Dehai

ሰይጣን ርሓቕ ካባይ ሓገዝካ 'ትረፈኒ - ብብጻይ ተስፋይ ትካቦ ካብ ከተማ ካርልስሩሀ ሃገረ ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Tuesday, 23 July 2019


ሰይጣን ርሓቕ ካባይ ሓገዝካ 'ትረፈኒ  
ብፍቕሪ ክነብር ሰላመይ ሃበኒ                                      
ምስ መን ዘይመኸርካ ዶብና ከተህስስ          
ምስ መን ዘይሸረኽካ ኤርትራትድምስስ
እንታይ ዘይመሃዝካ ንዓይ ከተደንዝዝ
ሕሹኽ እናበልካ ጎረቤት ትጥምዝዝ
      ሓጸዊን ተንፍር ደበና ክትብጽብጽ
      ስኽፍ ዘይብለካ መሬት ከተንቅጽ     
ሰይጣን ርሓቕ ካባይ ሓገዝካ 'ትረፈኒ
መሬተይ ከልምዕ ሰላመይ ሃበኒ
       ስሱዕ ጸላኢና በዕጽምቲ ዝምውጽ
       ንሱ ዝበሎ 'ምበር ናትና ዘየድምጽ
ሓፋሽ ይትዓጠቕ ዓው ኣቢልና ድምጺ
ሓይልና ነደልድል ከይኣቱ ዓማጺ
       ሳዋ ሳዋ  ሳዋ ሳዋ 'ዛብራዋ
       ሳዋ ሳዋ  ሳዋ  ዲሲፕሊን ኣለዋ
ሰይጣን ርሓቕ ካባይ ሓገዝካ 'ትረፈኒ
ደቀይ ንኸዕቢ ሰላመይ ሃበኒ       
        ንደቅና ሕጂ ንጠምቶም
         ታጥቦ ጭቃ ከይኸውን ሽመቶም


ተስፋይ ትካቦ 
ካርልስሩሀ
ጀርመን


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events