Dehai

(ቢቢሲ) 'ብዘይ ምርጫ ስልጣን እንተዘይሂብኩሙኒ ሃገር ክሕምሳ እየ' ንዝበለ ሕጋዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 07 May 2020

'ብዘይ ምርጫ ስልጣን እንተዘይሂብኩሙኒ ሃገር ክሕምሳ እየ' ንዝበለ ሕጋዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

ጠቅላይ ሚኒስትር ዐብይ አህመድPM OFFICE

ሻዱሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ምንውሑ ተታሓሒዚኦም ንዝውሃቡ ዘለዉ ኣማራጺታት፡ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንመስርት ዝብል ሓሳብ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዘይተሞርኮሰን ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልዓል ዘይግዚኡን ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመደ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ገሊጹ።

ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ዝደንገጎ ወጻኢ ስልጣን ክሕዝ እየ ኢሉ ንዝሓሰብ ኣካል፡ ናይታ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ምጥሓስ እውን ስለዝኾነ መንግስቲ ስጉምቲ ከምዘውሰደሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣጠቂቁ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "ካብ ሕጊ ወጻኢ ስልጣን እንተዘይሂብኩምኒ ሃገር ክሕምስ እየ ንዝብል ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኣይንዕገስን ኢና" ኢሉ።

መንግስቲ ፈዴራል ሓደ ካብ ቀንዲ ስርሑ ተግባራውነት ሕገ መንግስቲ ምርግጋጽ ምዃኑ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንሕገ መንግስቲ ዝጥሕሱን፡ ቅጥዒ ዝስኣነ ምርጫ ከነካይድ ኢና ንዝብሉ ድማ መንግስቲ ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግደድን ገሊጹ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ንምምስራት ምርጫ ምክያድ ግድን ከምዝኾነ ብምዝኽኻር ብዘይ ምርጫ ናብ ስልጣን ምድያብ ግን ሕጋዊ መሰርት ዘይብሉ'ዩ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብምስዓብ "ፖለቲካዊ ሰልፊ ስለዝኾንኩ ስልጣን ይግባኣኒ እዩ ዝብል ኣዘራርባ ዲሞክራስያውን ሕገ መንግስታውን ኣካይዳ ዝተኸተለ ኣይኮነን፡ ብዘይ ምርጫን ተጸዋዊዕካን ስልጣን ክትካፈል ምሕላን እውን ዘዋጽእ ኣይኮነን" ኢሉ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ናይ መሰጋገሪ መንግስታት ከመይ ከም ዝተመስረቱ ዝገለጸ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ካብ ወተሃደራዊ ናብ ዲሞክራስያዊ ኣብ ዝግበር ምስግጋር ሕገ መንግስቲ ክሳብ ዝጸድቕ ጥራይ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግን ለውጢ እምበር ሰውራ ስለዘይኮነ መሰጋገሪ መንግስቲ ንመስርት ዝብል ሓሳብ ተቀባልነት ዘይብሉ ሓሳብ እዩ ድማ ኢሉ።

"ኮቪድ 19 ኣብዚ ዘለናዮ ዞባ ንሉኡላውንት ሃገራት ኣብ ዝፈታተነሉ ዘሎ እዋን መሰጋገሪ መንግስቲ ንመስርት ምባል ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር እዩ፡ ዘይሕጋዊ ጥራይ ዘይኮነ ሓደገኛ'ውን እዩ" ኢሉ።

"ንሕጊ ጥሒስካ ንስልጣን ከም ጸበል ናብ ኩሉ ይባጻሕ ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ንምዃኑ ዝተመረጸ መንግስቲ እንከሎ፡ ዘይተመረጹ ሰልፍታት ተኣኻኺቦም መንግስቲ ዝምስርትሉ ኣገባብሲ በየነይ ሞራልን ሕግን ስርዓትን እዩ ክስነ"

ብምስዓብ "ንኣዋርሕ ምርጫ ይናዋሕዶ? ዋላስ ንዓመታት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ መስሪትካ ንኢትዮጵያ ናብ ህውከት ምምራሕ? ንኢትዮጵያ ኣየናይ እዩ ዘዋጽኣ?" ብምባል ይሓትት።

እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየደ ተሓሲቡ ዘነበረ ሃገራዊ ምርጫ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምንውሑ ካብ ብዙሓት ሕቶታት ኣለዓዒሉ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምስዚ ዘሎ ለበዳ ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ ከምዘጸግም ብምሕባር ኣርባዕተ ኣማራጺታት ኣቐሚጡ ኣሎ።

ካብቲ ዘቐረብ ምርጫታት ኸኣ 'ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ምሕታት' ዝብል ተቀባልነት ረኺቡ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ንኽርከቦ ናብ ጉባኤ ኣጻራዪ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ኣምሪሕዎ።

'ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ምሕታት' ኣብ ብዙሓት ሃገራት ልሙድ ምዃኑ ዝሓበረ ቀዳማይ ምኒስተር፡ በዚ መልክዕ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ክሳብ ምርጫ ዝካየደ ኣብ ስራሕ ከምዝጸንሕ ይሕብር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "መንግስቲ ኣብ ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን ኣብ ምምሕያሽ ሕገ መንግስትን ንበይኑ ክገብሮ እናኸኣል ንምልዛብን ንምምኽኽእርን ባይታ ምጥጥሑ ዲሞክራስያዊ ኣካይዳ ንምህናጽ ዘለዎ ቅሩብነት ኣርእዩ እዩ" ኢሉ።

ካናዳ፡ ጀርመን፡ ህንድ፡ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ከም ቀንዲ ሕገ መንግስታውያን ሃገራት ክኾና ዝኸኣላ 'ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ብምሕታት' ኣብ ሕጋጋተን ዘሎ ሃጓፋት ክመልኣ ስለዝኸኣላ እየን ኢሉ።

ብተወሳኺ "እዛ ሃገር ቅልውላው ሕገ መንግስቲ እዩ ኣጋጢምዋ ዘሎ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ንኸምዚ ዓይነት ጸገማት መልሲ ኣየቀመጠን፡ ምንዋሕ ምርጫ ኣብዚ ሕገ መንግስቲ ኣይተቀመጠን"ኢሉ።

ብምስዓብ "ክኢላታት ሕጊ፡ ብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ ሕጋዊ መፍትሒ የብሉን ክብሉ እንከለዉ፡ ሕጋዊ መፍትሒ ንድለየሉ ማለቶም እምበር ብኣቋራጭ ስልጣን ከትሕዘና ይኽእል እዩ ማለቶም ኣይኮነን"



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events