Dehai

"ደቂ ሃገር ኢና በሃልቲ ከድዓትን ዕሱባትን ወያነ፣ ነቶም ንኤርትራን ህዝባን ክከላኸሉን ካብ ወራሪ ኣባይ ከድሕኑን ትማሊ እታ እንኮ ሓንቲ ህይወቶም ዝበጀዉ 18 ጀጋኑ ኤርትራውያን ከይዓጠጦምን ከይገደሶምን፣ እንሆ ናይ ጎይቶቶም ተልእኮ ንምፍጻም ኣብቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝካየድ ናይ ንዱያት ሰልፊ ከካይዱ ከበሮ ይሃርሙ ኣሎዉ"።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 21 June 2016

"ደቂ ሃገር ኢና በሃልቲ ከድዓትን ዕሱባትን ወያነ፣ ነቶም ንኤርትራን ህዝባን ክከላኸሉን ካብ ወራሪ ኣባይ ከድሕኑን ትማሊ እታ እንኮ ሓንቲ ህይወቶም ዝበጀዉ 18 ጀጋኑ ኤርትራውያን ከይዓጠጦምን ከይገደሶምን፣ እንሆ ናይ ጎይቶቶም ተልእኮ ንምፍጻም ኣብቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝካየድ ናይ ንዱያት ሰልፊ ከካይዱ ከበሮ ይሃርሙ ኣሎዉ። ታሪኽ ግን ገና ይጽሓፍን ይስነድን እዩ ዘሎ!"*ብርሃነ ሃብተማርያም

ዜና መስዋእቲ!
ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ብወራሪ ስርዓት ወያነ ዝተወልዓ ብህድማ ንቅድሚት ዝግለጽ ኩናት፡ ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ 18 ብሉጻት ደቂ መሬት ከፉልና ኣለና። ኣብ ውግእ ዓወት የለን ንብል በዚ ምኽንያት እዩ። ግና ኣብ ርስትናን ሃገርና ንዝመጻና እንታይ ክንገብር ንኽእል ብጀካ ምክልኻል። ዋላ እኳ እዞም ጀጋኑ ልዕሊ 200 ምዉታት 300 ቁሱላት ብምግባር ነቲ ወራሪ ሰራዊት እንተቀጽዕዎን ነቲ ዝተሓስበ ወራርን እንተኣፍሸሉ ንዓና ግና ሓደ ካብ ሰራዊትና ክጠፍኣና ስለዘይንደሊ ዓቢ ሓዘን እዩ ዝስምዓና። ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ፕረዚደት ዝበሎ፡ "ሰንደቅ ሕድሪ ሰማእታቶም ሓፍ ኣቢሎም ኣሰር መምሃራኖም ዝሰዓቡ 18 ኣብነታውያን ጀጋኑ ስውኣትና፡ ተሓበኑን ብኽብሪ ተዘከሩን ንብሎም፡ ንዓርመሽሽ መኸተን ልምዓትን ሓይልታት ምክልኻል ህዝብኻ አሓቢንካ ተሓቢንካ ቅሰን"።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግና እቶም ምእንቲ መንእሰያትና ደው ኢልና ዝብሉ ብሽም ተቃወምቲ ዝሽቅጡ ውሑዳት፡ ስጋብ ሕጂ ነዚ ሰብ ዘጥፈኣልና ኩነታት ከምዘይ ኣጋጠመ ኣስቅጥ ኣቢሎም ጥራሕ ዘይኮኑ ነቲ ብወያነ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ንምስታፍ ላዕልን ታሕትን ምባሎም እዮም። ምስቲ ነዞም ናይ 18 ኣባጽሕ ኤርትራውያን ደም ዘፍሰሰ ስርዓት ብሓንሳብ ይቆጸሩ። ጌና ደም ስውኣትና ከይነቀጸ ካልኣይ ጥልመት ንምፍጻም ይጎየዩ ኣለው። እቶም ብሽም ፔንጠ ክሽቅጡ ዝቀነዩ ኤራትራውያን ንዖኦም እቶም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ጥራሕ እዮም የሕዋቶም። ምኽንያቱ መሸቀጢ ምእንቲ ክጥቀምሎም። እቶም ምስ ሰራዊት ወያነ እንዳተሓናነቁ ነታ ንግደሰላን ንቃለሰላን ኣለናን ዝብልዋ ኤርትራ ንምድሓን ዝሓለፈ ተሰውኡ ኣይንታዮምን እዮም። እኳ ደኣ ኣብ ሬሳ እዞም ምእንቲ ኩላትና ዝተሰውኡ ንምስዕሳዕ ካብታ ቀታሊት የሕዋትና ዝኾነት ኢትዮጵያ ብናይ ኢትዮጵያ ፓስፓርት ንኪሮስ ንምምጻእ ይሸባሸቡ ኣለው። ኣብ ሰሙን ዘይመልአ ግዜ ንሳዕሲዕትነ ጭፈራ ካብ መሬት ኢትዮጵያ፡ ስድራቤት እዞም ጀጋኑ ጌና ኣብ ከቢድ ሓዘን ከለው እታ ቅድሚ ሕጂ መቃብር ስውኣትና ዝፈሓረት ወያነ ሕጂ ከኣ ንካልኣይ ጊዚኣ ንኪሮስ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ስውኣትና ክስዕስዕ ነቶም ነዳያት ሸየጥቲ ሃገሮም ከም ህያብ ትሰደሎም ኣላ። ኩሉ ሃገራዊ ነቶም ኣብ ልዕሊ ጀጋኑ ሰማእታትና ክስዕስዑ ተቀሪቦም ዘለው ብሽምን ስእልን ክሕዞምን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከቃልዖምን ንላቦ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሺጢ ዘሎ ብፍላይ ኣብ ሓዘን ኣብ ዝተቀመጠሉ ግዜ እዚኦም ከምዚ ዓይነት ገበን ክፍጽሙ ክድዓት ንስውኣትና ኡዩ። ከምቲ ሓንቲ ብሽም ጴንጠ ትሽቅጥ ሓበን በራኺ ዝበለቶ፡ ስጋብ ሻዕብያ ዘለው ሃገር ዝተወረረት ትወረር ዝሞተ ይሙት ኣይንከላኸላን ኢና። ንሳን ስድራቤታን እዞም ብስም ተቃወምቲ ንዕለት 23 ሰነ ንጀኔቫ ዝኸዱ ዘለው ልክዕ ከምቲ ነዞም 18 መንእሰያትና ዝቀተለ ወያነ ሓላፍነት ክስከሙ ምዃኖም ክዝንግዑ የብሎምን። ኤርትራ ግና ሳላ እዚ ፈቀዶ በረኻን ስንጭሮን ምእንቲ ክብረታ ደው ኢሉ ዘሎ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰይ ሕጅውን ደው ኢላ ክትቅጽልእያ። ኩሉ እዚ ህቦብላ ፈራዕራዕን ክሃድእ ቁሩብ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ። ሽዑ ኣብ ምጽብጻብ ክንኣቱ ምዃንና ኣይስሕትዎን ይኾኑ። ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ነቶም ትማሊ ሰንበት ሃገርን ህዝብን ንምክልኻል ሂወቶም ዝሃቡን ነቶም ሃገር ንምምጻእን ንምውሓስን ዝከፈልናዮም ስውኣትና፡ ሞሳ ንሰራዊት ኤርትራ። ዓወትንሓፉሽ!!
ሸር ንግበሮ ብጾት ናብ ኩሉ ንኽበጽሕ፡ የቀንየልና።

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡s Foto.
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events