Dehai

ኤርትራ ንሃጸያውያን ሃገራት ሓደገኛ ናይ ጽቡቕ ኣብነት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 12 June 2016

ኤርትራ ንሃጸያውያን ሃገራት ሓደገኛ ናይ ጽቡቕ ኣብነት

praise eritreaተስፋማርያም ሓጎስ:

| 491 |

ሜሪካ ዝመራሒተን ሃጸያውያን ( ኢምፐርያሊስት ) ሃገራት ካብ መፈለምትኡ ኣንጻር ነጻነት ኤርትራ ደው ዝበላን ነዚ ዝሓለፈን ገና ዘሎን ዕንወትን ምፍሳስ ደምን ህዝቢ ኤርትራ ተሓተትቲ እየን። ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ዝሕበነላን ዝኾርዓላን ሃገሩ ነጻ ንምግባር ሰላሳ ዓመታት ተቓሊሱ ኣማእት ኣሽሓት ብሉጻት ደቁ ከፊሉ እዩ ረኺብዋ ። ነጻነትና ክቡራት ከፊልና ኣምጺእናያ ፣ ነጻነትና ሕጋውነት ንምልባስ ድማ ብድምጺ ወረቐት ዘይኮነስ ሓደ እናበልና ሰማእታት ቆጺርና ኢና 99.8% እወ ንናጽነት ኣድሚጽና ።

ሃጸያውያን መንግስታት ነጻነትና ነፊጎም ከይኣክል ሰውራና ንኸይዕወት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይገበርዎ ሓገዝ ኣይነበረን ፣ ክኾነሎም ግን ኣይከኣለን ። ሰውራና ንሰራዊት መግዛእትን ዓንገልቱን እናደማሰሰ መላእ ኤርትራ ሓራ ንምግባር ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ ኣሜሪካ ናይ ሸርሒ ምህዞ ሒዛ ንህግ መኣዝኑ ንምጥምዛዝን ዓወት ሰውራና ንምጕዕጻጽን ዓረቕቲ ተመሲሎም ኣተዉ። ህዝባዊ ግንባር ግን ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥሲ ኣይሃዳናይን ከም ዝበሃል ነቲ እከይ ውዲታቶም ኣፍሺሉ ንሰራዊት መግዛእቲ ደምሲሱ ንኤርትራ ሓራ ገበራ።

በዚ መዓንጥኦም ኵምትር ዝበሉ ሃጸያውያን መንግስታት ንነጻነት ኤርትራ ብዕሊ እኳ እንተዘይተቓወሙ ኣዝጊቦም ወይ ኣዳህሊሎም ከም እንደገና ኤርትራ ብኢትዮጵያ ከም እትጉበጥ ንምግባር ፣ ህግ ድሕሪ ክልተ ዓመት ረፈረንዱም ክንገብር ኢና ምስ በሉ ኣይፋልኩምን ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ክትገብርዎ ኣለኩም ክብሉ ተሰምዑ። እዚ ድማ መርኣያ ናይቲ ብ 1998 ብውክልና ኢትዮጵያ ዝወልዕዎ ኲናት እዩ ። እንተኾነ ልዕሊ እቲ ንሳቶም ንነብሶም ዝፈልጥዋ ህዝባዊ ግንባር ሕርሕራይ ጌሩ ስለ ዝፈልጦም ኣብ መፈንጠራኦም ኣይኣተወን። እወ ነጻነት ኤርትራ ርግጸኛ ነጻነት ኮነ ። እዚ ክንብል ከሎና ነጻነት ብዙሕ እዩ ዓይነቱ ፣ ነጻነት ኣሎ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ሓድሽ መግዛእቲ ኣሎ ። ኤርትራ ግን ኣብ ሓድሽ መግዛእቲ ዘይኮነስ ርግጸኛ ሓቀኛ ነጻነት እያ ተጎናጺፋ ። እዚ ክንብል ከሎና ነጻ ኤርትራ ኣብ ማያውን መሬትን ክሊ ሰማያን ናይ ዝኾነ ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከር ኣይተፍቅድን እያ ።

ኤርትራ ናይ ማንም ሃገር ተለኣኣኺት ወይ ኣጀንዳ ኣተግባሪት ኣይትኸውንን እያ ። ኤርትራ ቍጠባዊ ፖሊሲኣ ባዕላ ሓንጺጻ ንረብሓ ህዝባ ትሰርሕ እምበር ካብ ማንም መንግስት ከምዚ ግበሪ ኣይትግበሪ ዝብል መምርሒ ኣይትቕበልን እያ ።  ኤርትራ ኣብ ናይ ዝኾነን ትኹን ሃገር ጉዳይ ወተሃደራዊ ጣልቃ ምእታው ኣይትቕበሎን እያ ።

ባህርያዊ ጸጋታትና ኣብ ረብሓ ህዝብና ነውዕሎ ፣ ሃገርና ንሃንጸሉ ፣ መነባብሮ ህዝብና ነመሓይሸሉ እምበር ንምዝመዛ ሃጸያውያን ኣይንገብርን ። መንግስቲ ኤርትራ ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ ንሃጸያውያን መንግስታት ኢቦላ ቫይረስ ኮይንወን ንምጥፍኡ ላዕልን ታሕትን ይብላ ኣለዋ ።

ሃጸያውያን መንግስታት ናይ ካልኦት ሃገራት ባህርያዊ ጸጋታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽረን ንምእታው ዝጥቀማሉ ቀንዲ መሳርሒ ፣ ብልሽውና : ረዲኤት: ዘይመንግስታውያን ትካላት : ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ : ዓለማዊ ንግዲ: ገለ ካብቲ ብዙሕ እየን።

ዓለምና ኣብ ክልተ ናይ ፍልስፍና ፣ ሃጸይነትን ማሕበርነትን ርእሰ ሓያላን ተኸፊላ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1990 ሕብረት ሶቭየየት ተበታቲና ፋሕ ምስ በለት፣ ኣሜሪካ በይና ርእሰ ሓያል ዓለምና ክትከውን በቒዓ። ዓለምና ካብ ዘለዋኣ ክፍለ ዓለማት እታ ብስፍሓት ይኹን ብናይ ክሊማ ምቹእነትን ባህርያዊ ጸጋታትን ዝሃብተመት ኣፍሪቃ እያ ። ኣሜሪካ ንባህርያዊ ጸጋታትን ስትራተጂካዊ ኣገዳስነትን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ንምእታው ተተሓሓዘቶ። በዚ ድማ ንኣፍሪቃ ሰሜን ፣ ደቡብ፣ ምብራቕን ምዕራብን ከፋፊላ ብተለኣኣኽታ ሃገራት ከተመሓድሮ ጀሚራ ኣላ ። ንሃገራት ደቡብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብውክልና ደቡብ ኣፍሪቃ ፣ ንሰሜናዊ ክፋል ኣፍሪቃ ብውክልና ምስሪ ። ንሃገራት ሞራባዊ ኣፍሪቃ ብውክልና ናይጀርያ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ድማ ብውክልና ኬንያን ኢትዮጵያን ተመሓድሮ ኣላ። እዘን ተወኪለን ዘለዋ ሃገራት ንረብሓ ህዝበን ዘይሰርሓ ንባህርያዊ ሃብተን ዘይቆጻጸራ ተለኣኣኽቲ ወይ ተግበርቲ ኣጀንዳ ሃጸያውያን ሃገራት እየን ።እዘን ሃገራት እዚኣተን ነጻ ሃገራት ዘይኮናስ ኣብ ሓድሽ መግዛእቲ ( Neo Colonialism ) እየን ዘለዋ ።

ሃጸያውያን መንግስታት ኣብዘን ዝወከልወን ሃገራትን ካልኦት ምእዙዛትን ብመጀመርያ ዝበልናኩም ትገብሩ ፣ ረዲኤት ክትቅበሉ ኣለኩም ፣ ካብ ዓለማዊ ባንኪ ለቓሕ ክትወስዱ ኣለኩም ፣ ናይ ረዲኤት ማሕበራትን ዘይ መንግስታውያን ትካላትን ኣብ ሃገርኩም ክኣትዉ ከተፍቅዱ ኣለኩም ዝብል መምርሒ እዩ ዝወሃቦም ። ንህዝቢ ብዓሌት ብሃይማኖት ምጉዝዛይ ፣ ምድኻም ፣ መኣዝኑ ከም ዘጥፍእ ምግባር ፣ ሃገራዊ ናይ ልምዓት መደብ ከም ዘይህሉ ይገብርዎ ።

በዚ ድማ ሃገራት ኣፍሪቃ ብጀካ ኤርትራን ሰለስተ ሃገራት ሓዊስካ ካልኦት ኣብዚ መጻወድያ ናይ ሃጸያውያን ሃገራት ኣትየን ህዝበን ኣብ ውግእ ሕድሕድን ቀዘፍቲ ሕማማትን ጥሜትን ተሸሚመን ይርከባ ።ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዝቕልቀሉ መራሕቲ ብብልሽውና ዝተቖማጥዑ እዮም ። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ እንተ መጺእና ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣማእት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ብጥሜት እናሃለቑ ንሱ ግን ኣብ ባንክታት ስዊዘርላንድ 17 ቢልዮን ዶላር ኣቐሚጡ ኔሩ። ንዕኡ ዝተክአ ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ውን 6 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዚምባብወ ኣሳጊሩ ንሱ ውን ኣብ ዚምባብወ ይነብር ኣሎ። ንኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ዝተክአ ኣይተ መለስ ዜናዊ ውን ንስድራ ቤቱ 8 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ገዲፍሎም እዩ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ ። እንታይ ንምባል እየ ሃጸያውያን መንግስታት እቲ ቀንዲ መሳርይአን ብልሽውና ምዃኑ ንምግላጽ እየ ።

እዘን ተለኣኣኽቲ መንግስታት ሃገራዊ መርሃ ግብሪ (ፕረጀክት ) የብለንን፣ ሃጸያውያን መንግስታት እተን ተለኣኣኽቲ መንግስታት ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ክህልወን ኣይደልያን እየን ። ከደምቲ ሃገራት ንረዲኤት ኣእዳወን ክዝርግሓ ቀንዲ ዕላማ ናይተን ሃጸያውያን መንግስታት ዕላማ እዩ ። ህዝቢ ተጸባዪ ረዲኤት እንተ ኮይኑ በቲ ሓደ ሸነኽ ናይ ምስራሕ መንፈሱ ደኺሙ ለሚሱ ማለት እዩ ። ናበይ ከም ዘብልን እንታይ ከም ዝገብርን ውን ኣይፈልጥን ኮታ መኣዝኑ ኣጥፊኡ ኣብ ናይ ሽግርን ጸበባን ቀላይ ሕምብሊል ክብል ይነብር። እዘን ሃጸያውያን መንግስታትን ኩለን ጨናፍረንን ኣብ ባህርያዊ ጸጋታት ናይዘን ሃገራት ንምምዝማዝ ይቀዳደማ ። ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ካባና ተለቅሑ ይብሉ ፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ዓለማዊ ናይ ንግዲ ማሕበር ከምዝን ከምዝን ግበሩ ዝብል ትእዛዝ የመሓላልፉ ፣ ዘይመንግስታውያን ትካላት ሕሉፍ ሓሊፈን ነተን መንግስታት መምርሒታት ይህብአንን ይቆጻጸርአንን ።

ኤርትራ ኣብ ሓድሽ መግዛእቲ ዘይኮነስ ሓቀኛ ነጻነት እያ ኣዊጃ ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ናይ ሃጸያውያን ዕላማ ብመትከል ተቓዊሙ ንኹሉ ዕላማታቶም ኣብ እንዳ ጎሓፍ እዩ ደርብይዎ። ከምቲ ክቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ ቅድሚ 46 ዓመት ( ሽዑ ተጋዳላይ ) ንሕና ነብስና ክንመስል እምበር ናይ ማንም መጋበርያ ክንከውን ኣይንደልን ኢና ዝበሎ ፣ ኣብ ነጻ ኤርትራ ውን መርገጺና ንሱ እዩ ። ኣብቲ ንሳቶም ዘጻወድዎ መፈንጠራ ኣይኣተናን፣ ኣብ ዝኣጕድዎ ኲናት ጣልቃ ኣይኣተናን ፣ ማያውን ምድራውን ግዝኣትና ንናይ ባዕዲ ወተሃደራዊ መዓስከር ክኸውን ኣየፍቀድናን ፣ ናይ ገዛእ ርእስና ሃገራዊ መምርሒ ኣለና ናይ ካልኦት ኣይንቕበልን ፣ ባህርያዊ ጸጋታትና ኣብ ረብሓ ህዝብና ከም ዝኸውን ስለ ዝገበርና ፣ራእይና ምስ ጎረባብትና ንሰላምን ሓቢርካ ምስራሕን ዝጠመተ እዩ ።

በዚ ድማ ብኣሜሪካ ዝመራሒቶም ሃጸያውያን መንግስታት ከም መድሃኒት ዘይተረኽቦን ሓደገኛ ቫይረስ ተቖጺርና ንምጥፋእና ለይትን ቀትርን ኣስሚሮም ይሰርሑ ኣለዉ ።

ሃጸያውያን መንግስታት ገና ነጻነትና ኣዊጅና ፍሕት ከይበልና ከሎና ንምድኻምና ብኡ ኣቢሎም ድማ ንምጥፋእና ናይ ቍጠባ እገዳ እዮም ጌሮሙልና። ንሕና ግን ካብ ፈለምኡ ውን ናትና መርሃ ግብሪ ስለ ዝነበረና ሸርሕታቶም ንምፍሻል ግዜ ኣይወሰድልናን።

እዚ ምስራሕ ምስ ኣበየ ብውክልና ስርዓት ወያነ ኲናት ኣዊጆሙልና። እዚ ኲናት እዚ ምልእቲ ዓለም ኢዳ ዘእተወትሉ ሻማ ሻማ ኢሎም ኣብ ውሽጢ መዓልትታት ንምጥፋእና ዝተሓስበ እዩ ኔሩ ። እዚ ሓርበኛ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግን ተኣምር ብዝኾነ ጅግንነት ንወራራቶም ኣፍሺሉ ብዓወት መሰስ በለ ። ምስኡ ኣተሓሒዞም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብሩን ኣብ ደገ ዝነበሩን ብኩላት ሰሪዖም ናይ ፖለቲካ ሕማም ከተኣታትዉ ፈቲኖም እዚ ውን ንኽፈስል ግዜ ኣይወሰደን ። ዓቕሎም ዝጸበቦም ሃጸያውያን መንግስታት ብሃይማኖት ፈተነ ኣካየዱ። ነዞም ካብ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንመሳርሒ ዝተማህዙ ፐንተኮስታ ኣብ ኤርትራ ኣተኣታትዮም ንመንግስቲ ኤርትራ ክውንጅሉ ተራእዩ፣ እዚ ውን ንኽፈሽል ግዜ ኣይወሰደን ። እቲ ዓቕሊ ጽበት መመሊሱ ዛየደ።

ብድሕርዚ ነቲ ዓንዲ ሕቖ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ሃገር ጓሕጒሕና እንተ ደኣ ኣውጺእናዮ እታ ሃገር ደማ ጸንቂቓ ክትመውት ኢያ ዝብል ሕልሚ ሓሊሞም ንመንእሰይ ኤርትራ ኣደዳ ስደትን ሞትን ህልቂትን ጌረሞ እዚ ውን ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይሰርሐን። በዚ ድማ ኣሜሪካን ሰዓብታን ሃጸያውያን መንግስታት ብፍልሰት ደቂ ሰባት ንመንግስቲ ኤርትራ ከጸልማን ክኸሳን ይውዕላ ኣለዋ ።

እቲ ቀጺሎም ዝሃንደስዎ ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ብኣዕጣቕን መዋፈርን ናይ ግብረ ሽበራውያን እናበሉ ክኸስዎ ጀመሩ ፣ ወይ ጉድ ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ እዩ እቲ ነገር። ንግብረ ሽበራውያን ዘዋፍሩን ዘዕጥቑን ባዕላቶም እምበር ንሕና ኣይኮንናን። እዚ ውን ፈሺሉ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ ድማ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ዝብላ እየን።

ሰብኣዊ መሰላት እንታይን ንመንን እዩ ?

ሰብኣዊ መሰላት ክንብል ከሎና ንህዝብኻ ምቕላብ፣ ሕርሻዊ እቶትካ ምድፋዕ ንሕርሻ ኣገደስቲ ዝኾኑ ትሕተ ቅርጽታት ኣዳሊኻ ቀረብ ህዝቢ ምምላእ ሓደ ካብቶም ህዝቢ ክረኽቦም ዘለዎ ቀዳምነት ዝወሃቦም እዮም ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብዘን 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ሃኒጽዎም ዘሎ ዲጋታት ፣ ኣብ ሕርሻ ኣተኣታትይዎም ዘሎ ዘመናዊ ናይ ሕርሻ ማሺነሪታትን ኣብ ኣፍሪቃ መዳርግቲ የብሉን ። እዚ እቶም ከሰስቲ ኣካላት ኣብ ኤርትራ ይምጽኡ እሞ እቲ ግብሪ ባዕሉ ክምልሰሎም እዩ።

ንህዝቢ ትምህርቲ ምውዳድ እዩ ። ኣብ ኤርትራ ቤት ትምህርቲ ዘይብላ ዓዲ የላን ። ዘይ ከም ኣብተን ሃጸያውያን መንግስታት ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ንኹሉ ዜጋ መሰልን ግዴታን ኮይኑ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ብነጻ ብዘይ ገለ ክፍሊት እዩ ። ኣብዚ ውን ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትርከብ ። ኣብተን ሃጸያውያን ሃገራት ትምህርቲ ብነጻ ኣይኮነን፣ ስለዚ ንሕና ልዕሊኤን ኢና ።

ሕክምና፣ ኤርትራ ኣብዘን 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ተሃኒጾም ዘለዉ ሆስፒታላት እሞ ብዘይ ለቓሕን ሓገዝን ኣብ ማንም ናይ ኣፍሪቃ ሃገር ኣይተገብረን ። እዚ ዓለም ዝመስከረትሉ ሓቂ እዩ ። ኣብ ኤርትራ ሕክምና ብዘይ ክፍሊት እዩ፣ ከምዚ ዓይነት ብነጻ ኣበየነይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣሎ ?

ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ናጽነት ኣትሒዙ ለይትን ቀትርን ኣስሚሩ ካብ ዝሰርሓሎም ዘሎ ንህዝቢ ጽሩይ ዝስተ ማይ ምቕራብ እዩ ፣ እዚ ድማ ተዓዊትሉ ልዕሊ 96% ህዝቢ ኤርትራ ጽሩይ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ማይ ይቐርበሉ ኣሎ ። ከምዚኸ ኣበየነይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣሎ ?

ቀረብ ኤለክትሪክ ውን እንተ ኾነ መንግስቲ ብምሉእ ሓይሉ ሰሪሕሉስ መብራህቲ ዘይብላ ዓዲ ዳርጋ የላን።
እቲ ኣብ ዓለምና ከም መትኒ ደም ዝቝጸር መንገዲ ( ጽርግያ ) ውን ሎሚ ኣብ ኤርትራ መንገዲ ዘይብላ ዓዲ ኣብ ኤርትራ የላን ። መንግስቲ ኤርትራ እምበኣር ብሰብኣዊ መሰላት ምሕላው ናይ ህዝቡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕን ሽልማት ዝግብኦ መንግስቲ እምበር ዝኽሰስ መንግስቲ ኣይኮነን ።

ካብ ምንታይ ተበጊሶም ደኣ እዮም እቶም መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝበሃሉ ንኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኸስዋ ? ንምዃኑ እዚኦም መን እዮም ? ኣብ መሬት ኤርትራ ከይኣተዉ ብዓይኖም ከይረኣዩ ውሳኔኦም ዝህቡ ከመይ ጌሮም እዮም ? ሓደ ሓታቲ መጺኡ ኣበየናይ ሸነኽ ናይታ ሃገር እንታይ ዓይነት ምግሃስ ርኢኹም ኢሉ ምስ ዝሓቶም እንታይ እዮም ክምልሱ ?

እዚኦም ተለኣኣኽቲ ናይቶም ሃጸያውያን መንግስታት እዮም ። ካብቲ ቤት ጽሕፈት ገና ከይወጹ ከለዉ እቲ ከቕርብዎ ዘለዎም ጸብጻብ ዝተቐበሉ እዮም ። እቲ ጉዳይ ሰረገላ ብቕድሚት ፈረስ ብድሕሪት እዩ ።

ሃጸያውያን መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክወቕዕዎ ዝደልዩ ሽቶ እንታይ እዩ ?

እዚ ክሳብ ሎሚ ዘቕርብዎ ዘለዉ ክስታት ቅድመ ኩነት ናይቲ ንኤርትራ ከም ዒራቕን ሊብያን ሶርያን ኣብ ባይታ ዘየሎ ጠቐናታት ኣምጺኦም ዕሱባት ደቂ ሃገር ኣብ ጎድኖም ኣሰሊፎም ነተን ሃገራት ኣዕንየን ንህዝቢ ኣህሊቐን ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት ሕድሕድ ሸሚሞመን ዘለዉ ።ንዓናውን ንምህራምናን ኣብ ሕንፍሽፍሽን ናይ ዓሌትን ሃይማኖትን ዓውዲ ኲናት ኮይና ክትተርፍ እሞ ሽዑ ንሳቶም ከም ልቦም ባህርያዊ ጸጋታት ኤርትራ ንምግሓጥ እዩ። እዘን ኣሜሪካ ዝመራሒተን ሃጸያውያን መንግስታት ነዚ ንኽፍጽማ ኣብ ጎድነን ኮይኖም ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ደው ኢሎም ዘለዉ ከዳዓት ደቂ ሃገር ኣዋፊረን ኣለዋ ።እዞም ከዳዓት ደቂ ሃገር ወይለኦም ! ደም ናይቶም ጀጋኑ ሰማእታትና ንኸንቱ ኣይፈሰሰን !

ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ንሃሉ ኣብ ደገ ሕድሪ ሰማእታትና ኣብ ዝባና እዩ ዘሎ ፣ ዓቢና ንእሽቶና ነዚ ረዚን ሕድሪ ብደምና ክንዕቅቦ ምዃንና ፍለጡ ! ትማል ጭርሖና ዝመጸ ይምጻእ ወራሪ ኣብ ባርዕ ሰውራ ሓራሪ ! ሎሚ ውን ጭርሖና እያ። እቶም ኤርትራ ከም ዒራቕ ወይ ሊብያ ኮይና ክትተርፍ እትምነዩ ከዳዓት ደቂ ሃገር፣ ኣበደን ! እኳ ደኣ ሓይላን ሰሚራን ጎልቢታን እያ መሰስ ክትብል ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን መጎስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events