Dehai

"ንምእንቲ ውልቃዊ ረብሓኦምን ንኸብዶምን ብባዕዳውያን ግዳማውያን ሓይልታት ተዓሲቦም ኣንጻር ህዝቦምን እታ ንኹሉ ሸርሕታትን በለጽን ተጻብኦን መኪታን ን30 ዓመታት ተቓሊሳን ብቀይሕ ደማን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ጀጋኑ ደቃ መሪር ጉዕዞ ህይወትን መውጋእትን መስዋእትን ከፊላ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ከም ዕምባባ ቦሎኽ ኢላ ዝወጸት ኤርትራ............

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 22 June 2016

 
 
 
 
 
*"ንምእንቲ ውልቃዊ ረብሓኦምን ንኸብዶምን ብባዕዳውያን ግዳማውያን ሓይልታት ተዓሲቦም ኣንጻር ህዝቦምን እታ ንኹሉ ሸርሕታትን በለጽን ተጻብኦን መኪታን ን30 ዓመታት ተቓሊሳን ብቀይሕ ደማን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ጀጋኑ ደቃ መሪር ጉዕዞ ህይወትን መውጋእትን መስዋእትን ከፊላ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ከም ዕምባባ ቦሎኽ ኢላ ዝወጸት ኤርትራ ንምቑጻይን ንድሕሪት ንምምላስን ዓይኖም ሰለም ከየበሉ ክሓልሙ ዝሓድሩን ዝውዕሉን ገለ ሕልና ዘይብሎም ኤርትራውያን ኢና በሃልቲ ሽየጥቲ ሃገር፣ መልእኽቲ ህዝቢ ኤርትራ- ብባህልና ሕያዎትን ኣኽበርቲ ኣጋይሽን ኢና፣ መሬትና ክጎብጥን ንብረትና ከብርስን ህይወትና ክቐጥፍን ዝመጽእ ዝኾነ ወራሪ ሓይሊ ግን ዕጭኡ ሞትን ሕፍረትን ስዕረትን እየን!"
 
*ብርሃነ ሃብተማርያም
 
 

ክቡራት ኣሕዋት፡ እቲ ኣነ ዝፈልጦ ሓቂ ከካፍለኩም። እዞም ሕጂ ምስ በዓል ወ/ሮ ሺላ ኮይኖም ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ደው ዝብሉ ዘለው ውልቀ ሰባት፡ ከም በዓል ሰመረ ተኸስተ፡ ዳንኤል ረዘነ፡ ሓቀኛ መበገሲኦምን ዕላምኦምን ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። ፈለማ ኣብ 2000-2001 እውን ነቲ ንጹህ ፈታው ህዝቡን ሃገሩን መንእሰይ ተማሃራይ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ናብ ዘይሓሰቦ ሕቶ ረብሓ ከምዝለዓዓል ዝገበሩ እዮም። ኣብ 1998-1999 ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ብምሉኡ “ኩሉ ድሕሪ ሃገር- ትምህርቲ ድሕሪ ሃገር” ኢሉ ክኸትት ዝጠለበሉ እዋን እዩ ኔሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ትምህርቲ ኣብዝነበርናሉ እዋን ናይ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ቅዋም (student council) ነዲፍና ኔርና። ኣነ ሓንቲ ኣባል ናይቲ ማሕበር እየ ዝነበርኩ። ንሕና ናብ ኣገልግሎት ምስ ወጻና፡ ብድሕሬና፡ ኣብ እዋን ሳልሳይ ወራር፡ ህዝብን መንግስትን ተዋጢሩ እንከሎ፡ በዓል ሰመረ ተኸስተ - ኣባላት ናይቲ ቤት ምኽሪ ተማሃሮ ስለዝተመርጹ - ነቲ ናይ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ቅዋም ብምምዝማዝ፡ ንተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደሞዝ ክስልዓሎም ዝብል ሕቶ ዘለዓዓሉ እዮም።

እቲ መዋእሉ ከርተት ዝበለ ተጋዳላይ፡ እቲ ህይወቱ ዝውፊ ዝነበረ ዋርሳይ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ንደሞዝን ንውልቃዊ ረብሓን ግምት ኣብዘይህበሉ ዝነበረ እዋን። ስለዚ እዞም ደድሕሪ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዞኽዞኽ እናበሉ መንእሰያት ዘዳናግሩ ዘለው፡ መበገሲኦም እንታይ እዩ? ንምንታይ ዕላማ እዮም ዝሰርሑ ዘለው ምፍላጦም ኣገዳሲ ይመስለኒ። ክቡራት ኣሕዋተይ ኤርትራዊ ጸገም፡ ብግዳም ይኹን ብውሽጢ ዝገጥመና ተጻብኦ፡ ብሓደ ተዋሃሂድና ተላዚብና ዳኣ ንፈትሖ እምበር፡ ምስ ጓኖት ሓቢርካ ዝመጽእ እንትርፎ ምብትታንን ውድቀትን ንሓፋሽ ዘርብሕ ኣይኮነን። እዞም ቅሩብ ቅራቦ ኣሕዋትና ከኣ ኣይፋልናን ኣብ ኤርትራ ዘይረኸብናዮ ዝና፡ ኣብ ኤርትራ ዘይረኸብናዮ ረብሓ ይበልጸና፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራን ህዝባን ኢና ደው ንብል እንተበሉ፡ እቶም ብገርህኹም ክትስዕብዎም ትብገሱ ኣሕዋት ሕልና ጌርኩም ርግእ ኢልኩም ክትሓስቡ ይላበወኩም። ምልስ ኢልና ድማ ታሪኽ ንፈትሽ። መዓስ ዘበን እዮም ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ንጥቕሚ ህዝብታት ኤርትራ ይኹን ህዝብታት ኣፍሪካ ብሓፈሻ ሰሪሖምን ወሲኖምን ዝፈልጡ??? እቲ ተበጊሶምሉ ዘለው ናይ ዕንወት መንገዲ፡ ግጉያት ከምዘለው፡ ብሓድነትና ንምሃሮምን ነመስክርን። ሕቶ ዝናን ሕቶ ረብሓን ካልእ ሞያ ሃሰው ኢሎም ይርከብዎ እምበር ብወጽዓን ምብትታን ህዝቢን ክረኽብዎ ትም ኢልና ኣይንርኣዮም።


ብብጸይቲ ራሄል ተወልደ ፡ ኣስመራ
(ስእሊ፡ እቶም ንኤርትራ ዝኸስዋ ዘለው ምስቶም ሸየጥቲ ሃገር)

 
 
*ከብዶም ከም ሓርቢ ከግዝፉ ብባዕዳውያን ሓይልታት ዝተዓስቡ፣ ምስኦም ኮይኖም ድማ ንኤርትራን ህዝባን ንምጉዳእ ስዋኣ ከምዝጠዓመላ ወይዘሮ ወዘኽዘኽ.......... ዝብሉን፣ ብላዕ ከይበሉዎም ጽብሑለይ ኢሎም ዝጠልቡን መጉሃይ ቤተ ሰቦምን ህዝቦምን!!! *ብርሃነ ሃብተማርያም 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events