Dehai

ብኻልእ፡ ብድላዮም፡ እንተበዘን 3 ነገራት ግን....

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 06 June 2016

ብኻልእ፡ ብድላዮም፡ እንተበዘን 3 ነገራት ግን....

ጸሓፊ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊነጎ)
አብ ጽምብል ስያትል ብትግዕስቲ በረኸትኣብ  ዝተነበበት።
ምንጪ፡ መርበብ ሓበሬታ ሰኪዔት መስከረም
ሰነ 6, 2016
ንድሕሪት ንመለስ’ሞ፡ ክሳዕ ዝዘከርናዮ
ንድሕሪት ንመለስ በብዝደለናዮ
ብድላይና ንግለጾ ዝረኣናዮ ሰማዕናዮ
እንፈልጦ፡ ዝተተረኸልና፡ ዝሓለፍናዮ፡
ዘለናዮ የማን ጸጋም ንሕለፎ፡ ብመእከል ንኺዶ፡
እንተዘይማእማኣና ድማ ንጉሰዮ

ኣነን ንስኻን፡ ኣነን ንስኺን ንሰማማዓሉ
ይህሉ ዘይንሰማማዓሉ
ንቕበሎ ዘይንቕበሎ፡
እወ ንብሎ ዘይንብሎ
ይትረፍ ኣብ ሓንቲ ሃገር፡
ኣብ ገገዛና’ውን’ኮ ንፈላለ፡-
ብጣይታ ብቕጫ፡ ብጥጥቖ ብቖሎ

 

ሓንቲ ነገር ግን ኣላ ካብ ቀጣን ፈትሊ
 እትቐጥን ከም ስኒ ኣድጊ እትምጥን
ከይደቀስና እንሓድረላ
ቀይደቀስና እንውዕለላ
ከይተሰማማዕና
እንሰማማዓላ ናይ ሃገር ነገር!!!!

ተዓዘብ፡ መበል 25 በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ሲያትል wa

https://www.youtube.com/watch?time_continue=7&v=rCCNmI3aDcc

ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ጥቢቆ መራኸቢ ሰንሰለት ጸቒጥኩም ነቲ ውሕሉል ግጥሚ ብምሉኡ ኣምብብዎ ኢኻትኩም።

ብርሃነ ሃብተማርያም

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events