Dehai

ሰላም፡ ብሃይለ ቦኹረ

Posted by: haile bokure

Date: Tuesday, 10 July 2018

“ሰላም”
ወይ’ዛ ሰላም….ሰላም!
ዋግዋጎ ጋሕጋሕ
ነብሰይ ይፍሳሕ።
 
ወይዛ ሰላም…
እንታይ’ሞ ክብል
ብውዕውዕ፡ ብሆህታ
እተደብል።
 
ወይዛ ሰላም…
 ርኣያ! ርኣያ
የእዳው እተጨብጥ
ዝደወያ።
 
ወይዛ ሰላም…
ክብላዶ ሽምዓ
ርኣየለይ ከምኣ
ኣዕንተይ ይነብዓ።
 
ወይዛ ሰላም…
ክብላዶ ፈሽፈሽ
ብትኽስ ትኽስ
ነብሰይ ይሕደስ።
 
ወይዛ ሰላም
መዓስከ ቀቢጸ
እንሄለት ኤልሳ
ትቅኒ ትቁጸ።
 
ወይዛ ሰላም….
እዛ መዓር ጸባ
እንሄለት ትእንግድ
እመቤት ሳባ።
 
ወይዛ ሰላም….
ተተሳኣኒ ብር-ብር
እኔሄለ ኢሳያስ
ብሓጐስ የሰንስር።
 
ወይ’ዛ ሰላም…
ኣሰንያ ኣቢይ
ሒዛቶ መጸት
ገለታ ረቢ።
 
ወይዛ ሰላም
ብሕንቅንቅ
ግርም ይብለኒ
ክደፋነቅ።
 
ወይዛ ሰላም
ብጽእቲ ጥዕምቲ
ተምሳል ቅሳነት
ብጥንቲ! ብጥንቲ…
 
ሰላም ይኹን ሰላም
ነዚ ክልቲኡ ህዝቢ
ፈጺሙ የሎን
ካባኺ ዝዓቢ
ሰላም………………………….
 
ሃይለ
 
·       ገለታ ረቢ ብኦሮሞኛ እግዚኣብሄር ይመስገን ማለት ኢዩ።

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events