Dehai

**ጸቢሓ ዶ እታ ጽባሕ****ዓወት ንሓፋሽ - ኣሸናፊ ኣብርሃም ( ኣሼ) - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Monday, 27 May 2019

****ጸቢሓ ዶ እታ ጽባሕ****

ግዜ ክዕዘር ፣ግዜ ክመጽእ ንኣመሉ
ጠበሽ ከም ዝብል ፥መዓልቱ ኣቑጺሩ
ኣንታ ኣብ ትማሊ ኮንካ ፥ንጽባሕ እትሕሉ
ወዮ ጽባሕ ዝበልካ ፥ሎሚ እንደኣሉ
        
   ናጽነት ተሓሲሞም፥ባርነት ዝናፍቑ
ዑንኦም ኣፍሪሶም ፤ዑና እንዳማቶም ዝልቕልቑ
ብምወዋሎ ዝተቓነዩ ፥ንዝርገት ዝተዓጥቁ
ህንጡያት ሰብ ገዚፍ ቆቢዕ፣ ኣበይ ደኣ ሓቐቑ

     ዘይወግሕ መሲልዋ "ስ ፥ኣብ ቡኽራ
ድዩ ዝተባህለ ፣ ብናይ ኣቦዋት  ምስላ
ትጥልቕ ዶ ኣይነበርካን ፥ትፍክር ብጃህራ
ትማሊ ዝሓንሓንካ ፥ሪኢኻዮ "ዶ ዋዕላ

      እሞ ኸ ደኣ ኣበይ ሃጠመ ፣ቃና ትማሊ
ሪኢኻዮዶ "ዶ ባይቶ ፥ደቂ ህዝባዊ ሓይሊ
መንእሰያት ግንባር ፥ወረስቲ ሕድሪ
ነኸስቲ ኣብ ሪሞም፥ ክጋብኡ ኣብ"ቲ ቀጽሪ

    ስለ ሃገር ክላዘቡ ፥ብፍቕራ ክዝምሩ
ቅሰኒ ዓደና ኣለናልኪ፥ ስኽፍ ኣይበልኪ ክብሉ
ወዮ ገበታ ፈኸራ ደኣ ፥ ሕጂ እንታይ ሽንኑ
ወዮ ጽባሕ ደኣ እንሆ ፥ሎሚ ዳንዩና ባዕሉ
       
      ትማሊ ዋዕላ መንእሰያትና ስሙር ዋዕላ
ሎሚ ጽንብል ክቡር ናጽነትና 
ምውጫት ኮራኩር ፥እዝንና ዘይኮኽየና 
ወዮ ጽባሕ ዝበሉዋ ደኣ ፤እንሀት እንዶ ኮይና 
 
      ስሙር ዋዕላ ፥ደም ዘስረቦ ዓይንኻ
ቃርማ ጽንጽያ ፥ኣብ ቅርዓት ሓድነት ዝዘንበኻ
እሞ ኸ ደኣ ረሲዕካዮ 'ዶ፥ ጽባሕ ከምዝመጸ
ዶስ ሓደ ኮይኑካ ፥ዝቐበጸ ከምዝነቐጸ

      እንበር እቲ ውዑይ ዕድመ ፣ተረካቢ ወለዶ
ሃንቀውታ ህዝቡ ሎሚ ተሳሒሉ ፥ጽባሕ ዘግህዶ 
መዓስ ይእግሞ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ፣ ሓየት ypfdj ፋርስ
እንሆ እንዶ ደኣ ትማሊ፥ዝፈከርካሉ ሎሚ ብዕጽፊ ይምርሽ
       
     ቅንያት ናጽነት ዘቕለልዎም
ዳስ ስሙር ህዝቢ ፥ዓይኖም ደም ዝመልኦም
ብትሕቲ ሃገራውነት ፥ኣውራጃዊ በዓቲ ዝጭጭሑ
ኣበይ ደኣ ኣበሉ እቶም ፤ትማሊ ገበታ ዝነብሑ

        ወዮ ጽባሕ  ደኣ ጸቢሓ እንድያ
ህጡር ዋዕላ ሪኢኹሞ "ዶ መጋባእያ
 ሰሲኑ ወዲግንባር ፥መንእሰይ ህግደፍ ርኣይዎ በሉ
ሰዊዱ ሞንጉ ፥ወራሲ ሕድሪ ጽኑዕ ኣብ መትከሉ 
 
     ኣበይ ደኣ ተሸርቡ፥ እቶም ሰብ ውቃበ
እዋን ናጽነት ዘጉርዑ ፥ሰብ ዛር  ከርበ
ህጥም ዶ በሉ እንቃዓ ዝገዓሩ፥ ወይጦት
ሕርር ኩምትር ዶ ኢሎም ፥ብድምቀት በዓል ናጽነት
 
      ጽባሕ ጽባሕ ዝጥመቑ 
ሰንበት ተወሊዶም ሰኑይ ዝሓቁ
ኣበይ ደኣ ተሸርቡ ፥ሰብ ዋዕላ ዓዲ እንግሊዝ
በዓል ማዳ ሃገር ፥በዓል መሸተ ግብዝ
        
     ብሕንጫላት ወኻሩ ጸሓይ ናጽነት ዶ ደቢና
ብሰፍኢ ገልዒ ኣጋልዕ ፥ዶ ጸሓይና ተኸዊሉ ብርሃና 
ኣበይ ደኣ ተሸርቡ፥ዕርባት ሕልና በዓል ጢና ሚና
ንሕና ክንቆጻጸ ብጽምብልና ፥ንሶም ኣብ ሕልምልም መድፈና 

        ዓወት ንሓፋሽ
       ኣሸናፊ ኣብርሃም ( ኣሼ)
         ጀርመን
          26/5/ 2019

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events