Dehai

ኤርትራዊ መንነትና ምዕቃብን ምኽባርን ኣብ ስደት

Posted by: Tesfa Gebremedhin

Date: Wednesday, 18 April 2018

Attachment: an article for posting. Thanks.

ኤርትራዊ መንነትና ምዕቃብ ባር ኣብ ስደት

ብእንግሊዝኛ ደራሲ / ተስፋ ገብረመድህን 

ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፣  መምህር ተኽለ ስብሃቱ ተስፉ

ሃገራዊ መንነትና መቐጸልታ ናይቲ ካብ ጥንቲ ኣባሕጎታትናን ኣቦታትናን እናተወራረሰን እናተዓቀበን ዝመጸ መበቆላዊ ሰረትና ኮይኑ፣ዝልለየሉ ከኣ ኣብ ውሱናት ክፋል ናይ ህዝቢ ወይ ሃገር፣ናይ ገዛእ ርእሳ ታሪኽ፣ቋንቋ፣ልማድ፣ወይ ማሕበራዊ ልምድን ባህላዊ ውርሻን ዘለዋ ኢዩ።ዝእምቶ ከኣ ንክፋል ናይ ሓደ ኣገባብ ኣተሓሳስባ፣ኣቓልቦታት፣ስምዒታት፣ጠባይን ግቡእነትን ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ሰባት ካብቲ ማሕበራዊ ኣባልነት ወይ ምትእስሳር ናብ ህዝብኻ ዝምዕብል ኢዩ።መን ምዃና ወይ ክሳብ ክንደይ ልዑላት ኢና ብዘየገድስ፣ወይ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዘይንሓስብ ምስ እንኸውን፡ዝምድናን ምትእስሳርን ምስ ህዝብና ብጽቡቕ መሰረት ክቕጽል ከም ፍጡራት ሰባት ንህላዌና ኣጸጋሚ ኢዩ።

 

ልዑል ኣምላኽ  ክፈጥረና ከሎ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ንሓድሕድና ጥቡቕን ዓሚቕን ዝምድና ክህልወና ከም ዘለዎ ጌሩ ኢዩ ፈጢሩና።ስለዚ ነብሲ-ወከፍና ምስቲ ከማና ናይ ኤርትራ መንነት ዘለዎ ህዝብና ጥቡቕ ርክብ ክህልወና ይድለ።ምስ ህዝብና ጥቡቕ ርክብ ወይ ድልዱል ማሕበራዊ ዝምድና ምስ ዘይህልወና፣ኣብ ውሽጥና ናይ ነብሰ-ተኣማንነት፣ክብሪ ዘይምህላው ወይ ምጥርጣር፡ምድንጋር፣ዘይርጉእነት ዝመሰሉ ኣብ ህይወትና ወሰንቲ ዝኾኑ ስምዒታት ክምዕብሉ ይኽእሉ። እምበኣር ነዛ ኣገዳሲትን  ልዑል ማሕበራዊ ክብሪ ዘለዋንምኽባር ወይ ምዕቃብ ኤርትራዊ መንነትናእትገልጽ ታሪኽ ናይ ሓደ ጫቝት(ሕጻን) ንስሪ ኣብ መንጎ ጨቓዊት ደርሁ ዝዓበየ ብጽሞና ንከታተል። ሓደ ግዜ ሓንቲ ሰፈር ጭሩ ሓደ ጫቝት ንስሪ ዝሓዘት ኣብ ሓደ እምባ ኣብ ዝነበረት ኦም ነበረት።እታ ኣደ ናይቲ ጫቝት ንስሪ መግቢ ክትምእርር ምስ ከደት ሓደ መዓልቲ ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ነቲ እምባ ምስ ኣናውጾ፣እታ ነቲ ጫቝት ንስሪ ዝሓዘት ሰፈር-ጭሩ ወዲቓ ኣንከራርያ ኣብቲ ትሕቲ እምባ ዘነበረ ናይ ደርሁ ምፍራይ ሕርሻ ዓለበት።እቲ ሕጻን ንስሪ፣ክነፍር ስለ ዘይክእል፣ካብታ ሰፈሩ ኣንከራርዩ ብሰላም ኣብ ምድሪ ዓለበ።ብዕድል ሓደ መፍርይ ደርሁ ሓረስታይ ረኺቡ ምስ ጨቓዊት ደርሁኡ ሓወሶ።እተን ደርሁውን ከም ኣካለን ብምውሳድ ብጽቡቕ ተኸናኸናኦን ሓብሓብኦን።እቲ ጫቝት ንስሪ በብቑሩብ ካብተን ደርሁ እናቐድሐ፣ካብ ባይታ ጻሕቲርካ ከም ሓሳኹን ካልእ መግብን ከም ዝርከብ ተማህረ።እተን ደርሁ ዝገብርኦ ኩሉ እናገበረ ድማ ደርሆ ኢየ ብዝብል ኣተሓሳስባ ኣሚኑ ምሳኣተን ዓበየ። ክትዕዘቦ ዘደንቕ ግን ሓደ ንስሪ ኣብ መንጎ ደርሁ ጥረ-ምረ ካብ መሬት እናለቐመ፣ተግባራት ደርሁ ኩሉ እናገበረ ክነብር ክትርኢ ኢዩ።እቲ ሕጻን ንስሪ ነታ ሓዳስ ቤቱን ስድርኡን ኣዚዩ እንተፈተዎም፣መንፈሱ ግን ካብ ደርሆ ኮንካ ምንባር፣መንነቱ ንምርካብ ብውሽቱ ስቅያት ይስመዖ ነበረ።

 

ሓደ መዓልቲ እቲ ንስሪ ንሰማይ ቋሕ እንተበለ ጉጅለ ናይ ዓበይቲ ንስርታት ክዝንብዩ ተዓዘበ ብድፍኢት ስምዒቱ ብኣድናቖት !! ኣነውን ከምዞም ኣዕዋፍ እዚኦም ክነፍር ምኸኣልኩ በለ።እተን ደርሁ ግን ብሰሓቕ ኣባጨዋኦ፣ደርሆ ስለ ዝኾንካ ከምቶም ኣብ ሰማይ እትርእዮም ዘሎኻ ክትነፍርን ኣብ ሰማይ ክትዝንብን ኣይትኽእልን ኢኻ በላኦ።እቲ ሕጻን ንስሪ ግን ሓደ መዓልቲ ከምቶም ኣዕዋፍ ክነፍር ከም ዝኽእል ካብ ሕልሙ ኣየቋረጸን።ኣብ ህይወቱ ንመጀመርያ ግዜ ከምቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኣዕዋፍ ንኽነፍር ክፍትን ብምሕሳብ፣ናብቲ ጫፍ መካበብያ ሓጹር ናይ ሕርሻ ቦታ ብምሕኳር ዘይዕዉት ናይ ምንፋር ፈተነ ኣካየደ።ክነፍር ከም ዘይክእል ተስፋ ብምቑራጽ እቲ ሕጻን ንስሪ ከምተን መታዓብይቱ ደርሁ ጻሕቲሩ መግቡ ክምእርር ናብተን ደርሁ ተመልሰ።ናብቲ ናይ ቅድም ናብራኡ ከምተን ደርሁ መሲሉ ክነብር ምቕጻሉ ግን ዘሕዝን ነበረ።እቲ ሕጻን ንስሪ ንውሱን ግዜ ናይ ምንፋር ሕልሙ ጠጠው ኣቢሉ ከም ደርሆ ናብራኡ ክመርሕ እንተ ጀመረ፣ሓደ መዓልቲ ካብቲ ኣዚዩ ዘደንጸዎን ኣቓልቦኡ ዝሰሓቦን ሓደ ዓቢ ንስሪ ኣብ ልዕል መፍረይ ደርሁ ናይ ሕርሻ ቦታ ክዝንቢ ምስ ረኣየ ብምድናቕ እንታይ ዓይነት ዝተባረኸን ነጻን ሓያልን እንስሳ ኢዩ በለ።ቀጺሉ ንሓንቲ ደርሆ እዚ እንታይ ዓይነት እንስሳ ኢዩ ኢሉ ሓተታ።እታ ደርሆ እዚ ንስሪ ይበሃል በለቶ፣ቀጺላ ንስኻ ክምኡ ክትነፍር ስለ ዘይትኽእል ብዛዕባኡ ኣይትገደስ ብምባል ተስፋ ዘቑርስ መልሲ ሃበቶ።እተን ደርሁ ሽሕ ናይ ምንፋር ሕልሙ ከም ዘይትግበር ብተደጋጋሚ ተስፋ የቑርጻኦ እንተ ነበራ፣እቲ ሕጻን ንስሪ ግን ኩሉ ግዜ ሓሳቡን ሕልሙን ብዛዕባ ምንፋር ነበረ።ሕልሙ ክዉን ንምግባር ድማ ደጊሙ ናይ ምንፋር ፈተነ ክገብር ውሳኔ ገበረ።ኣካል ናይ ሰማይ እምበር ናይ መሬት ከም ዘይኮነ ብምምሃርን ብምፍላጥን ንካልኣይ ግዜ ክነፍር ብምውሳን መንገብገቡ ዘርጊሑ ክነፍር ተዳለወ።ብድሕር እቲ ንስሪ ኣካላቱ ዘራግሐ(ኣማሞቐ) ነቲ ግዙፍ መንገብገቡ ብምዝርጋሕ ኣብ መጀመርያ ቀስ ኢሉ ብምንግብጋብ(ገብገብ ብምባል) ኣንቀሳቐሰን፣ቀጺሉ ብዘተኣማምን ሓይሊ ናብ ሰማይ ገጹ ናብታ ብርህቲ ጸሓይ ተወርወረ።ምስቲ ዘደንቕ ሓያል ድምጺ ንስሪ ንጉስ ሰማይ ንምዃን ምስ ነፈረ ናብ ናብራ ደርሁ ከይተመልሰ ምስ ጉጅልኡ ጉጅለ ንስሪ ብምሕዋስ ጥጡሕ ናብራ ኣሕለፈ።

 

ካብዚ ኣብነታዊ ታሪኽ እንቐስሞ ወይ እንመሃሮ ነገር እምበኣር፣ንሕናውን ከም ህዝብን ሃገርን መጠን ከምዛ ሕጻን ንስሪ መንነትና ንምፍላጥን ንምውሓስን ብብግዜኡ ክንታባባዕ ኣሎና።ብፍላይ ነብሰ-ምጥርጣር ወይ ድኽመት ወይ ጥፈሻ ናይ መንነት ክስመዓና ክጅምር ከሎ።ነዚ ብኣጋኡ ተረዲእና ስጉምቲ እንተ ዘይተወሲዱሉ፣እዚ ናይ ነብሰ-ዘይምትእምማን ስምዒት፣ነቲ ኤርትራዊ መንነትና ንምኽባር ኽንጭብጥ ዘሎና ሕልሚ ከፍዝዞ ኢዩ።ንቕሓት እንታይነትና፣ንምህናጽ መንነትና ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ሳሙኤል ስማይልስ ዝበሃል ደራሲነብስኻ ምኽባር፣እቲ ዝኸበረ ክዳን ሰብ ንሰብነቱ ዝሽፍነሉ፣ስምዒቱ ኣለዓዒሉ ንኣእምሮኡ ኣነቓቒሑ ትብዓት ዝህብ ኢዩይብል። ታሪኽ ናይ ሕጻን ንስሪ ከም ዝሕብሮ፣ ንሱ ኣካል ስድራ-ቤት ናይተን ደርሁ ከም ዘይኮነ ብምግንዛብ ናይተን ዝነፍራ ኣዕዋፍ(ንስሪ) ናይ ሓሳብ ምርኮኛ ኢዩ ነይሩ።ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ሰማያዊ ሰማይ ዝነፍር ንስሪ ምስ ረኣየ፡ንሱውን ከም ዝነፍር ብመንፈሱ ተታባቢዑ ናብቲ ሓቀኛ ስድራ-ቤቱ ተጸንበረ። ዘረባ ናይተን ደርሁ ከይሰምዐ፣ኣብቲ ክኸውን ኣሎኒ ኢሉ ዝኣመነሉ ጸኒዑ ስለ ዝተጓዕዘ ድማ ንሕልሙ ግሁድ ገበረ።

 

 እምበኣር ኣብ ስደት ንዘለዉ ኤርትራዊያን መንእሰያት ወይ ሕጻናት፣ዋላ ሓደ ዓይነት ዕድል ኣይኹን ከምቲ ሕጻን ንስሪ ተመሳሳሊ ኩነታት ኢዩ ዘጋጥሞም ዘሎ።ኤርትራዊያን ብዝለዓለ ቁጽሪ ናብ ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ፣ኣሜሪካ፣ካናዳን ኣውስትራልያን ይስደዱ ኣለዉ።ዝበዝሑ ደቅና ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ዝተፋላለዩ ባህልታትን ማሕበራዊ ክብርታትን ይውለዱን ይዓብዩን።ኣበየናይ ክፍሊ ዓለም ንነብር ብዘየገድስ እቲ ዘይተርፍ ኣብ ደቅና ዘጋጥም ኩነት ማለት ምስቶም ዝተፋላለየ ሃገራዊ መንነት ዘለዎም ህዝቢ ሓድሕዳዊ ምፍጽጻም(ምትሕንፋጽ)ተግባራት ከም ዝህሉ ናይ ግድን ኢዩ።ኣብዚ ግን ንናይ ኤርትራዊ መንነትና ዘኹርዕ ነቲ ዘሎና ፍሉይ ባህልን ታሪኽን ክንዕቅቦ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ።ዝኾነ ኮይኑ ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ መበቆላዊ መንነትና ከም ኤርትራዊያን መጠን ኣብ መንእሰያት ወለዶ ደቅና እናተበረዘ ይጠፍእ ኣሎ።ኣብዚ እዋን ከም ልሙድ ትዕዝብቲ ዝረኤ ዘሎ ደቅና ንሓደ ወይ ንሓንቲ ኤርትራዊ/ዊት ዘይኮኑ ምምርዓው ኢዩ።እቶም ካብኣቶም ዝውለዱ ሕጻናት ደቂ-ደቅና ድማ ናይ ኤርትራዊ  መንነቶም  ምርካብ ዘራጋግጽ ኣይኮነን።ብወገን መንእሰያትና ዝቐርብ ቅቡል ሓሳባት ኣሎ ንሱ ከኣ፣ ንሕና መንእሰያት እንራኸበሉን ተኣኪብና ማሕበራዊ ዝምድና እነማዕብለሉን ማሕበረ-ሰባዊ(ኮማዊ) ማእከል ወለዲ ክምስርቱ ወይ ከጣጥሑልና ኣይከኣሉን ዝብል ኢዩ።ከምቲ ሕጻን ንስሪ  ከም ደርሆ ዘይኮነ ከም ንስሪ ናይ ምዃን ልዑል መንፈስ ዝነበሮ፣መንእሰያት ኤርትራዊያን ደቅናውን ኤርትራዊያን ኢና ዝብል ሓያል መንፈስ ከማዕብሉ ኣለዎም። ንደቅና ከም ኣብነታዊ ሞደል ክንኮኖም ካብ ክቡር ግዜና ሓጺር ግዜ ምስ ደቅና እንተድኣ ኣሕሊፍና ሓንቲ ክልኢት ትኹን ደቒቕ  ህይወቶም ኣብ ምህናጽ ግደ ኣለዋ።

 

 ንኣብነት ቻይናዊያን ናብ ከተማ ሞርጋን ምዕራብ ቪርጂንያ ክመጹ ዝጀመሩ ቅድሚ ውሑድ ዓመታት ኢዮም።ኣብ ሓጺር ግዜ ግን ናይ ገዛእ ርእሶም ሓያል ዝኾነ ማሕበረ-ሰብ ክምስርቱ ክኢሎም።ኣብታ ከተማ ዝቕመጡ ኩሎም ቻይናዊያን ንጡፋት ኣባላት ናይቲ ማሕበረ-ሰቦም ኢዮም።ንደቆም ቋንቋ ዓዶም ይምህርዎም፣ብዛዕባ መንነታዊ መበቆሎም፣ባህላዊ ውርሻኦምን ልምዳዊ ክብርታቶምን ከም ዝፈልጡ ይገብርዎም።ኣብቲ ከተማ ዝቕመጡ ቻይናዊያን ናይ ገዛእ ርእሶም ቆልዑ ይሃልዉዎም ኣይሃልውዎም ብዘየገድስ ኩሎም ኣብቲ ዝግበር ናይቲ ማሕበረ-ሰብ ንጥፈታት ይካፈሉ።ስለዚ እዞም ኣብዚ ከተማ ኣብዚ ማሕበረ-ሰብ ዝዓብዩ ዘለዉ ቻይናዊያን ሕጻናት ወይ መንእሰያት ልክዕ ከምቶም ኣብ ውሽጢ ዓዶም ብባህሎም እናተኾስኮሱ ዝዓብዩ ዘለዉ ቻይናዊያን፣ብዘይተፈልየ ኣገባብ ይዓብዩ ኣለዉ። ኣብ ካልኦት ሕብረተሰብ ከም በዓል ኮርያ፡ህንዲን ካልእን እንተ ተዓዘብናውን ብዛዕባ ዕቃቤን ኣከባብራን መበቆላዊ መንነቶምን ባህላዊ ውርሻኦምን ዘሎ ሓቅታት ኣዚዩ ዝምስገን ኢዩ። እንተድኣ ቻይናዊያን፡ህንዳዊያን፡ኮርያዊያንን ካልኦትን መንነቶምን ባህላዊ ውርሻኦምን ብጽኑዕ ዝዕቅቡ ኮይኖም፣ብተመሳሳሊ መንገዲ ንሕና ኤርትራዊያን ኣብ ስደት ዘሎና ብዘይ ገለ ምኽንያት ስለ ምንታይ ናትና ክንዕቅብ ዘይንኽእል?  እምበኣር ብዛዕባ ኣብ መንጎና ክህሉ ዝግበኦ ሓድሕዳዊ ዝምድናን ርኽክባትን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ የድልየና ኣሎ።

 

 ኣብ ብጫካ ዝተዋሕጠ ናይ ህይወት ናብራ፣ብዘይ መንነታዊ ስምዒት ህይወት ትርጉም የብላን።ስለዚ ንሕና እቶም ዓበይቲ ትውልዲ ደቅና ንምንቃሕ ተኣኪብና ምስራሕ የድልየና ኣሎ።ንሱ ከኣ ንደቅና ናብ ናይ ኤርትራዊያን ኮማዊ ማእከል ወይ ሃይማኖታዊ ትካላት ወይ ባህላዊ ውርሻን ሃገራዊ መንነትን ዘንጸባርቕ መደብ ብምድላው እናምጻእና ብዛዕባ ሃገራዊ መንነቶም ከነፍልጦም ኣሎና ኩሎም ኤርትራዊያን ምሁራትን ሞያዊያንን እውን እታ ቀዳመይትን ኣገዳሲትን ስጉምቲ ሕጂ ክወስድዋ ዝግበኦም ንመንእሰያት ተካእቶም ኣርኣያ ብምዃን እጃሞም ምብርካትያ።ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዘጋጥም ነገራት ንስምዒትና ዝትንክፍ ምዃኑ ምፍላጡ ኣገዳሲ ኢዩ።በዚ ምኽንያት ከኣ ኢዩ ንመንነትና ብክንክን ዓቂብና ኣብ ማሕበራዊ ዝምድና ህዝብና ክትቅጽል ዝድለ።ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ዝመስል ኣገዳሲ ዘይኮነ ርክባት ኣብ ስምዒት ናይ መን ምዃና ኣገዳሲ ሳዕቤን ኣለዎ።     ርእሰ-መንነትና(ንሰብነትና ብከመይ ንርእያ) ንማሕበራዊ መንነትና (ካልኦት ከመይ ይርእዩና) በቲ ኣብ ከባቢና ዘጋጥም ኩነታት፣ክብርኽ ወይ ክረጋገጽ ወይ ክዳኸም ይኽእል።ስለዚ ኣብ ኣከባቢና ጠቓሚ ወይ ሓጋዚ ዝኾነ ጥጡሕ ባይታ ንመንእሰያት ወለዶ ምፍጣር፣ኣብ መንጎኦም ዝምድና ንምህብታም ኣገዳሲ ኢዩ።ኣብ ማሕበራዊ ሓድሕዳዊ ምፍጽጻማት ሓድነትናን ውሕደትናን ከም ኤርትራዊያን መጠን ክሕይልን ውሕስነት ዘለዎን ክኸውን ይኸልዩ፣እንተድኣ ንኤርትራዊ መንነትና ብዕምቆት ኣኽቢርናን ኣሐይልናን ኣብ ሕብረተ-ሰብና ድማ ስምምዕን ሰላምን ከም ዝሰፍን ጌርና።ብሩህ ከም ዝኾነ ከምቲ ንስሪ፣ንስሪ እምበር ካልእ ክኸውን ዘይኽእል ከመኡውን ኤርትራዊ፣ኤርትራዊ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።ንኤርትራዊ መንነትናን ባዕልናን እንተ ዘይኣኽቢርናን ዓቂብናን ብኽንክን እንተ ዘይሒዝናን ካልእ ዋላ ሓደ ዘኽብረና ክህሉ ኣይክህሉን ኢዩ።

 

   

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events