Dehai

ኣሰይ! ኣሳይ! ኮይኑ ተሓምበለ ይብሃል ኣሎ እንኳዕ ተጋደለ

Posted by: Tesfamicael Yohannes

Date: Saturday, 26 May 2018

ኣሰይ! ኣሰይ! ኮይኑ ተሓምበለ

ይብሃል ኣሎ እንኳዕ ተጋደለ


 ትዝክሩዶ ኣብ ግዜ መግዛእቲ

ጸሎት ክግበር ለይቲ ምስ መዓልቲ

ወፊሮም ከኣትዉ ምዑታት ተጋደልቲ

     ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓጠቐሉ

     ዓብይ ምስ ንኡሽተይ ዝተሳተፈሉ

      ኩሉ ብሓባር ኡኮዩ ተሰዊኢሉ

ሕዝብና ዝብላ ዝነበረ

ሕጂ ምልስ ኢለ ኣንተዘኪረ

ነቲ ኹሉ ጸገመ መረረ

     መን ዘይለመነ ንሉዕል ፈጣሪ

     ክሓጽር ናይ መግዛእቲ ዕምሪ

መን ዘይበለ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ

ነጻነት ክሪኢ ቅድሚ ሞት መቕዘፍቲ

    ድሕሪ መስገደል ዓቐበት ቁልቁለት

    ሳላ ተጋደልቲ ነጻነት ተረኽበት

    መጀመሪያ ምዕራፍ ብኽብሪ ተዓጽወት

 ዳግመ ህነጻ ምትዕሪራይ ህይወት

ካልኣይ ምዕራፍ’ዩ ክመጽእ ቅሳነት 

    ሃገር እንተላ’ዩ ምዕበለ ዝርከብ

    ሃገር እንተላ’ዩ ምህርቲ ዝእከብ

    ሃገር ክትህሉ ነጻነት ይተዓቀብ

ነጻነት ክትዕቀብ ገድሊ ሓቲቱና

ተጻብኦ ስለዝሓየለ ግዜ በልዑልና

ሕጂ ግን እንሆ ንዑዑ ዓጺና

ናብ ሳልሳይ ምዕራፍ ንኣቱ ኣሎና

     ንኹሉ ንርኣዮ በብመድረኹ

      ገረብ ኣይጥጥዕን’ዩ ስሩ እንተቦኽብኹ

ዘይሽሙ እንተሂብናዮ ናይ ገድሊ ታሪኽና

ብርዕና ዘስፍሮ ሕማቕ እንተጽሕፍና

ናይ ባህ ኣይበሎ እንተተዛሪብና

ታሪኽ ኣይምሕርን’ዩ ኢና ተባሂልና

መዓልቲ ኣለዎ ታሪኽ ክፈርደና

    እንሆ ኡኳ ግዚኡ ኣኺሉ

    ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ንኣቱ ኣሎና ተባሂሉ

ኣሰይ! ኣሳይ! ኮይኑ ተሓምበለ

ይብሃል ኣሎ እንኳዕ ተጋደለ

     ኣገናዕ ንበሎ ዘበራበረና

    ብዜማኡ ጌሩ እንኳዕ ተጋደለ ዝበለና

ተዳሂልና ዝነበርና ብሰንኪ ጽዩፋት

  ኣብ ፈቐዶ ኢንተርነት ኣብ ፈቐዶ ፓልቶካት

  ዘይሽሞም ክህብዎም ንኽቡራት ስዉኣት

    ኣሰይ! ኣሳይ! ኮይኑ ተሓምበለ

    ይብሃል ኣሎ እንኳዕ ተጋደለ

 

እንኳዕ ተጋደለ

ተገጥመ ብእንጂነር ተስፋሚካኤል ዮሃንስ

ኦስሎ ኖርወይ

24 መጋቢት 2018


256363-Inqua tegadele.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events