ኣያ ፍስሓ ሃብተ፡ ኣቦ
ደሃይ መርበብ
ኣያ ፍስሓ ኣብ መበል 1939 ኣብ ዓዲ ሞንጎቲ ዞባ ደቡብ ተወልደ። ብግዜ
ዓደይ ዓደይ ብንእሽቱኡ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ምስ ወለዱ ተሰደ። ብትምህርቱ ንፉዕ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፍሉጥ ናይ
ንግዲ ቤት ትምህርቲ (Elite Commercial School) ኣትዩ ብዲፕሎማ ተመረቀ። ገሊኦም መማህርቱ ንዳሕራዩ ኣብ ኢትዮጵያ
ብሚኒስተርነት መዓርግ፡ ገሊኦም ብስነ-ጥበብ ንኣብነት ሎሬት ጸጋየ ገብረመድህን ንቡዙሓት ዓመታት ዘገልገሉ ነበሩ።
ኣያ ፍስሓ ከም ዝገለጸልና፡ ብግዚኡ ንኣብነት
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ንግሆ ኣብ ሓደ ስራሕ ኣትዩ፡ ንጽብሒቱ ኣብ ካልእ ይጅምር ነበረ። ምኽንያቱ ካብቶም ቀዳሞት ምሁራን ብምዃኑ፡
ተደላይነቱ ዕዙዝ ኢዩ ነይሩ። ብድሕሪ’ዚ ከም ሙኩር በዓል ሞያ ናይ
ሕቡራት ሃገራት ዓለም (UNO)፡ ኣብ ኣፍሪቃን፡ ማዕከላይን ርሑቅን
ምስራቅ ኣገልጊሉ። በዚ ዝኣክል ቋንቋታት ዓረብን፡ እብራይስጥን፡ ፈረንሳን ክመልኽ ከኣለ።
ኣብ ተስዓታት ጡረታ ምስ ወጸ፡ ናብ ሃገር ኣሜሪካ
ምስ ስድራ ቤቱ ጓዓዘ። ኣያ ፍስሓ ኣቦ ብዙሓት ቆልዑን፡ፈቃርን፡ ሕያዋይን፡ደንጋጽን ንሽጉር ክረድእ ድሕር ዘይብል ኢዩ ነይሩ።
ልዕሊ ኹሉ ፍሉጥ ዝገብሮ ግና፡ ካብ 1994 ጀሚሩ ኣብ ደሃይ መርበብ
ብዘቅርቦም ዝነበረ ጽሑፋትን፡ ርእዮታትን፡ ተግሳጽን ኢዩ። ብኣጻሓሕፋ እንግሊዙ ብዘመልክት፡ ኣዝዩ ዘንበበን ዝተመራመረን ኢዩ ዝመስል።
ወትሩ ዝመጾ ዝጽሕፍ ግሉጹን፡ ሓቀኛን፡ ሽፍንፍን ዝጸልእን ኣመዛዚኑ
ብምስትውዓል ዝመላለስ ነበረ። በዚ ምኽንያት ኣብ ደሃይ መርበብ ዘይምቅዳው ምስ ዝለዓል፡ ከም ሞንጎኛ ኰይኑ የገላግል ነበረ።
ካብ ኩሉ ፍቱው ዝገብሮ ግና፡ ዕድመ ብዘየገድስ
ንኹሎም ኣባላት ደሃይ ዝቀባበልን፡ ዝሰምዕን፡ ዘኽብርን ስለ ዝነበረ ኢዩ። ብሕልፊ ንመንእሰያት። እዚ ዝስዕብ ክጥቀስ ይከኣል፡-
“I am glad that my generation is
disappearing with our ‘village-based” ignorant mentalities. You, the lucky
young generation, not contaminated with our virus of foolishness, have
impressed me with your civil discussions and cordial addresses to each other
this week.”
እዚ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ኣብ ተዘክሮታተይ ዝተመርኮሰ
ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ግና ብዛዕባ ኣያ ፍስሓ ዝተዓቀቡ መዛግብቲ ደሃይ (archives) ምውካስ ይከኣል።
ምንም ኣያ ፍስሓ ብስጋ ይፈለየና፡ ብመንፈስን
ብሕልናን ግና ምሳና ኢዩ።
ጽንዓት ንስድራ ቤትን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ
ይኹን።
ሃይለ ቦኹረ