Dehai

ናብ መርማሪ ኮምሽን ኲነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 11 June 2016

ክቡራት ደቂ-ሃገር፣ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣካል መኸተ ብርዒ  ኣንጻር`ቲ ሕሱርን ነውራምን ብሓሶት ዝተዓብሎዀ ናይቶም ሰለስተ ቁጹራት ውልቀሰባት ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ይግበር ኣዩ ተባሂሉ ዝተፈብረኸ ጽውጽዋይ ዝተኻየደ ሰፊሕ ኤርትራዊ ዓለምለኻዊ ወፈራ እዩ። ነዝን ናይ ዓሰርተታት ክሳብ ኣማኢት ኣሽሓትን ጎስጓስን ምልዮናት ድምጺ ህዝቢ ኤርትራን ዕሽሽ ኢሎምን ጸማም እዝኖም ሂቦምን ድማ ነቶም ቆጸርቶምን መወልቶምን ጎይቶቶምን ሸውሃት ንምርዋይ ትማሊ ኣብ ጀነብ ብሕጓ ምሉቕ ኢሎም ብምውጻእ ቀደም ዝተወሰንን እንደገና ከም ብሓድሽ ውርደተኛ ቤላቤሎው ዝተለቀቦ መማቕርቲ ቀመማት ምሂዞም ንዓለም ዘርጊሔሞ ኣሎዉ። ስለዚ መኸተናን ናይ ብርዒ ቃልስናን ፍትሓዊ ድምጽናን እቶም ቁጹራት ካብ ከተትዎን ናብ ጉቡጥሽ ካብ ደርበይዎን፣ ንሕና እቲ ዝጸሓፍናዮን ዝተማጐትናዮን *ናይ ዜጋታትና ዝጸሓፍዎ ከይተረፈ* ኣብ መርበባት ሓበሬታትና ክንዝርግሖ እዋኑ እዩ።  እንሆ ድማ ንምጅማሩ ኣሃዱ ኢልና ንበገስ ስቕ ኣይንበል ድምጽና ዓው ኢልና ንዓለም ነስምዕ!!!.........................ነፍሲወከፍ ኤርትራዊ ድማ ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ዝካየድ ዘሎ ስነ-ኣምሮኣዊ ኲናትን ሰፊሕ ናይ ጸለመ ወፈራን በብዓቅሙን ክቕለቱን ብትብዓት ክቃለስ ኤርትራ ሃገርና ትጠልቦ እዋናዊ ግዴታ እዩ!!!
ዓወት ንሓፋሽ!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ብርሃነ ሃብተማርም
ዕለት ሰነ 11, 2016
 
To the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea
UNOG-OHCHR
8-14 Rue de la Paix
CH-1211 Geneva 10
Switzerland
ናብ መርማሪ ኮምሽን ኲነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ።
January 12, 2016
 
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ ሰብኣዊን መሰላት ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ ኮምሽን ኣብ ጀነባ ዘቕረብኩሞ ዝንቡዕን ሚዛን ዘይብሉን ሕሱርን ጸብጻብ ብምቅዋም እዚ ዝስዕብ ሓጺርን ኣብ ሓቐኛ መርትዖ ዝምርኮስ ሓበሬታ ክልእከልኩም እንከሎኹ ብዘይ ሓደ ጸቕጥን ተጽዕኖን ኮይኑ ናተይ ነጻ ሓሳብን ድሌትን ከም ዝኮነ ከረጋግጸልኩም ይፈቱ።
  • ሃገራዊ ግቡእን ኤርትራዊ ዜጋ፣
ንፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ጾታዊ፣ ብሄራዊ ከምኡውን ሃይማኖታዊ እምነቱ ብዘየገድስ ብሕጊ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ክነብርን ንብረት ክውንንን ምሉእ መሰል ኣሎዎ። ክምኡውን ንልዕላውነትን ግዝኣተ መሬት ሃገሩ ክሕሉን ካብ ግዳማውያን ተጻባእቲ ክከላኸልን ግዴታኡ እዩ። ገለ ክፋል መሰላትን ሃገራዊ ግቡእን ኤርትራዊ ዜጋ ድማ፣
 
ነጻ ትምህርቲ፣ እዚ ድማ ካብ ታሕተዋይ መባእታ ትምህርቲ ስጋብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን *ኮሌጃትን ዩኒቨርስትን ኣሕዳሪ ቤት ትምህርትን ምስ ምግቦምን መደቀሲኦምን* ብዘይ ክፍሊት ማለት እዩ። ነጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ወይ ድማ ከም ዓቅሙ ስማዊ ክፍሊት
ግቡእ፣ውሽጣዊ ሰላም ምርግጋጽ ምስራሕን ንልዕላውነትን ግዝኣተ መሬት ሃገሩ ምሕላውን ካብ ግዳማውያን ተጻባእቲ ሓይልታት ምክልኻልን
 
እዚ ንስኻትኩም ዘቕረብኩሞ ዝንቡዕ ጸብጻብ ማለት „ሃገራዊ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት“ ከም „ግዱድ ዕስክርና“፣ „ንሃገር ዳግመ-ሕንጻ“ ከም „ባርነት“ ንዓይ ጨሚሩ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዘቖጠዔ ፍጻመ እዩ። ሰውራ ኤርትራ ብ1961 ዓም ብውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ጀመረ ደሓር ድማ ብህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ብምቕጻል ብከቢድ መስዋእትን ብመግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ  ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ህልቀትን ንብረታዊ ዕንወትን ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ተጋደልቱ ኣብ 1991 ንሰራዊት ኢትዮጵያ ደምሲሶም ሓርነቶምን ነጻነቶምን ተጐናጺፎም እዮም። እዚ ን30 ዓመታት ዝወሰደ ኣድካምን ጀግንነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምታ ናታትኩም ኣተሓሳስባ ገንዘብ እናተኽፍለ ዘይኮነ ተኻይዱ፣ ብነጻን ብድሌት ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ሓንቲ ሳንቲም ክፍሊትን እዩ። ንመዋእልን ንኣሸሓት ዓመታት ዝጸንሔ ክቡር ባህልና ድማ ካብ ዓዲ ጀሚሩ ስጋብ ከባቢ ናብ ሕብረተሰብ ዝድይብ „ወፈራ“ ዝብሃል ብነጻ ወይ ብዘይ ክፍሊት ዝካየድ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሪ እንኮ ናይ ኤርትራውያን ሓደ ክፋል ክቡር ባህልን ባህሪን እዩ። ሰለዚ እዚ ንስኻትኩም ካብ ሰናይ ባህልና ወጻኢ ንፖሊቲካዊ ሃልኪ ኢልኩም ዝተጠቐምኩምሉ ነውራም ስም ከም „ባርነት“ „ግዱድ ዕስክርና“ ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ ንጌጋ ጸብጻብኩም ብትሪ ይቃወሞ።
  • ብዛዕባ መሰል „ሃይማኖታዊ ግህሰት“ ንዘቕረብኩምዎ ጽውጽዋይ
ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመዋእል ዝጸንሔ በብእምነቱን ሃይማኖቱን እናተኸተለ ብሓባር ብሰላምን ብምክብባርን ኣብ ጸገሙ ድማ እናተሓጋገዘን ክነብር ዝጸንሔን ሕጂ‘ውን ምስ ኩሉ ሽግራቱ ዝቅጽሎ ዘሎ ሰላማዊን ንቑሕን ለባም ህዝቢ እዩ። ኣብ ኤርትራ ናይ ሃይማኖት ግጭት የሎን፣ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብሰንኪ ሃይማኖት ዝሃልቅ ወይ ዝመውት ሰብ ፍጹም የሎን። ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ኩለን ሕጋውያን ሃይማኖታት ማዕረ መሰልን ነጻነትን ኣለወን። ኤርትራ ከም ካልኦት ሃገራት ዓለምና  ምእምናን ክርስትናንን ምስልምናና ተፈላልዮም ዘይኮኑስ፣ ኤርትራ በዓላት ክርስትያንን ኣስላምን ብሓባር ዘብዕሉላ እንኮ ሓንቲ ሃገር እያ። እዚ ማለት ድማ ኣመንቲ ክርስትና ይኹኑ እስልምና ኣብ ናይ ክልቲኡ ሃይማኖታዊ በዓላት ኣብ ከባቢኦምን ኣብ ምሉእ ኤርትራን ዳሳት ሰሪሖም ምግብን መስተን ኣዳልዮም ብሓባር ኮይኖም እዮም ዘብዕልዎ። ከም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃይማኖታዊ ምክብባርን ሓቢርካ ብሓንሳብ ምብዓልን ሰላምን ኣብ ማንም ሃገር ዓለምና ፍጹም የሎን። ስለዚ ነዚ ሓቀኛ ክቡር ባህልን ምስልን ህዝብን መንግስቲ ኤርትራን ዘየንጸባርቕ ናይ ምድንጋርን ምጽላምን ዘቅረብኩሞ ዘመተ ብፍጹም ይቃወሞ።
  • ብዛዕባ „መሰል ደቀንስትዮ ምግሃስን ምዕማጽን“ ዘቕረብኩሞ ግጉይ ጸብጻብ
ጀጋኑ ደቀንስትዮ ኤርትራ ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝጸንሔ ሰውራውን ሓርነታውን ህዝባዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰርሔኦን ዝወፈያኦን ተግባራት „ተኣምር“ እዩ ኢለ ከጠቓልሎ ይመርጽ። 30% ካብ ሚእቲ ኣባላት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ደቀንስትዮ ኮይነን፣ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ናይቲ ውድብ ማለት ኣብ ግምባር ተዋጋኣቲ ኣዘዝቲ ኢንጅነራት ክኢላ ጸገንቲ መካይንን መጓዓዝያ ሓካይምን ኣለይቲ ሕጻናት ወዘተረፈ ኮይነን ጉቡኤን ብምፍጻምን ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋልን ድርብ ቃልሲ ዘካየዳን ብግብሪ ድማ ማዕርነተን ዘረጋገጻን ሓርነተንን ነጻነተንን ብዓወት ዝጨበጣን ጀጋኑ ዋዕሮታትን እየን። ብ1979 ድማ ኣብ ሜዳ „ሃገራዊ ማሕበር ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራ“ ዝበሃል ሓደ ድልዱል ማሕበር ደቀ-ኣንስትዮ ብምቛም ነቲ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝኣመነሉማዕርነት ደቀ-ኣንስትዮ“ ብጽንዓት ብምቅላስ ዓቢ ኣበርክቶ ጌረን እየን። ድሕሪ ምሉአ ምሕራር ኤርትራ ድማ ምስቲ ብህዝባዊ ግምባር ዝቖመ መንግስቲ ኤርትራ ብሓባር ኮይነን ማሕበረን ብምስፋሕን ብምሕያልን መሰለን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ምዃኑ ብሕጊ ኣጽዲቕንን ኣረጋጊጸንን እየን። ንሱ ድማ ንይስምዑለይን ረኣዩለይን ዘይኮነስ ብግብሪ መሬትን ንብረትን ምውናን ኣብ ዓውደ-ስርሓት ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ ደሞዘን ምርካብን ካልእ ብዙሕ ገስጋሲ ኣምራትን ወኒነን እየን። እሞ ካበይ ተበጊስኩም ኢኹም ደቀ-ኣንስትዮ ኤርትራ መሰል የብለንን፣ ይዕመጻ እየን ኢልኩም ሃሎውሎው ትብሉ? ስለዚ እቲ ጭብቲ ዘይብሉን ሚዛኑ ዘይሓለወን ጸብጻኩም ብትሪ ይቃወሞን ይነጽጎን።
 
ዘ.ሃ.ተ

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events