Dehai

ትርጉም ባንዴራና

Posted by: Seele Tesfu

Date: Friday, 23 June 2017


ትርጉም ባንዴራና 

<\Pre>

ሰለስተ ዝሕብራ ቆጽሊ ኣብ ማእከላ

እቲ ቀይሕ ዝፈሰሰ ደምና

እቲ ሰማያዊ ባሕርና ማያትና

እቲ ቀጠልያ ረሃጽና ልምዓትና

እታ ቆጽሊ ወርቂ ማዓድና

ብድምር ብቑጽሪ ሳላሳ ጫንፈራ

ትሕብር ትገልጽ ብረታዊ ገድልና

ውህብቶ ስዉኣት ሰንደቕ ዓላማና

መስትያት መንነት ኩርዓትና ኣርማና 

ምልክት ነጻነት ሕብርና ብዝሕና

ብሕብራ ትልለ ግርማ ነጻነትና

ተምበልብል ብነጻ ኤርትራ’ያ ባዕላ

ኣብቲ ነዊሕ ዘንጊ ኣብ ሰማይ ገዛና

<\Pre>

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events