Dehai

ምትእኽኻብ ትግራይ ሚድያ ሃውስ

Posted by: asefaw g/her

Date: Wednesday, 11 December 2019

ትግራይ ሚድያ ሃውስ ናይ ወያነካባ ከምኡውን መልሓስ


ምትእኽኻብ ትግራይ ሚድያ ሃውስ
ካብ መቀለ ስጋብ ከባቢ ዋይት ሃውስ
ናይ ወያነ ኣገልጋሊ ከም ትሮጃን ፈረስ
ዝዓለመ ሕማም ወያነ ብሚድያ ንምፍዋስ
ንወያነ ካብ ታኼላ ዝኣተዎ ንኸተፍኩስ
ናይ ሕውሓት ካባ ከምኡውን ምርኩስ
ኣብ ሓደ ርእሲ ሰለስተ መልሓስ
ብሰለስተ መንነት ቅልውላው እትሕመስ
ኢትዮጵያዊነት ትግራዋይነት ኣጋዚያን ብምትሕውዋስ
መእከቢ ዑስባት መፈልፈሊ ሃሱስ
ብፋይናንስ ማለሊታውያን እትወሳወስ
ጅግንነት ህግ ብወያነ  ዝዓለመ ንምውራስ
ታሪኽ ናይ ወያነ  ኣብ ልዕሊ ህግ ትፍትን ከተካሓሕስ
ናይ መንነት ቅልውላው ዘሎዎም ሰባት ተበጋግስ
ታሪኽ ኤርትራዊያን ትፍትን ከተብርስ
ታሪኽ ኢትዮጵውያን ትህቅን ክትህስስ
ታሪኽ ትግራይ ትፍትን ከተንግስ
ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ተባእስ
ጀግንነት ወያነ ብፈጠራ  ከተዕቢ ንካልኦት ግን ትወቅስ
ጌጋኣ ነቃልዓያ ንበላ ከም ድሙ ብስብስ
ዕድል ኣይንሃባ ኣብ ልዕለና ከም ደላያ ከይትቅልስ
ስቅ እልና ኣይንርኣያ ናይ ሓሶት ታሪኽ ክትለውስ
ምእንቲ ናይ ሓሶት ታሪኽ ፈጠራ ከብቅዕ ክብስብስ
ናህራ ምስ ወድእት ከተብቅዕ እያ ክትዕበስ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events