Dehai

( Serawr Information Centre ) ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምድንጋራት ፍልይ ዝበለ ብዝመስል ናይ ኢህወደግ ፈጻሚ ኮሚቲ ናይ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ተቐቢሉ ተግባራዊ ከምዝገብር ገሊጹ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 06 June 2018


2:53
Serawr Research Centre

ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምድንጋራት ፍልይ ዝበለ ብዝመስል ናይ ኢህወደግ ፈጻሚ ኮሚቲ ናይ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ተቐቢሉ ተግባራዊ ከምዝገብር ገሊጹ


ረቡዕ 6 ሰነ 2018 

ናይ ኢህወደግ ፈጻሚ ኮሚቲ ናይ ኣልጀርስ ውዕል ብሙሉኡ ተቐቢሉ ተግባራዊ ክገብሮ ከምዝወሰነ መግለጺ ኣውጽዩ።  ኣብዚ ዝወጸ መግለጺ ካብ ወሪሩ ሒዝዎ ዘሎ መሬት ኤርትራ ከምዝስሕብ ብንጹር ዋላ ተዘይገለጸ፣ ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ንምድንጋር ተባሂሉ ክብሃሉ ዝጸንሑን ግን ፍሉይነት ዘለዎ ይመስል። 

ኣብ 2002 ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ዶብ ምስተዋሃበ፣ ኣክንዲ ነትውዕል ተቐቢሎም ኣብ ተግባር ምውዓል፣ ብሓያላን ሃገራት ተደጊፎም  ብመንገዲ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ንኤርትራ ምብትታን ስትራተጂ ሒዞም ብማእለያ ዘይብሎም ሽርሕታት ተግባራዊ ክገብሮዎ ንዓመታት ክሰርሕሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እቲ ናብ ኤርትራ ዝተሓስበ ናብኦም ተገልቢጡ ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ከምዝኣተዉ ናይ ህልው ታሪኽ እዩ።

ነቲ ናይ 2002 ናይ ኣሁጉራዊ ፍርዲ ምስተዋህበ፣ ወያነ ብሓሶት ሓበሬታ ባድመ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተወሰነት ሂቡ ሳዕስዒትን ፈንጠዝያን ድሕሪ ምግባር፣ ነዊሕ ከይጸነሓ ነቲ ውሳነ ከምዘይቅበሎ መግለጺ ኣውጽዩ።

ብድሕሪ'ዚ ግን ብናይ ምኽሪ ናይ ዓባይ ብርጣንያ፣ ሕጊ ክነጽጉ ስለ ዘየምልከዓሎም ንምድንጋር ዘኽእሎም ቃላት "ብመትከን ተቐቢናዮ"  ኢሎም መግለጺ ከምዘውጹ ጌሮም። ብድሕ'ዚ ንዓመታት ብሓሙሽተ ነጥቢ ፕላን ዝብልዎ ጀሚርካ ብድሕሪኡ ድማ ዘተ ውይ "ዳያሎግ" ዝብልዎ መነውራታት እንዳምጹ ኣህጉራዊ ፍርዲ ጥሒሶም ከብቅዑ፣ ንነብሶም ከም ደልይቲ ሰላም ንኤርትራ ሰላም ከምዘይትደሊ ጸወታት ክጻወቱ ጸኒሖም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብሳላ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራን፣ ስትራተጂካዊ ኣተሓሕዛ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ናይዚ ከቢድ ቓልሲ፥ ንምንጻልን ኤርትራ ካብ ዓለምን፣ ኩሉ ዝወረደ እገዳታትን፣ ናይ ፖለቲካን፣ ቁጠባዊን፣ ማሕበራውን ሽርሕታት፣ በርዒኑ ተሪፉ። 

ብእንጻሩ ናይ ወያነ ስትራተጅካዊ ጌጋትትን ብኣንጻሩ ዝተኻየደ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቓልሲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፣  ናይ ወያነ ፖሊሲታትን ሓሳባትን ተነጺጎም ኩሉ ጸወታት ኣብ ዘብቅዓሉ ደረጃ በጺሑ። ሕጂውን ተኾነ ወያነ ንቲ ዘይተርፍ ውጽኢት ክቕይሮ ዝኽእል እንተዘይኮነ፣ ታሪኽን ባህርያትን ወያነ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ መስርሕ ንምዕንቃፉ ኣይፍትንን ኢልካ ንምድምዳም ዝከኣል ኣይኮነን።

እዚ ሕጂ ናይ ኢህወደግ ፈጻሚ ኮሚተ ዝብሎ ዘሎ ካብ መሬት ኤርትራ ወጽዮም ነቲ ኣህጉራዊ ውዕል ብሙሉእ ተተግሮሞ፣ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላም ሂወቶም ዝመርሕሉን ናይ ኩሉ ጸላኢ ዝኾነ ድኽነት ንኸጥፍኡ ማዕጾ ዘርሕውን እዩ።





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events