ደቅስ
ደቅስ ስከ ደቅስ
ግብስስ ኢልካ ኣስተንፍስ
ንሰማይ ጠምት ዘክር
ዘሕለፍካዮ ቃልሲ መሪር
ድሕሪ ወራር ወያነ
ዕስራ ዓመት ሰለም ከየበልካ
ንህንጸት ንምክልኻል ተቖሪንካ
ንሓያላት ክትገጥም ንተጻብኦ
ወረ መኣስ ተርኻኽብሉ
ሓንቲ እግርኻ ንወፍሪ
ታሓንቲ ትወፍር ክትብል ተመሃሩ
ንወፍሪ ሕርሻ ትቕይር ማርሻ
ብእግርኻ ዝደየብካ ጎቦ
ንወሓይዝ ሰንጢቕካ ጫማ ኣልቦ
መበሪኻ ሪኢናዮ
ማቶነላ ከምታ ንሕና ዘላትና
ተፒሽ እካ ዘይተነጽፈላ
ኣጋይሽ መነባብሮኻ ተማሂሮምሉ
ፍሉይ ካብ ካሉኦት መራሕቲ ኣፍሪቃ
መንደቕ መምበሪኻ ብሃሳሱ
ንሕብረተ ሰቡ ዝመስል ተሓዋዊሱ
ኮሪዕካ ኣኽሪዕካና
ብስርቂ ኣይትሕተት ብኮራብሽን
ከለኻ ጸዲቕቃ ብጽረት ኣጻብዕ
ንዉልቃዊ ረብሓ ዘይበልካ ቀባዕባዕ
ቲዝተሓጎስካዮ ብሓጎስ ነቢዕና
ብሳላኻን ብጾትካን ሓሳብ ልብና ሰሚሩላ
ዝሃረፍናዮ ክዉን ኮይኑልና
በል ነዊሕ ንበር ክጥዕመና
ጠዊዶ ክንብለካ ናይ መዳ
ወዲ ኣፎምዶ ናይ ኣስመር ክንጽዉዓካ
ፕረሲደትዶ ክንብለካ ኩሉ ዝጽዎዕ
ኣታ ጅግና ህያብ ፈጣሪ ጉንዖ
በልስከ ጉዕዞኻ ኣይተዓንቀፍ
ነቶም ሃዉቲቶምዘለዉ ክትድግፍ
ንስኻ ብኹሉ ትሕፈር
ንሰላም ንጉሆ ምሸት ትወፍር
እንቃኦ ምህርቲ ጻማኻ ሓፈስካ
ኣኽቢርካ ኣኽቢርካና
ብሳላኻ ንስጉም ርእስና ኣቕኒዕካ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማታት ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ
ማንሃይም
</pre>