Dehai

ሰሚሩልካ ምበሪ ወዲ ኣፎም ብሪ - ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ ማንሃይም

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Tuesday, 10 July 2018

ሰሚሩልካ ምበሪ
ወዲ ኣፎም ብሪ
ሓሳብ ልብኻ ሰሚሩ እምበሪ
ሓደራ ሰማታት ተግባሪ
ሓበን ህዝቡ ክዳን ክብሪ
ኣታ ወዲ ኣፎም ብሪ
ኢልካያ ኔርትራ ክበሪ ተሓፈሪ

ኢጋድ ኢሎም ተጋጊና ምበሪ
ንእገዳ ተጋጊና ኣድሚጽናሉ
ይንስሕሉ ኣለዉ ግብሮም ሓኒኾምሉ
ይብሉ ምጹና ሕድገት ግበሩ
ዋና ጸሓፊ ታይሻቡ ኣዲስ ኣበባ
ዕንባብ ከንብርዩ ነቲ ናትካ ዘረባ
ይልዓል በሉ ይብል ንእገዳ
ብቐደሙስ ደይ ንሰን ዝሓንገዳ
ወዲ ኣፎም ብሪ ከምሰቡ
ርኢናያ ሳባ ጨርቂ ዝባና
ብኦቺነቶ ተልጊባ መሲላ ወይተር
ቡን ትቖሉ ንጋሻ ኣኽቢራ
ኮፍ ኣይበለትን ኢዳ ኣጣሚራ
ኣይጠላዕጠጠትን ብፈኸራ 
ሰይቲ ፕረሲደንትየ ኢላ ዘይተኾየጠት ኣብመበራ
ሳላ ህዝብኻ ምሰል ዝብል ኣመራርሓ
ኣስካሉ ትዕግል ቡን ቀዲሓ
ጀባእ ትብል ነቲ ጅግና ኣርሓ
ዝወለዳኻ ኣደታት ብትግባርካ ተፈንጨሓ
ይደርፋልካ ለዋ እናበላ ዕድመ ይሃብካ
ኦባማ ትሰምዕዶ ኣልኻ
ስዒርናዮምበር ቲግናይ ሕልምኻ
ሱዛን ራይስ ንገርዋ ከይሓልፋ
ኤርትራን ኢትዮፕያን ኢድኒ ጋንትን ኮይና
ክሊንተን መጺእዋዶ ሓበረታ
ሽላካ ተባሪራ ካብመዝነታ
ኣታ እዚኣያ ዛዓለምና
ክድምደም ተበጊስይ ሕሰመ መከራ
ናይ ቀትሪ ወኻሩ ደሃይ ኣጥፊኤን
መኣደን ተወዲኡ ኣብቂዔን
ዉሑድ ኣይኮነን ብጥልምውት በሊዔን
ንመእሰታትና ደም ኣንቢዔን
ተአሓለቕቲ እናበላ ሰብ ኣሕሊቐን
ማዕጽጾኤን ዓጽየን ህጣም ኣጥፊኤን
በታ በትሪ ሓቂ ኢርቃነን ወጺኤን
ኣብቲ ፍትሓዊ ቃልስና ተኾርምየን
ይመስላለዋ ንሓዋሩ ኣብቂዐን

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማታትና
ዓወት ንሓፋሽ

ወልዳይ ተኸስተ ማንሃይም


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events