ሰሚሩልካ ምበሪ
ወዲ ኣፎም ብሪ
ሓሳብ ልብኻ ሰሚሩ እምበሪ
ሓደራ ሰማታት ተግባሪ
ሓበን ህዝቡ ክዳን ክብሪ
ኣታ ወዲ ኣፎም ብሪ
ኢልካያ ኔርትራ ክበሪ ተሓፈሪ
ኢጋድ ኢሎም ተጋጊና ምበሪ
ንእገዳ ተጋጊና ኣድሚጽናሉ
ይንስሕሉ ኣለዉ ግብሮም ሓኒኾምሉ
ይብሉ ምጹና ሕድገት ግበሩ
ዋና ጸሓፊ ታይሻቡ ኣዲስ ኣበባ
ዕንባብ ከንብርዩ ነቲ ናትካ ዘረባ
ይልዓል በሉ ይብል ንእገዳ
ብቐደሙስ ደይ ንሰን ዝሓንገዳ
ወዲ ኣፎም ብሪ ከምሰቡ
ርኢናያ ሳባ ጨርቂ ዝባና
ብኦቺነቶ ተልጊባ መሲላ ወይተር
ቡን ትቖሉ ንጋሻ ኣኽቢራ
ኮፍ ኣይበለትን ኢዳ ኣጣሚራ
ኣይጠላዕጠጠትን ብፈኸራ
ሰይቲ ፕረሲደንትየ ኢላ ዘይተኾየጠት ኣብመበራ
ሳላ ህዝብኻ ምሰል ዝብል ኣመራርሓ
ኣስካሉ ትዕግል ቡን ቀዲሓ
ጀባእ ትብል ነቲ ጅግና ኣርሓ
ዝወለዳኻ ኣደታት ብትግባርካ ተፈንጨሓ
ይደርፋልካ ለዋ እናበላ ዕድመ ይሃብካ
ኦባማ ትሰምዕዶ ኣልኻ
ስዒርናዮምበር ቲግናይ ሕልምኻ
ሱዛን ራይስ ንገርዋ ከይሓልፋ
ኤርትራን ኢትዮፕያን ኢድኒ ጋንትን ኮይና
ክሊንተን መጺእዋዶ ሓበረታ
ሽላካ ተባሪራ ካብመዝነታ
ኣታ እዚኣያ ዛዓለምና
ክድምደም ተበጊስይ ሕሰመ መከራ
ናይ ቀትሪ ወኻሩ ደሃይ ኣጥፊኤን
መኣደን ተወዲኡ ኣብቂዔን
ዉሑድ ኣይኮነን ብጥልምውት በሊዔን
ንመእሰታትና ደም ኣንቢዔን
ተአሓለቕቲ እናበላ ሰብ ኣሕሊቐን
ማዕጽጾኤን ዓጽየን ህጣም ኣጥፊኤን
በታ በትሪ ሓቂ ኢርቃነን ወጺኤን
ኣብቲ ፍትሓዊ ቃልስና ተኾርምየን
ይመስላለዋ ንሓዋሩ ኣብቂዐን
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ ማንሃይም