Dehai

እዋን ዝጠልቦ ሓላፍነት

Posted by: Germay Berhane

Date: Tuesday, 14 April 2020

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልስን ታሪኺን ወለዶታት እዩ። ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካልእ ወለዶ እንዳተማሓላለፈ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ናቱ ጉቡእን ሓላፍነትን እንዳተሰከመ ጉቡኡ ዝገበረ ህዝቢ እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ ከይዘከርክዎ ክሓልፍ ዘይደሉ ግደ ሙሁራት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኤሮጳን ሰሜን ኣሙአሪካን ማእከላይ ምብራቕን ዝነበረ ኤርትራውያን ንነጻነት ዝብሃል ጥርናፈ መንእሰያትን ናይ ኣባላት ህዝባዊ ግንባርን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኤሮጳን ዝነበረ ማሕበር ተማሃሮ ናይ ጀብሃን ብሓፈሽኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተማሃሮ ንሰውራ ኤርትራ ዓቢ ድፊኢት ዝሃቡ ሙሁራን ነትሮም፡ 
እዞም ሙሁራት ኣብ ቁጠባዊ ኣበርክቶ ጥራሕ ከይተወሰኑ፡ መብዛሕትኦም ትምህርቶም ወዲኦምን እንዳቃረጹን ካብ'ዚ ናይ ምቾት ናብራን ኣብ ሰውራ ብምስላፍ ክሳብ ዕለተ ነጻነትን ሕጂን ንሃገሮም የገልግሉ ኣለዉ። 
እዚ ህያው ኣበርክቶ ናይ ቀዳሞት ውፍያት ሙሁራትና ሪኢኻ ኣብ'ዚ እዋን ድማ መንግስቲ ከቢድ ወጻእታት ከፊሉ ዘምሃሮም ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ክስለፉ ክትርኢ እንከለኻ ኣዝዩ የሕዝነካ።

ናይ ኣሜሪካ መደበር ተለቪዥን CNN ብቀጻሊ ብዛዕባ ሓቂ ወይ ጭብጢ facts ኣዘውቲሮም ዘቃልሕወን ጥቅስታት ኣለዋ፡ እዚ ማለት CNN ኩሉ ግዜ ብጭብጥታት ዝሰርሕ መደበር ተለቪዥን እዩ ማለተይ ኣይኮነን። እንተኾነ እተን ጥቅስታት ስለዝምስጣኒ ኣብ'ዚ ዓለም ካብ ጭባትታትን ሓቅን ሪሒቃ ነቶም ንህዝቦምን ሃገሮምን ዘገልግሉ ዘለዉ ተባዓት መራሕቲ ስሞም ክትድውን እንከላ ኣስከ እዘን ጥቅስታት ንዓና ንኤርትራውያን ንጉዕዞናን ኣተሓሳስባናን ከማእዝናና ይሕግዛ እየን ኢለ ስለዝገመትኩ ጠቂሰየን ክሓልፍ እየ። 
1- ኣብ ግዜ ዘይርጉጽነት ጭብጢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን።
2- ኣብ ግዜ ቅልውልው ጭብጢ ንጹርነት ተግህድ
3- ኣብ ግዜ ጭንቀት ጭብጢ ተረስርስ
4- ኣብ ግዜ ምክፍፋል ጭብጢ ኣብ ሓደ የስምረና
5- ኣብ ግዜ ምድንጋር ጭብጢ ኣገዳሲ ይኸውን

ኣብ መወዳእታ  ቀዳምነት ጭብጢ ኩሉ ግዜ ጭብጢ ዝብል እዩ።
ኣብ'ዚ ሃገርና ብጽንኩር ኩነታት ሓሊፋ ናብ ምርግጋእን ምዕባለን እትሰጋገረሉ ዘላ እዋን ነዚ ታሪኻዊ ጉዕዞ ዘይስሙ ንምሃብ ንታሪኽ ንድሕሪት ክመልሱ ዝፍትኑ ኣንጻር ጭብጥን ሓቅን ደው ዝበሉ ሰባት ክትርኢ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን። 
95 ዶክተራት ተኣኪቦም ሓደ ኣዋጅ ኣውጺኦም ክትሰሞዕ እንከለኻ ምስ ደረጃ ትምህርቶምን ኣብ ጭብጥን ሓቅን ዝተመርኮሰ፡ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝሳነ ኣብ ወድዕነት ዝተሞርከሰ ክኸውን ትጽበ።
ዝኾነ ሰብ ናቱ ፖለቲካዊ ርእይቶን መርገጽን ክህልዎ መሰሉ እዩ። መሰልካ መዓስን ኣብ ከመይ ኩነታት ትጥቀመሉን ማዕሪኡ ድማ ጉቡእካ እንታይ ምኻኑ ምፍላጥ ድማ ገዳሲ እዩ። 
እዞም 95 ዶናቁር ዶ ሙሁራት ክንብል ስለምንታይ ሕጂ ኣብ'ዚ ፈታኒ ግዜ ህዝብና ይሃሉ ዶ ኣይሃሉ ዝበሃለሉ ግዜ ነዚ በዳሂ ሕማም ምስ ውልቃዊ ፖለቲካዊ ሸቐጦም ክኣስርዎ ዝፍትኑ ዘለዉ?
እቲ ዘገርም ነቶም ለይትን መዓልትን ህዝቦም ንከድሕኑ ዝሰርሑ ዘለዉ ሞያውያን ስለምንታይ ከነኣእስዎምን ከስተናዕቅዎምን ይርከቡ ኣለዉ።እዞም ሙሁራት ኢና በሃልቲ እንተድኣ ቡቑዓት ሓካይም ከምዘይብልና ዝፈልጡ ኮይኖም ንምንታይ ኣብ ሃገሮም መጺኦም ህዝቦም ዘየድሕኑ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታትናን ኮለጃትናን ብሕጽረት ናይ ደቂ ሃገር መማሃራን መንግስቲ ብከቢድ ወጻእታት ካብ ደገ እንዳምጽኤ ንሳቶም እንታይ ይገብሩ ኣለዉ። 
ብናተይ ርእይቶ እዚ ወሲደሞ ዘለዉ ተግባራት ካብቶም ኣብ ግዜ ቃልሲ ናብ ጸላኢ ኢዶም ዝህቡ ዝነበሩ ከዳዓት ፈሊና ክንርእዮም የብልናን። 
ዝበዝሑ ካብዞም  ፈሪሞም ዝበሃሉ ዘለዉ ሰባት ነቲ ተዘርጊሑ ዘሎ "ማነፈስቶ"ዝብል ብጉቡእ ዘንበብዎን ዝረኣይዎን ኣይመስለንን።ካብ ኣሳኻኹዓ ቃልቱን ጠቂሰሞ ዘለዉ ኣብ ጭብጥን ሓቅን ከምዘይተሞርኮሰ ብጉቡእ ዝተረድእዎ ኣይመስለንን። 
ኤርትራ ንሃይማኖታዊ ጥርፉነት መጫጪሒት እትኸውንን ዕድል እትህብ ሃገር ኣይኮነትን። ትምህርትን ሕክምናን ይሕመቅ ይጸብቅ ናይ መንግስቲ ሓላፍነትን ኣብ ዝኾነ እዋን ክቕየር ከምዘይክእል ክርድኡ ኣለዎም።
ኣብ ከም ባዓል ክፍለ ሃገር Detroit ናይ ኣሜሪካ ዘሎ ጹሩይ ማይ ዝስተ ዘይብሉ ኣብ ኤርትራ ከምዞም ነውራማት ዝብልዎ ጸገም የብልናን ብጻዕሪ ህዝብናን ዋርሳይን ይፍታሕ ኣሎ። ልዕሊ 80% ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝብና ጹሩይ ዝስተ ማይ በቂዑ እዩ።
ኣቱም ሰባት Shame on you. ቅድሚ ኣስማትኩም ኣብ ናይ ዕዳጋ ሸቃጦ ምውራዱ ኣስተውዕሉ፡ ካብ ጌጋኹም ተማሃሩ፡ ንህዝብኹም ካብዚ ወሪዱ ዘሎ ሽግር ከተድሕኑ ኣብ ጎኒ ህዝብኹም ተሰለፉ። ኩሉ ሽግር ምስ ሓለፈ ዝረኣየኩም ጌጋታት ክትሓትሉ መሰልኩም እዩ። ሕጂ ነዚ ፈታኒ እዋን ኣብ ጎኒ ህዝብና ደው ንበል። ነቶም ለይትን መዓልትን ህዝቦም ዘድሕኑ ዘለዉ ሞያውያን ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሪዖም ዘለዉ ጀጋኑና ኣጆኹም ንበሎም። ጊጋና ንኣርም። ንሓደሽቲ ሸቃጦን ኣዛብእን ብስም ረዲኤት ኣይንሃብ። እቲ ኡንኮ ሓገዝኩም ናብ ህዝብኹም ከብጻሓልኩም ዝኽእል መንግስትኹም እዩ። ዘለና ሕቶታት ግን ንጽባሕ ነጽናሓዮ።
ዘለና መሪሒነት ምስ ህዝቡ ዝነብር ኣብ  ወጻኢ ሃገር ንብረት ዘይብሉ ደቁ ከም ዝኾነ ወዲ ሃገር ዝማሃር እዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ፈትል ጡጥን ኣጣቢቁ ዘውሓሰ፡ ዳግማይ ወራርን እገዳን ፈትል ጡጥን ኣላጊቡ ሃገር ዘውሓሰ እዩ። እምነትና ኣብ ልዕሊኡ ኩሉ ግዜ ክብርኽ ኣለዎ።
ኣብ መደምደንታ ዝለዓለ ምስጋና ንኣባላት ሚንስትሪ ጥዕናን ዜናን ኩሎም መንእሰያትን ኣብ ሂወት ህዝብና ንምድሓን ዝነጥፉ ዘለዉን ኩሎም ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ዜጋታት ልዑል ምስጋና ይብጻሓዮም።
God Bless our country

ግርማይ የማነ
tzinaat@gmail.com




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events