትና ዘሕጽርን ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ምድረ ገጽ ዘጥፍኦምን እዩ ። ኤርትራ ሃገር ሰማእታት ክንብል ከለና መዓስ ንስለ ዘረባ ኮይኑ።

ኦ መንእሰይ ኤርትራ !

ነታ ኣደ ሓደ/ሓንቲ ንመስዋእት ዝበጀወት ፣ ነታ ኣደ ክልተ በጃ ሃገር ንኽልቲኦም ዝበጀወት ነታ ኣደ ሾመንተ ንሾመንቲኦም ንሃገር ዝወፈየት ፣ ነታ ብዓይንካ ክትርእያ እትክእል ከድካ ረኣያ 1 ነቶም ብዓይንኻ ክትርእዮም ዘይትኽእል ብዓይነ ሕልና ረኣዮም እሞ እንታይ ስምዒት ከም ዝፈጥረልካ ሽዑ ክትርእዮ ኢኻ ። ኣብ ዕለተ ዕስራ ሰነ ነዚኦም ኩሎም ብዓይነ ሕልና ብጽሓዮም ፣ ርዝነት ዝተኸፍለ መስዋእትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዘሕድሮ ስምዒትን ብቐሊሉ ክትግንዘብን ክትርዳእን ትኽእል ኢኻ። ኣንታ መንግስትን ሃገርን ከዲዕካ ንጥኣት ሃገር ኣብ ጎድኒ ጸላኢ ኮይንካ ላዕልን ታሕትን ትብል ዘለኻ ፣ እንታይ ትገብር ከም ዘለኻ ስዉኣትን ደቂ ስዉኣትን ስድራ ስዉኣትን ጽቡቕ ጌሮም ክነግሩኻ እዮም ። ሕልናኻ ጨሪሹ ሞይቱ እንተኾይኑ ደሓን ኩን ገሃነም እሳት ኣፉ ከፊቱ ይቀበልካ ! ሕልናኻ ቅሩብ ፍኒሕኒሕ ይብል እንተልዩ ግን ተመለስ ንመንግስትኻን ህዝብኻን ይቕሬታ ሕተት ነታ ዘድመኻያ ሃገር ክሓሳ።

 

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !!!

ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !!!

ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events