Dehai

Facebook.com: ኮለል ወዲ ኮለል ኣየድልን እዩ!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 04 July 2016

ኮለል ወዲ ኮለል ኣየድልን እዩ
 
ወርሒ ሓምለ 3, 2016

ኮለል ወዲ ኮለል ኣየድልን እዩ። መራሕቲ ናይ ኤርትራ ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ተባሂሉ። ኣየናይ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ! እቲ ንኣልበሽር ናይ ሱዳን ን12 ዓመት ዝደለዮ ኣብ መሬት ክንዲ ፍረ ኣድሪ ለውጢ ዘየምጽእ ናይ ካንጓሮ ገዛ? ንሱ ይጽንሓልና ሕጂ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ግና እቲ ሓሊፉ ዘሎ ዝበሃል ብኮምሽን ውሳኔ እዩ። ኣብ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዝሰርሕ ብጻይ ዝሃበኒ ገምጋም ናይ ኩሉ ሚኒስትራትን ውድብን እዩ። ይገርም እዩ ከምቲ ዝሓሰብዎ ዘይኮነ ብኣንጻሩ ነቲ ውድብን መንግስትን እዩ ኣደልዲሉ ይብል። ኣነ ከኣ ብምግራም ብኸመይ ይብሎ። ይብለኒ ኣብ ሰራዊትን ሚንስተራትን ግንባርን ብዝተገብረ ኣኼባታት ዋላውን እቶም ኣብ ኣካይዳና ምትዕርራይ ክንገብር ኣለና ኢሎም ዝካትዑ ብጾት ነዚ ናይ ኮምሽን ሪፓርት ወይ ክሲ ነዛ ፈውሲ ማሕላ ከማን ዝደገፉ ሰብ ኣይተረኽበን። እኳ ደኣ ኩሎም ምሕራን ኣብ ሓንቲ መስመር ደው ኢሎም ይብል። ብምቅጻል እቲ ክሲ ኣንጻር ውሕዳት ሓለፍቲ እንተዝኸውን ዋላ እኳ ምስ ሓለፍትና ደው ንብል እንተኾንና ንምንታይ እሞ ከምዚ ዓይነት ምልውዋጥ ጌርና ዘይነዕግሶም ወይውን ንምንታይ ዘይንዛተየሉ ኢልካ ትዛተ ኢኻ። እዚ ናይ ሕጂ ክሲ ግና፡ ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ንሰራዊት ኤርትራ፡ ንህዝባዊ ግንባር፡ ናይ ስለያን ጸጥታን ትካላትን ፓሊስን ካብ 1991 መዓልቲ ነጻነት እዩ ዝኸስስ። ኣብዚ ኣካላት ዘይተሳተፈ ዜጋ ናይ ኤርትራ ክትረክብ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ እቲ ክሲ ንህዝቢ ኤርትራ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ንኩሉ ሰብ ኣብ ሓንቲ መስመር ደው ከምዝብል ጌርዎ። ንመርገምና ዝሓሰብዎ እባ ንምርቃና ጌርዎ። እታ ለውጢ ብውሽጢ ዝብልዋ ተስፉ እያ ኣቁሪጻቶም። ንኩሉ ከሲሶም እሞ እታ ለውጢ ደኣ በየን እያ ክትመጽእ ዝጽበይዋ ዘለው? እቶም ብናይ ጀኔቫ ሰለማዊ ሰልፊ ክትመጽእ ኢልኩም ትሓስቡ እዛ ኩላ ዝተኣከበት መዓንጣ ኣልቦ ሰብ ንሓንቲ መስርዕ ሓይልታትና ከማን ኣይትገጥምን እያ። በሉ ንገሩና እታ ለውጢ በየን? ባዕልና ኣብዛ መሬትና፡ ባዕልና መንግስቲ፡ ባዕልና ሰራዊት፡ ባዕልና ወነንቲ ነፈራትን ታንክታትን፡ ባዕልና ኩሉ ኩሉ ኣብ ኢድና! ንሕና ኩሉ ኣብ ግንባራት ኣብዚ ንስኻትኩም ኣብ ግንባር ፌስ ቡክ። ውረዱ ግጠሙና ከይንብል ንፈልጥ ኢና ሓደ መዓንጣ ዘለዎ ከምዘየለ! እሞ ምርዳእ ኣብዩኒ ኣሎ እስከ ኣረድኡኒ በየን ኢኹም ነታ ለውጢ ከተምጽእዋ? ማዕቀብ ክግበር ከሎ ነዚ ህዝቢ ኢልክሞ ቀሪብና ንዓመታ ኣስመራ! ሻምናይ ዓመቱ ሒዙ። ሕጂውን ንሓደ ጀነራል እንተከሰስክሞ እንታይ ለውጢ የምጽኣሉ ካብ ቦታኡ ሓሊፉ ዘይንቀሳቀስ ሓርበኛ? እንተ እቶም ናትና ንሆሊደይ ኢልካ ምውጻእ ከማን ኣይፈልጥዎን። እሞ ብድራማ ስጋብ መዓስ ሰብ ከተጋግዩ? ሓቂ ንገርዎ ነቲ ተጋግዩ ዘሎ ውሑድ። ዝበዝሐ እኳ ብትምዮን ፊስቡክ ጌሩ ይቃወም ዓዱ ከኣ ይበጽሕ ንፈልጦም ግና ሸለል ንብሎም። እቲ ስድርኡ ሞይቶም ክቀብር ዘይክእል ግና ንሓዝነሉ፣ ከመይሲ ስድራ ክትሕግዞም እዩም ዝልእኩ እምበር ተጋዳላይ ናይ ኢንተርነት ኮይኑ ክሰምዑስ ሃየንታ ኣለዎ። ኣብ መሬት ዝቅየር ስለ ዘየለ ናብ ልብኹም ተመለሱ፣ ሓደግቲ ኢና!!!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events