Dehai

*** ዓለም ዓይንኹም ትብራህ *** ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ) ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Tuesday, 10 July 2018

</h5>*** ዓለም ዓይንኹም ትብራህ ***</h5>
<pre>
ጓል ዛ ፕላኔት ጓልዛ ምድሪ  
ደልየ ቀቢየያ ሃየ ኣዳልዩኒ
ሓምሳታት ቑጺራ  ደሃያ ስኢነ
ኣበይ ኮን ትህሉ በይነይ እኮ ኮይነ

        ፍጡራ ክንሰይ ብኣይ ዘይትሓምም
ከምዛ ዘይትብጽሓኒ መሲልዋዶ ዘሕለምልም
ዓለመይ ከም ዝፈጥር  መሬት ዘቢጠ
ዓይና እንዳረኣየ እዝና ካብ ኣስቀጠ

        እህህታይ ዘይስቆራ ወጽዓይ ዘይስወጣ
ልባ ቀኒኑ ኣብቲ ሓንካስ መንበር ተኾይጣ
ከምዛ ዘይናተይ ክትጓንየኒ  ዝዝኽትም ዶ መሲልዋ
መዓስ እሞ ይጀጁ መዓስ ተጎቢኤ  ብጽምዋ

       ኣነን ክጽውዓ ንሳን ክትነፍጽ
መቓልሐይ ዘይዓጅባ ህጥም ትመርጽ
ትፍቶ ትጽላእ ፍጡር ከርሳ እየ እዛ ክንብልባሎ
ስግንጢር ኮይናትኒ እዛ ጎደሎ ዓለም ዋሎ

         እቲ ትማሊ፣ ጸው ዝበልኩ ንገድሊ
ህላውነተይ ከናዲ ዓለመይ ክደሊ
መዓስ መርጸዮ ክርትትና  በረኻ ክበሊ
ዘይ ነዛ ሎምየይ እዩ ዝተፈተንኩ ብወጥሪ

       እቲ ትማሊ ደም ድፋጫይ ወጺኤ ዝፈጠርኩዋ ዓለመይ
ምውሓጥ ምስ ኣበያ ኣብ ቀጽራ ባንዴራ ምስቃለይ
ክንዲ ብዝቕደመ ትኽሕሰኒ ኣብሳ  ኣብ ልዕሊ ኣበሳ
ደሃይ ጠፊኡኒ እዛ ዓለም ሲኢነላ ደበስ ወጽዓይ መለሳ

        እዝና ክኹክዕ በሰር ዝጋረዶ ዓይና ክኣሊ
ንጀነቫ ተጓይየ ናብቲ ካልኣይ መኸተ ገድሊ
ብእገዳን ከባባን ጸለመን  ምስይጣና ክበራረየኒ
ኣበይ ደኣ ኣበለት ሕጂ እዛ ዓለም  ሃየ እባ ኣዳልዩኒ

         ትማሊ ዝደወነቶ ምስለይ ሎሚ ኸ ኣይስወጣን
ዘቀራሓነቶ ኣህዛብ ምስ ተላዘቡ  ብጩቕ ምባል የለን ካን
ብስቕታ ተዓዚማ  ትማሊየይ ከይኣክላ  ዳሕራያ ዝገድድ
ደሃያ ዶ ኣለኩም እዛ ዓለም ሽሉ ዓለም ሕንግድ

        ትማሊ ታሕጓሰይ መግለጺ ክስእነሉ ብሰላም  ክሰራሰር
ለካ  እዛ ዓለም ገና ዓይና ቁሊዑ እዩ ብገፈል በሰር
ብስራት ፍቕሪ ትማሊ ኣእዛና ዶ ደኣ ኳኽይዋ
ብጩቕ ምባል ኣብያ ደሃያ ጠፊኡ  ካን ኮይንዋ

      ኣብቲ ሐሕሰሙ ዶ ደኣ ገግናዩ ኣይተተዐትን
ትውንጅል ዶ ደኣ ኣይነበረትን ብሰብኣዊ መሰላት  ምስለይ ትድውን
ትኳዕ የዕሲባ ዶ ደኣ ሰላመይ ክትዘርግ ወይጦት ኣየዋፈረትን
ዝረኣየ  እባ ዓይኑ  ይብራህ  ነዛ ዓለም ምናምን

            እንበር ኣነ ደኣ ትማሊብዘይ ዘራይ
ህርድግ ክበሃል ናይ  በይነይ ንምድላይ
ሽዑ እንድየቀቢጸኪ ደሃይኪ ሽታ ማይ ምስ ኮነ
ሕጂ ኸ የለኽን ዶ ዓለም ምናምነ

         ዝረኣያ እንተሎ ነዛ ስግንጢር ዓለም
ንገሩዋ ዕረ እንዳጠዓማ ትጉሰሞ ሰጊረዮ ቲ ጸገም
ዳግም ኣመስኪረ እየ ዓለመይ ዓለም  በይነይ ከም ዝፈጥር
ኣብ ገዛእ ዓለመይ በዛ ጽንዓተይ ብመኸተይ ከም ዝነብር

   ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)
ጀርመን
9/7/ 2018

</pre>



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events