Date: Sunday, 19 November 2017
ኣብ ህግ ስራሕ እምበር ዘረባ ቦታ የብላን። እዚ ኣካይዳ ንግዚኡ ዝሃሲ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ግና ብዙሕ ንዘረባ ዝግደስ ኣይኮነን። ብደገደገ ዝወጽእ ዘረባ እንተዘይኮይኑ ብዜና ማዕከናት እዚ ንሰርሕ ኣለና ዝብል ምዝራብ ምምካሕ ፈጺሙ የለን። እዘን ሕጂ ነስመራ ንደቀምሓረን መንደፈራን ማይ ክዕድላ ኣብ መስርሕ ዘለዋ ዓበይቲ ዲጋታት ገርገራን ዓዲ ሃሎን ብዙሕ ቃል ከይተዘርበለን ተወዲኤን። ሕጂውን ንኣስታት 40/50 ኪሎሜትራት ማይ ንኣስመራ ከብጽሓ ይስራሕ ኣሎ፣ ግና ኣይተዘርበሉን።
ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝስራሕ ዘለዋ ዓበይቲ ገንእታት ካብተን ዲጋታት ተቀቢለን ኣጻርየን በብዘብኡ ምምሕዳሩን ዘሎ ናይ ሻምብቆ ማይ ብምሕዋስ ንናይ ኣስመራን ደቀምሓረን መንደፈራን ናይ ማይ ሽግር ሓንሳብ መወዳእታን ነበረ ያ ነበረ ክኸውን እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት *ኣብነት ካብ ኖርወይ ከም ዝተወሰደን ምስ ሃገርና ከም ዝሰማማዕ ኮይኑ ይስርሓሉ ከምዘሎን ይፍለጥ። ሕጂውን ከምታ ናይ ኤለክትሪክ ሽግር ኣስመራ ዝፈትሐ ናይ ሕርጊጎ ናይ ሚኢቲ ሚልዮን ዶላር ምስፋሕ፣ እዚውን ክምረቅ ከሎ ጥራሕ ከም ዝዛረበሉ ኣይጠራጠርን። ኣብ ጋሽ ባርካ 2 ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝተሰርሐ ሓደስቲ መዐደሊ ኤለክትሪስቲ ነቁጣታትውን ተወዲኡ ንበዓል ተሰነይን ከባቢኣን ካልኦት ሓውሲ ከተማታት ዓድታትን ናይ 24 ሰዓት መብርሃቲ ክዕድል ምስ ጀመረ እዩ ተሓቢሩ። ብጠቅላላ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ጥራሕ 22 ዓድታት ኣብቲ ዞባ ናይ 24 ሰዓት ጸዓ ረኺበን። 16 ዓድታት ኣብ ዞባ ደቡብ ከም ምሉእ ብምሉእ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ መዐደሊ ብ80 ሚልዮ ይሮ ይስርሓለን ኣሎ።
ንሱ ምስ ተሓበረ እቶም መዕዘምዘምቲ ንኣስመራ ኤለክትርክ ዘይሃብኩም ንጋሽ ባርካ ብምባል እዮም ከዕዘምዝሙ ተራእዮም። ሕጂ ካኣ ኩሉ ተፈቲሑ ጥራሕ ዘይኮነ ቅድሚ ሕጂ ናይ ጎደናታት መብራህቲ ሕጽረት ዝነበሮ ከባቢታት ብናይ ጸሓያዊ መብርሃቲ በሪሁ ርእዮም ምዕዝዛም ኣየቛረጹን። ሕጂውን ናይ ኣስመራን ካልኦትን ማይ ሕጽረት ነበረ ያ ነበረ ንኽገብሩ ኣሽሓት መንእሰያት ለይትን ቀትርን ይርህጹ ኣለው፣ ከም ኩሉ ዝሓለፈ ከምዝዕወቱ ከኣ ጥርጥር የብልናን።
ሕጂውን ንኹሉ ስርሓት ተጸሚምና ብምክያድ ንኩሉ ሽግራት ክንፈትሖ ምዃንና ኣየጠራጥርን። እቶም መዕመመይቲ ግና ስርሖም ክቅጽሉ እዮም። መን ምዃኖም ስለ ንፈልጦም ግና ብዙሕ ኣይንጭነቅን። ከመይሲ ካብ ሃገር የዕመምዮም ወጽዮም ሕጂውን ኣብ ዝኸድዎ ሽሻ እንዳሰሓቡ ይቅጽልዎ ኣለው። ግና ዘረባን ሃለውለውን ዘምጾ ለውጢ ስለዘይብሉ ስራሕና ጥራሕ ንቀጽል።
ነቶም ኣብዚ ክጠቅሶ ዝጸናሕኩ ዓበይቲ ፕሮጀክታትን ካልኦት ብዙሓት ከም ናይ ባጽዕ ፡ ዓሰብ፡ ከርከበት፡ ጋሕቴላይ፡ ባደሚት፡ ፉንኮ፡ ገርሰትን ካልእ ብዙሕ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ንህዝቦም እፎይታን ራህዋን ንምሃብ ዝሰርሑ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ክብረት ክብርን ይግብኦም።