Dehai

ሰነድ ታሪኽ: ዝምድና ህዝባዊ ግንባርን ወያነን ኣብ ቃልሲ 1ይ ስጋብ 5ይ ክፋላት

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 30 April 2020

*ሰነድ ታሪኽ፡ ፈተነ ምእላይ ወጥሪ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን 5ይ ክፋል
3) ኣፍሪቃዊ ተገዳስነት

***ኣቲ ቅድም ዝለጠፍኩዎ 4 ክፋላት ሰነዳት ታሪክ ብምሉኡ ኣብ ታሕቲ እንደገና ኣእትየዮ ኣሎኹ፣ ካብ 1ይ ስጋብ 4 ክፋል ብተኸታታሊ ከተምብብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

*ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ1998 ዝተወልዐ ኲናት ብርግጽ መሳፍንቲ ጃንዳ ህውሓት እዮም ጀሚሮሞ።
https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.3/posts/2834989486556073
*******************************************************************
*ሰነድ ታሪኽ: ዝምድና ህዝባዊ ግንባርን ወያነን ኣብ ቃልሲ 1ይ ክፋል
https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.3/posts/2834422029946152

*ሰነድ ታሪኽ: ዝምድና ህዝባዊ ግንባርን ወያነን ኣብ ቃልሲ 2ይ ክፋል
https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.3/posts/2834559986599023

*ሰነድ ታሪኽ፥ ጠንቂ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታት እዩ? 3ይ ክፋል
https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.3/posts/2835079759880379

*ሰነድ ታሪኽ፡ ኤርትራዊ ተበግሶ ንምፍታሕ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን 4ይ ክፋል
https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.3/posts/2857873374267684

*ሰነድ ታሪኽ፡ ፈተነ ምእላይ ወጥሪ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን 5ይ ክፋል
3) ኣፍሪቃዊ ተገዳስነት

https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.3/posts/2860501624004859
***********************************************************************************

ስርዓት ወያነ ኣንጻር ህዝቢን መንግስትን ኤርትራ፡ ነጋሪት ኲናት ኣብ ዝሃርመሉን፡ ተጻብኦታቱ ኣብ ዘሐየለሉን፡ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ዘመተታት ኣብ ዘካየደሉን፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝተፈላለየ ግፍዕታት ኣብ ዝፍጽመሉን ዝሰጎሉን ዝነበረ እዋን፡ ነዚ ኣብ መንጎ'ዘን ክልቲኤ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተፈጥረ ግጭት ንምፍታሕ፡ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ክውሕዙ ጀመሩ።

ፕረሲደንት ጅቡቲ ሑሴን ጉለድ ኣብቲዶን፡ ኣኼባ መራሕቲ ወይ ወጻኢ ጉዳያት ሃገራት ኢጋድ ክካየድ ሓሳብ ከቕርብ ከሎ፡ ልኡኽ ምትእኽኻብ ሳሕለ-ሰሃራ፡ ዋና ጽሓፊ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኣስመራ ብምምጻእ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ሰፊሕ ርክብ ኣካየዱ። ኤርትራ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ክዓርፍ ካብ ዝነበራ ድልየት ተበጊሳ፡ ኩሉ ዝተጠቕሰ ተበግሶታት ክትቕበሎ ባህሪያዊ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን እቲ ክውንነት ብኣንጻር'ዚ ኤርትራ እትምነዮ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ድርቕና ስርዓት ወያኔን፡ ኲናት ኣንጻር ኤርትራ ክቕጽል ምድላዩን፡ ኩሉ ተበግሶታት ክዕወት ኣይከኣለን።

ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ድማ ስርዓት ወያኔ፡ ብ03 ሰነ 1998 ብወገን "ኣምባሳተ-ገለባ" ደቡብ ኤርትራ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፈተ። በዚ ከይተሓጽረ ጭፍራ ወያኔ ኣብ መጨረሽታ ወርሒ ግንቦት 1998 ኣብ "ሰቲት" ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራን፡ ኣብ "ዓይጋ-ዓሊተና" ደቡብ ኤርትራን ተከታታሊ መጥቃዕቲ ኣካየዱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ዘውጻኦ ኣዋጅ፡ መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ ንሽግር ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሓደገኛ መኣዝን ዘደይቦ ምዃኑ ኣረጋገጸ። እቲ ዝወጸ መግለጺ ፡-

"መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብኢትዮጵያ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ኣትሪሩ ከም ዝኹንኖን፡ ኤርትራ ንነብሳ ንምክልኻል ሕጋዊ መሰል ከም ዘለዋን፡ እዚ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሽግር ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ጥራይ ከም ዝፍታሕን የረጋግጽ" ይብል ።

ስርዓት ወያነ፡ ኤርትራ ናይ ሰላሳ ዓመት ሓርነታዊ ኲናት በሰላ ገና ዘይወጸላ ሓዳስ ሃገር ስለዝኾነት፡ "ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ኣንበርኺኽካ" እቲ ዝድለ መሬትን ባሕርን፡ ሕጂ ብቕሉዕ ኲናት ብምውሳድ ንኤርትራ ኣብ ቅድሚ ኣምር ዋቕዕ (ውሁብ ኩነት) ክትገብራ ይከኣል እዩ ኢሉ ስለ ዝገመተ ድማ ኮነ ኢሉ ናይ ኤርትራ ናይ ሰላም ተበግሶ ኣበርዒኖ።

ወተሃደራዊ ተጻብኦ ወያነ እናሓየለ ምስ መጽአን፡ ኩሉ ዓይነት ሓይልታት ውግእ ክልቲኤን ሃገራት ኣብቲ ኲናት ምስ ተሳተፈን፡ ንሓፈሻዊ ኩነታት ናይቲ ዞባ ክጸሉ ምስ ጀመረ ድማ፡ ነቲ ግጭት ብቕልጡፍ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ዞባውን ኣህጉራውን መጸዋዕታታት እናዛየደ መጽአ። ቀንዲ ካብዚ ተበግሶታት ድማ ካብ መጀመርያ ንጡፍ ተሳትፎ ዝነበሮ መንጎኝነት ኣመሪካን ርዋንዳን ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ንኽዕወት መንግስቲ ኣመሪካን ርዋንዳን፡ ኣብቲ እዋንቲ ኣቦ መንበር ኢጋድ ዝነበረ ፕረሲደንት ሓሰን ጉለድ ኣፕቲዶን ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ኤርትራ ከኣ ዕማም ናይቲ መንጎኝነት ምእንቲ ክዕወት፡ በቲ ካቢነ ሚኒስትራት ብ14 ግንቦት 1998 ዘውጽኦ ሓሙሽተ ነጥብታት ጸኒዓ ከምእትሰርሕ ኣረጋገጸት። ብተወሳኺ ካብቲ ሽግር ንምውጻእ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ኣቕረበት፡ -

1) ንመግዛእታዊ ዶብ ምቕባልን ንኡኡ ምእዛዝን፡
2) ብተሳትፎ ኣሃዱ ካርቶግራፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ምልክት ምግባር፡
3) ብመንገዲ ክልቲኦም ሸነኻት ዝሰማምዕሉ ተዓዛቢ ጉጀለ፡ ንኹሉ'ቲ ዶብ ካብ ብረት ነጻ ምግባር።

ኣብቲ ክልቲኦም ሸነኻት ዝፍንተትሉ ቦታታት፡ ጉዳይ ሲቪላዊ ምምሕዳር ብዝምልከት፡ ስርዓት ወያነ ከም ቀንዲ ጉዳይ ናይ ኣብ ስምምዕን ሰላማዊ ፍታሕን ንዘይምብጻሕ ገይሩ ይወስዶ ካብ ሃለወ ፡ እሞ ከኣ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት እቲ ናይ ዶባት ምሕንጻጽን ምምልካትን ምስ ተወድአ፡ ናብ ሉኣላውነት ዋንኡ ክምለስ ካብ ኮነ፡ ኣብዚ እዋን መሰጋገሪ መድረኻት ብምትዕጽጻፍ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ኤርትራ ኣረጋገጸት።

እቲ ሓቂ ግን ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ንምብጻሕ ምቹእ ኩነታት ኣይነበረን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣቀራረብቲ መንጎኛታት ኣመሪካን ርዋንዳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቹእ ናይ ምርድዳእ ሃዋህው ክፈጥሩን ነቲ ግጭት ንምፍታሕን ዝነበሮም ዕላማ ክሰልጦም ኣይከኣለን። እቲ ጠንቂ ከኣ፡ ካብ ብዙሕ ረቛሒታትን ዘስደምም መርገጺታትን ናይ ኩሎም ሸነኻት ዝብገስ እዩ ነይሩ። ነቲ ሓቕታት ንምሕባእ ብፍላይ ስርዓት ወያነ ብዙሕ ሰሪሑሉ። ንሓቕታትን ምዕባሌታትን ከይተረዳእካ፡ ብዝኾነ ይኹን ውጽኢት ንምውጻእ ብፍላይ'ኳ ብወገን ኣመሪካ ታህዋኽ ነይሩ።

4) ውጽኢት ቀዳማይ ጉባኤ
ኡጋዱጎን ፍሽለቱን

************************************************************************

ካብቲ ብ6 ግንቦት 1998 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት ብወግዒ ክካየደሉ ካብ ዝጀመረ እዋን ኣትሒዙ፡ ብዙሓት መራሕቲ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ካብ መንጎኦን ፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ፡ ፕረሲደንት ጅቡቲ ሓሰን ጉለድ ኣብቲዶን፡ ምክትል ፕረዚደንትን ሚኒስተር ምክልኻልን ርዋንዳ ፕል ኪጋመ፡ ዋና ጽሓፊ ው.ሓ.ኣ ሳልም ኣሕመድ ሳልም ዝርከብዎም ነቲ ሽግር ንምቁጽጻርን ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍትሑ ሚዛን ዝወሃቦ ጻዕርታት ኣካይዶም እዮም።

ብመሰረት'ዚ ጻዕርታት'ዚ ከኣ ኤርትራ፡ ው.ሓ.ኣ ኣብቲ ኣብ ዋና ከተማ ቡርኪናፋሶ ኡጋድጉ ዘካየዶ መበል 34 ጉባኤኡ ንዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ዝሰርሕ ብኣቦ ምንበር ው.ሓ.ኣ ዝነበረ ፕረሲደንት በሊዝ ካምፓወረ ዝምራሕ፡ ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋበን፡ ፕረሲደንት በስተር ቢዚ ሞንጎን፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጅቡቲ መሓመድ ሙሳ ሽሒምን፡ ዋና ጽሓፊ ው.ሓ.ኣ.ን ዝርከብዎ ላዕለዋይ ልኡኽ ው.ሓ.ኣ ንኽቐውም ወሰነ። ኤርትራ ነዚ ልኡኽ ብ19 ሰነ 1998 ተቐቢላ ኣዘራረበቶ። ብዛዕባ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዕባሌታቱን ብዝምልከት ድማ ተኸታታሊ ርክባት ተኻይዱ።

ኣብዚ ተኸታታሊ ርክባት፡ ኤርትራ ዘቕረበቶ ርእይቶ፣

" ክልቲኦም ሸነኻት እዚ ኣብ ሞንግኦም ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ጥራይ ከም ዝፍታሕ ክኣምኑ፡ መግዛእታዊ ዶብ ከኽብሩ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዝሰማምዑሉ ምቹእ ናይ ግዜ ሰለዳ ብቴክኒካዊ ጉጅለ ዶብ ክምልከት፡ ኣብ ግዜ ምምልካት ዘየሰማምዕ ጉዳይ እንተድኣ ተረኺቡ ናብ ዳንነት ምኻድ " ይብል።

ብዘይካ'ዚ ኣተገባብራ ናይቲ ስምምዕ ብዝምልከት'ውን ኤርትራ፡ ዶባት ካብ ብረት ብኸመይ ናጻ ይኸውን፡ ጠንቂ ናይዚ ግጭት'ዚ ንምፍላጥ ብዛዕባ ዝካየድ ሓፈሻዊ መርመራ ርእይትኣ ኣቕሪባ። ከምኡ'ውን መንግስቲ ኤርትራ በቲ ዝብጻሕ ስምምዕ ተማእዛዝነት ምእንቲ ክህሉ፡ ቅዳሕ ናብ ው.ሕ.ሃ ን ው.ሓ.ኣ ን ተላኢኹን ክቕመጥ ሓሳብ ኣቕረበት።

ዲፕሎማስያዊ ምንቕስቃስ ው.ሓ.ኣ ብምቕጻል ብሓደ ሓምለ፡ ብኣምባሳደራት ቡርኪንፋሶን ዚምባብወን ጅቡትን ምስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈላለየ ርክባት ኣካየደ። ብወገን ኤርትራ ነቲ ግጭት ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ንምፍታሕ ኣብ መርገጺኣ ጸኒዓ ምህላዋ ነቲ ልኡኽ ኣረጋገጸትሉ።

ላዕለዋይ ሽማግለ ው.ሓ.ኣ ኣብ ታሕሳስ 1998፡ ኣብ ዋና ከተማ ቦርኪንፋሲ (ኡጋዱጎ) ኣኼባ ክካየድ ጸውዐ። እቲ ካብ 7 ክሳብ 8 ታሕሳስ 1998 ኣብ ትሕቲ ጽላል ው.ሓ.ኣ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረሲደንትታት ብለዚ ካምፓወረ፡ ሮበርት ሙጋበ፡ ሓሰን ጉለት ኣፕቲዶን፡ ዋና ጽሓፊ ሳልም ኣሕመድ ሳልምን ከምኡ'ውን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊን ተሳቲፎሞ።

እቲ ኣኼባ ሙጉትን ርእይቶታትን ናይ ክልቲኦም ወገናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ሰምዐ ድማ፡ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍትሓሉ ኣገባባት ተመያይጦም፡ እቲ ብናይ "ው.ሓ.ኣ. ባይታ ንስምምዕ" ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ዓሰርተ ሓደ ነጥብታት ዝሓዘ ወረቐት፡ ብስም ላዕለዋይ ሽማግለ ኣፍሪቃ ኣቕረቡ። ገለ ካብ ቀንዲ ትሕዝትኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይርከቦ ፡-

ምንጪ ፡ መጽሓፍ፡ ሕድገት ዘየፍቕድ መሰል
ይቕጽል . ........
ኣብ ሓደ ርእሲ ክልተ መልሓስ ዝብልዎ ከምዚ ናይ መለስ'ዩ፡
#ወዲ ዳምር
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፣፨
**************************************************************************************

መብርሂ ደረቕን ተንቀሳቓስን ስእልታት፣

*ብምሊሻ ህውሓት ኣብ 1998 ዓም ፈረንጂ ዝተቐንጸሉ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ................

*ወያነ ኣብ ሓደ ርእሲ ክልተ መልሓስ!!............

*ወራሪ ስርዓት ጭፍራ ስርዓት ህውሃት ነበር ሰራዊቱ ብሓሶት ኣደናጊሩ ከም ወራዶ መርዓ ብስምዒት ናብ ኲናት እንክጠብሶም..................

*ጋዘጠኛታት ወጻኢ 3ይ ወራር ወያነ ኣብ ግምባር ዓዲ በጊዖ ብሰራዊት ኤርትራ ድሕሪ ምድምሳሶም እቲ ናይ ከቢድ ኲናት እንክግለጸሎም................

*ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ን1998-2000 ኣብቲ ፍጻመ ብኣካል ዝተሳተፈ ኮሎነል ኣበበ ገረሱ እንክዝንቶ ኣብ ከባቢ 2016 ዝሃቦ ቃለ-መሕትት...............

*ወያነ ኣብ መጨርስታ 3ይ ወራር ንወደብ ዓሰብ ንምሓዝ ኣብ ግንባር ቡሩየ ዝገበሮ ከንቱ ወትሃደራዊ ፈተነን ዘጋጠሞ ምድምሳስን ስዕረትን ካብ ዝተማረኩ ሰራዊት ወያነ ዝተዛረቡዋ ዘረባ ንስማዓዮ................

* "ውግእ ባድመ መለስ ዜናዊ እዩ ጀሚሩዎ"
ኣሜሪካዊ ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን ቅድሚ ስርዓት ጭፍራ ወያነ ምውዳቓ ዝተዛረቦ..,..,...

"ዕላማ ወራር ጃንዳ ስርዓት ሕውሓት ነበር [1998-2000 ዓም ፈረንጂ] መለስ ከም ዝበለኒ፣ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጽያ ንምምላስ [ዳግም ናብ ኢትዮጵያ ንምጽንባር] እዩ ኔሩ"

ኣምባሳደር ዳቪድ ሺን ኣብ'ቲ እዋን'`ቲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዝነበረ ቅድሚ ስርዓት ጭፍራ ወያነ ምውዳቓ ዝተዛረቦ.......................

* "ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ባድመ ዓቕማ ስለ ዝተጸንቀቐ ጀነራታ ኣንጻር ሰራዊት ኤርትራ ክትደፍኡ ስለ ዘይከኣሉ እቲ ውግእ ጠጠው ኢሉ፣ ከምቲ ወያነ ዝብልዎ ኣይተዓወቱን" ኤርምያስ ለገሰ ካድረ ወያነ ዝነበረ ኢትዮጵያዊን ኣብ 2010-2011 ዓም ፈረንጂ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ኣብ ኣሜርካ ዝነብር ዘሎ ኣብ 2016 ካብ ዝበሎ ቁንጫል.....

*ቃለ-መሕትት ምስ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ሓምለ 2000 ዓም ፈረንጂ
*ወያነ ኣብ ዓውደ ውግእ ብቓላት ጀነራል ስብሃት ኤፍረም

*ጀነራል ስብሃት ኤፍረም ኣብ 2009 ዝሃቦ ሓያል ትንቢት

*ጀነራል ስብሃት ኤፍረም ብዛዕባ ውዕሎ እግሪ መኸል

*'ጸወታ ወያነ ኣብቂዑ'፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብርኣብ ኣብ ከባቢ 2015 ዝሃቦ መግለጺ

*ኣብቲ እዋን'ቲ ልኡኽ ወጻኢ ጉዳይ ዝነበረ ሃይለ ወለትንሳአ ብዛዕባ ድሕሪ 3ይ ወራር ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ [ኲናት] ኣብ ንግደት [ፈስቲቫል] ጀርመን ኤርትራውያን ዝገበሮ መደረ

* ናይ መስለስ በሉዎ ካዕቦ-ምዕሮ ኣቦ ሓሶትን ቅጥፈትን ስርቅን ልኡኽ ወጻኢ ጉዳይ ስርዓት ጃንዳ ነበር ስዩም መስፍን ነቲ ድሕሪ'ቲ ደማዊ ኲናት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሟጉት ዝነበረ ናይ ዶብ ጉዳይ ብሕጋዊ መዳይ ኣብ ደን ሃግ ቀዳም መዓልቲ 13 ማዝያ 2002 ዓም ፈረንጂ ምስ ተፈርደ፣ ነቲ ሰነድ ከየምበበ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ 'ኣሹንኳይ ባድመ ዘይሓትናዮ ኩሉ ከማን ንዓና ተፍሪዱ ተዓዊትና' ክብል ብዘይ ሕንከት እንክምድር.........

*ሓርበኛ ኣሕፈሮም ተወልደ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ 'ቤት ትምህርቲ ካድር ናቕፋ'-ሓሶት ዝኣመላ መንታ መልሓስ ወያነ ኣብ ጉዳይ ውሳነ ዶብ ማዝያ ቀዳም ዕለት 13, 2002 ዓም ፈረንጂ እቲ ሓቂ ክገልጾ እንከሎ...........

*'ናትና ኣይንህብን ዘይናትና ኣይንደልን' ስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ሃብተ ገብረየሱስ [ወዲ ሻውል]............

*''ዘልናያ ኮይንባ' ስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ሃብተ ገብረየሱስ [ወዲ ሻውል].........

*'ኮብራ' ስነ ጥበባውን ድምጻውን ራእሲ ባህሊ ሃገር ሓርበኛ በረኸት መንግስተኣብ..........

*'ኤረና ህዝብኺ'ሎና' ስነ ጥበባውን ድምጻውን ራእሲ ባህሊ ሃገር ሓርበኛ በረኸት መንግስተኣብ................

*'ትሕበኒ'ዶ ዓደይ እወ ትሕበኒ' ብስነ ጥበባዊን ድምጻውን ዳዊት ተኽለሰንበት [ሺላን]
-ብምዕራብ ክበርቃ ዝፍትና፣ ጸሓየን የህዲመን ብርሃን ዝለመና- ..........

 

 ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና፠፠፠፠፠፠፠፠፠ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና!!!

 ዘልኣለማዊ ኽብሪን ዝኽሪን ንስውኣትና፣ ኽብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ብጾትና!!!

 ሞሳን ኽብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ
ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

 ዓወት ን‘ሓፋሽ!!!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events