Dehai

*** ለካ ጸረርታ ዩ ***

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Tuesday, 10 July 2018

  *** ለካ ጸረርታ ዩ ***
ረቲና የዒንተይ ጨው ነዚዐን
ንብዓት ሓጎስ ዶ ጸረርታ ሓበን
ከይተፈለጠኒ ማንታ ዛርየን
ክግላህ ርእየ ጸዋግ ዘበን

         ትማሊ ኣብ ዕለቱ ሰነ  መዓልቲ  ሰማእ
ንክብሩ ነቢዐ ንኽብሪ  እቲ  ሞባእ
 ተበሲረ  ብስራት ሰላም ከምታ  ባህጉ
ሎሚ ንብዓት ሓጎስ መናፊት የዒንተይ  ዚዒጉ

        ለካ እቲ  ጸረርታ ካብ ሓጎስ ሓዘን እዩ ዝምንጩ
ደርት የብሉን ምጉግርትኻ ከጠልቂ  ግዜ መሪጹ
ካብ ዓወት የብሉ  ካብ ስዕረት  ከበሮ የዒንቲ ዘይዓግቶ
ጸረርታ ጨው ንብዓት ፈለጉ ጢሒሱ  ቀልብኻ ዝብሕቶ

         ከመይ ዘይነብዕ ንብዓት ሓበን ሓጎስ
ከመይ ዘይንኽንኽ  ሰላም እንድዩ  እቲ ደበስ
ትማሊ ዝነበረ ሎሚ ነበረ ዝኾነ ግብታ ግዜ
ሓሳዳት ንዕርበቶም ክድነሱ በጺሖም ኣብ ንዛዘ

         ግዜና ዝሃንኮቱ ሳጥናኤላት መሲልዎም ዘይወግሕ
ብዝግታ ዘገምታ መሪሽና ናብ ዚ ህሞት ከም ክንበጽሕ
እሞ  ደኣ ከመይ ዘይነብዕ ጸረር ዘየብል መዓስ ጨካን ኮይነ
ሕግደት ንስለ ሰላም ፍቕሪ ሰናይ ጉርብትና እንድየ ዝምነ

          ነቢዐ እወ ዘኪረ ትማሊ እቲ ሕብሪ ዓይነይ ዘይብርሆ
ብሳላ ደፋእታ ተበጺሑ፣ የዒንተይ ምስ ጸረርትኤን ርእየን መስተርሆ
ዕርበትና ዝጠጅኡ ጠላማት ሕቑኦም ተጎዚዙ
 ተመስገን
ከመይ ደኣ እሞ ጸረር ዘየብል ማንታ ንብዓት ንብዓት ሓበን

            ጻማ ጽማመ ካሕሳ ናይቲ  ጸኒዑ ዘጽንዐ
ደበስ ናይቲ ጅሆ ሰላም ኮይኑ ብዝርያ ዝተገድዐ
ዕጽፊ ተፈድዩ እቲ ኣብ ሓለዋ ተጸሚዱ ኣብ መዝገብ ዘድፈዐ
ስለ ዚ እየ እንበኣር ንብዓት ኩርዓት  ንብዓት ሓበን ነቢዐ

         ከመይ ዘይነብዕ ሓንጊረ ረርየ ዘረከብኩዎ ዝፋን
ሕሰመይ ዝተመነየ ረማዕ ክብል እቲ ሚሒሉ ዝጠልም ክወጽእ ዕርቃን
ዶብ ኣሳቢቡ ቃድራይ ቃጽዖይ  ግርኣተይ ዝጠረረ 
ተኻሒሰ እንድየ ኣብ ታኼላ ክስመም እቲ ክቡር ሬሳ ዝፈሓረ

           እዛ ዓለም ሰብ ረብሓ ንእገዳ ጸለመ 
ኩብክብታ ጸውያ ኣብ ስቕታና ክትፈርደና ዘዝሓሰመ
ሳላ እንቢታና ጽንዓትና ሓቅነትና ቅንዕንና  ግርህንና ዘይተዳነ
ከመይ ዘይነብዕ ንብዓት ሰላም ንብዓት ሓበን ሕጂ ርግኣት ምስ ኮነ

         ትማሊ ወፍሪ ስግረ ዶብ ንስለ ሰላም ከባቢ  ዝወደቐ ዘኪረ
 ጅግና ሃዋርያ ብሰበርቲ ዝበልዕሉ ጻሕሊ ሬስኡ ምስ ተፋሕረ
ሽዑ ዝርንዛሕ ነቢዑ ጨው ነዚዐን የዒንተይ
ሎሚ ተደቢሰ ደበር ርኺበሉ ዓስቢ ጽማመይ

        ሓሳድ መሳወሪ
        ዘንበድበደ ረመጽ ጓህሪ
        ዝራሲ ዝፈሊ ሕብሪ ዓይኒ
         ዝኽድም  ዝበልዎ ገባሪ

               ከምዚሕጂ ክትቃበጽ እታ ትልኽ ዕምሪ
         ክሕጎስ እየ እንበር ንብዓት ሓበን ከዛሪ
ውሑድ ዶ ተጸሚመ ሐጎጽጎጽ ክምድምድ ኩርኳሕ ከዕሪ
ኣብ ዛ ታሪኻዊት ዕለት ክዝምር እየ ምስ ንብዓት ሓጎስ ፈልፋሊ

        ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
 ጀርመን
        08/07/ 2018


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events